ተደራራቢ ሕማምን ባህሊን ዘይዓገታ ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ቅርጺ ሰብነት - ስምረት ርእሶም

ስምረት ርእሶም ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ዓብያ። ኣቦኣ ኣብ ኣመሪካ ብምንባሩ፡ ካብ ኣደኣ ተፈልያ ናብ ኣመሪካ ክትከይድ ምዃና ምስ ተነግራ ነታ ጓል 13 ዓመት ስምረት ኣመና ከበዳ።

ፈለማ፡ “ካብ ኣደይ ተፈልየ ኣይከይድን እየ ወይ ድማ ሃጽ ኢለ ክጠፍእ እየ” ብምባል ኣበየት። ይዅን እምበር “ዓባያ ኣብዚኣ እንተተሪፍኪ ከመርዕወኪ እየ እንተዘይኰይኑ ናብ ኣቦኺ ኪዲ” ምስ በለታ ንኽትከይድ ከምዝተቐሰበት ተዘንቱ።

በዚ ድማ ምስ ሓፍታ ናብ ወላዲአን ናብ ሃገረ ኣመሪካ ኣምሪሐን ሓድሽ ህይወት ኣብ ሃገረ ስደተን ጀመራ። እቲ ክውንነት ድማ ካብቲ ብኣጋኡ ዝገመተቶ ከቢድን ናፍቘቱ ድማ ሕልፊ ኰይኑ እዩ ጸኒሑወን።ንሳን ሓፍታን ምስ ኣመሪካውያን ስድራቤት ክዓብያ ጀመራ።

እዚ ንህይወተን ብመጠኑ'ኳ እንተቃለሎ ነተን ብኤርትራዊ ባህሊ ዝዓበያ ኣሓት፡ ኣብታ ኣመሪካዊት ስድራ ተሓቚፈን ክወሃሃዳን፡ ነቲ ፍልልይ ቋንቋን ባህሊን ክለምዳኦ ቀሊል ኣይነበረን።

“ኣብ እዋን ግርዝውና እሞ ድማ ኣብ ኣመሪካ ምስ ወለድኻ ዘይኰኑ ስድራቤት ምዕባይ ኣዝዩ ከቢድ እዩ፤ ግን ኣምላኽ ይመስገን ኣዝዮም ጥዑማት ስድራ እዮም ነይሮምና። ብዙሕ ሓገዝን ምክንኻንን ብምግባር ብግቡእ እዮም ኣዕብዮምና” ብምባል ነቶም ጸዓዱ ስድራቤታ ዘለዋ ክብሪን ምስጋናን ብምግላጽ ክሳብ ሎሚ ማዕረ ናብ ኤርትራ ሓቢሮምዋ ብምኻድ ጽቡቕ ስድራቤታዊ ርክብ ከምዘለዎም ትጠቅስ።

ስምረት ርእሶም ኣብ ውድድር

ምንጪ ስእሊ,Simret

ስምረት ገና ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጻትሉ ግዜ ኣትሒዙ ጸገም ኮላሊት ስለዝነበራ፡ ኣብ ኣመሪካ እውን ብዙሕ ብጥዕና ትሽገር ነይራ። ብሰንኪ እቲ ሕማም ድማ ሸውዓተ ግዜ መጥባሕቲ ገበረት።

እዚ ድማ ንዅሉ ኣካዳምያዊ ንጥፈታታ ክኾላልፎ ስለዝጀመረ፡ ሕጽረት ቋንቋ'ውን ተወሲኽዎ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝዛዘመትሉ ናብ ኮለጅ ክትኣቱ ኣይከኣለትን።ይዅን እምበር እቲ ኵሉ ራእታታ ብሕማም ምኽንያት ክተዓናቐፍ ኣይፈቀደትን።

ስለዚ ናብቲ ዝንባለኣ ዝነበረ ኣድሂባ ብዓውዲ ጽባቐን ጸጕሪ ርእስን ተመሪቓ። ናታ ትካል ብምኽፋት ንዓሰርተ ክልተ ዓመት ሰርሐት። ጐድኒ ጐድኑ ድማ እቲ ክምሃር ኣለኒ ዝብል ድሌት ውሽጣ ስለዝደፋፍኣ ናብ ትምህርቲ ተመሊሳ ነርሲን ከተጽንዕ ጀመረት።

ሽዑ'ውን ንስርዓተ መትንታት ብዘጥቅዕ ሕማም 'Guillain barre syndrome' ተጠቒዓ ዳርጋ ንሞት ምስ ተቓረበት ትምህርታ ኣቋረጸት።

“ሃንደበት ከምዚ ሰዓል ዝመስል ኢሉ ምስ ጀመረኒ ኣብ ሰሙኑ ፓራላይዝ ኰይነ ንነብሰይ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ምስ ረኸብኩዋ ክመውት እየ ዝኸውን ኢለ ነይረ። ግን ስፖርት ክሰርሕ ውዒለ፣ ተጸሊኡኒ ኢለ ባዕለይ መኪና ዘዊረ ዝመጸኹ ሰብ ከመይ ገይረ ፓራላይዝ ይኸውን ብምባል በቃ ነቲ ኣተሓሳስባይ ክቕይሮ ኣለኒ ኢለ፡” ትብል።

ስምረት ንስርዓተ መትንታት ብዘጥቅዕ ሕማም guillain barre syndrome  ተጠቂዓ ፓራላይዝ ኮናትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን

