ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ውድድር ምሕንባስ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝተሳተፈ ኣሮን ገብረ ተመክርኡ የካፍል

ኣሮን ገብረ ኦዉሱ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብናይ 50ሜትር ፍሪስታይ(Freestyle) ናይ ምሕንባስ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ ራብዓይ ደረጃ ብምርካብ ድማ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብ ኣመሪካ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣሮን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ምሕንባስ ኤርትራ ተጸንቢሩ ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ንኻልኣይ ጊዜ’ዩ ተወዳዲሩ። ወዲ 17 ዓመት ኣሮን ናብ ስፖርት ምሕንባስ ብኸመይ ከም ዝጀመሮን ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ንምስታፍ ብምብቕዑ ዝስምዖን ከግልጽ እንከሎ፤ "መሳርሕቲ ኣቦይ ኣሰልጣኒ ጋንታ ምሕንባስ ስለዝነበረት ኣነ ከባቢ ወዲ ክልተ ዓመት ከለኹ ምስ ዓብይ ሓወይ ናብቲ ስፖርት ተጸንቢረ። ዋላ’ኳ ኣብቲ ስፖርት ጹቡቕ ገስጋስ እንተነበረኒ ብከምዚ ደረጃ ክሳተፍ’የ ዝብል ሓሳብ ግን ክሳብ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣይነበረንን። ሕጂ ድማ ኣብዚ ደረጃ ምስቶም ዓብይ ክብረት ዘሎኒ ስፖርታዊያን ዝርከብዎ ቦታ ምህላወይ ጥራይ ኣዝዩ ዘሐጉስ’ዩ፡" ይብል።

ኣሮን ብሓፈሻ ካብዚ ውድድር ብዓብዩ ድማ ክበጽሖ ዝደልይ ሸቶ ንንኣሽቱ ኣሕዋቱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኣፍሪቃን ዘለዉ መንእሰያት ከምኡ’ውን ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ሓንበስቲ ኣርኣያ ክኸውን ከም ዝደሊ ይገልጽ።