ቱርኪ ንኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ካብ ምጥራዝ ክትቁጠብ ኣምነስት ጸዊዑ

ቅድሚ ሕጂ ኣስታት 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ምኽርን ምስ መቐርቦም ብቴሌፎን ከይራኸቡ ብምኽልካልን መንግስቲ ቱርኪ ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝጠረዞም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ መግለጺኡ ሰብ መዚ ቱርኪ ንኤርትራውያን ብዘይ ድሌቶም ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ካብ ምጥራዝ ተቖጢቦም ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ነቶም ስደተኛተት ናይ ዕቑባ መሰሎም ከኽብሩሎም ተላብዩ።

እቶም ኤርትራውያን ኣይዲን ኣብ ዝብሃል ቦታ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ብምምልካት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣስታት 180 ዝኾኑ ስደተኛታት እታ ሃገር ብሓይሊ ብዘይድሌቶም ከምዝተጠረዙ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

እቶም ካብ ቱርኪ ብሓይሊ ዝተመለሱ ኤርትራውያን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ዓዲ ኣቤቶ ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ምህላዎም ከኣ ዝያዳ ኣሻቓሊ ከምዝገብሮ ኣምነስት ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ’ውን ቱርኪ ካልኦት ኣስታት 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ከምዝመለስዎም ኣምስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

እቶም ሕጂ ኣብ ኣይዲን ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝኾነ እዋን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ከምዝኽእሉ ብቴሌፎን ንመቕርቦም ከምዝሓበሩ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንኸይጥረዙ ዝማጎትሉ ሕጋዊ ዕድል ከምዘይተውሃቦም ብምጥቃስ፡ ኣብ ማእሰርቲ ብሕጽረት ማይ፡ መግቢን ሕክምናን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ሻቕሎቱ ገሊጹ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣቐዲሞም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኤርትራ ዝተመሰሉ ስደተኛታት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገር ብዘይሕጋዊ ወጺእኩም ብምባል ብዘይፍርዲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝዳጎኖም ይሕብር።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ዝዝከር ኮይኑ ናብ ሃገሮም ምስ ኣተዉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዳጎኑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ከምዝኾነት ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር ብዘይክስን ብዘይፍርድን ንሓያለ ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ተራ ዜጋታትን ከምዘለዉ ኣምንስት ኢንተርናሽናል ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።