ምንጪ ስእሊ,Simret

ስምረት ነቲ ኣብ ሞት በጺሓትሉ ዝነበረት ኣጋጣሚ “ኣምላኽ ንኽነብር ዕድል ሂቡኒ ኣሎ” ብምባል ንዅሉ እቲ ሓካይም “ፓራላይዝ ክትኰኒ ኢኺ፣ ብ ዊልቸር ኢኺ ክትንቀሳቐሲ” ዝብልዋ ዝነበሩ ገዲፋ “ኣነ ክሓዊ እየ። ተወዳዲረ ዋንጫ ከምጽእ እየ” ብምባል ትምልሰሎም ከምዝነበረት ተዘንቱ።

ኣብቲ እዋን እቲ ክበጽሓዋ ዝመጹ ሰባት ይዅኑ መሓዙታ እቲ ንሳ ብኣፋ እተውጽኦ ተስፋ ዝመልኦ ብእወታዊ ኣተሓሳስባ ዝተደረኸ ዘረባን፡ እቲ ዝነበረቶ ኵነታትን ዘይራኸብ ብምንባሩ፡ “እዚኣስ ሓሚማ እያ” ዝበላ መሓዙት ከምዝነበራኣ ትዝክር። ስምረት ግን ተስፋ ኣይቈረጸትን።

ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ቅሩብ ምስ ተመሓየሸት፡ ብዊልቸር ተጸይራ ንበይና ክትከውን ስለዘይትኽእል ምስታ ዘዕበየታ ኣመሪካዊት ኣደኣ ክትነብርን ጥዕናኣ ክትከታትልን ጀመረት። ሽዑ'ውን ንኣደኣ እቲ እወታዊ ሓይሊ እምነታ ደጋጊማ “ ማም! ኣነ ስፖርት ሰሪሐ ዋንጫ ክሽለም እየ፤ ከዅርዓኪ እየ ይብላ ነይረ” ትብል።

በዚ ኵሉን ጥዕናዊ መሰናኽል ግን ሽዑ'ውን እቲ ሰባት ናይ ምሕጋዝ ባህጋ መልክዑ ቀይሩ እምበር ኣይሃሰሰን። ብዘይካኡ'ውን ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ ስድራኣ ክትሕግዝ እንተዀይና ወፊራ ክትኣቱ ነይርዋ።

“ከም ኵሉ ኤርትራዊ ስድራውን ክትሕግዝ ስለዘለካ ደቂ ሰይቲ ስዉእ ሓፍተይ እውን ክኣሊ ነይሩኒ። ኮታስ ንነብስኻ ጥራይ ምንባር ትርጕም የብሉን ኢለ ዝመጸ ይምጸእ ኣብ ሂወት ተስፋ ኣይቈርጽን እየ።”

ስምረት ርእሶም

ስምረት ብዘይካ ሞያ ስነጽባቐ ካልእ ተፈጥሮኣዊ ናይ ጉያ ተውህቦ ስለዝነበራ፡ ሓደ ኣብ ጂም ዝፈልጣ ሰብ እንድሕር ፈትያቶ ኣብ ዓውዲ ምልዓል ክብደትን ቅርጺ ሰብነትን ክትወዳደር ብዘቕረበላ ሓሳብ እያ ነቲ ዓውዲ ተጸንቢራቶ፤ ፈትያቶ ድማ።

እቲ ብሕክምናዊ መዳይ ንሰባት ምድሓን ዝብል ድሌታ ድማ ናብቲ ድሒራ ዝተጸንበረቶ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ገይራ ሰባት ምስ ሓመሙ ምሕጋዝ ዘይኰነስ ገና ከይሓመሙ ክከላኸልሉ ዝኸእሉ ስልጠናታት ኣካላዊ ምንቅስቃስ ብምውዳድ ነቲ ናይ ምሕጋዝ ባህጋ ቀጸለቶ።

“ኣብ 2013 ዓውዲ ስፖርት ምልዓል ክብደት ክጅምሮ እንከለኹ ንዓይ ጥራይ ዘኰነስ ንዅለን ደቀንስትዮ ብኸመይ ኣብ ሓሳበንን ራእታተንን ይቕጽላ ኣርኣያ ክኸውን ዝብል ሕልሚ እዩ ነይሩኒ” ክትብል ናብቲ ኣብ ኣዋልድ ብዙሕ ዘይተለምደ ዓውደ ስፖርት ዝተጸንበረትሉ ምኽንያት ትገልጽ።

እቲ ዓውደ ስፖርት ነቲ ዝዓበየትሉ ዓቃባዊ ማሕበረሰብ ሓድሽ እዩ ነይሩ። ወለዳን ስድራቤታን'ኳ እንተደገፍዋ፡ ብዙሓት ግን ኣብ ዓቢ ደረጃ ኣይትበጽሕን ኢኺ ብምባል ተስፋ ዘቍርጽዋ ከምዝነበሩ ትገልጽ።

ሓንቲ ካብተን ጸጕረን ትሰርሐን ዝነበረት ዓማዊላ እውን “እዚ ናይ ኣወዳት ዝመስል ቅርጺ እንታይ ክገብረልኪ እዩ? ቈልዓ ክትወልዲ ኣይትኽእልን ኢኺ” ክትብላ ትዝክር።

ኣብ ገለ ዝተዓደመቶ ቃለ መሕትትውን ገለ፡ “ብታንቲ ጥራይ ለቢሳ ጥራያ ዝወጸት ንምንታይ ተምጽኡልና፣ ሕብረተሰብ ክትጽይቕ” ዝበሉ ከም ዝነበሩ ስምረት ትጠቅስ።

እዚ ኵሉ ግን ካብ ዋሕዲ ፍልጠትን ምርዳእን ዝነቅል እዩ ኢላ ስለዝኣመነት፡ ኣብርቲዕዋ እምበር ካብ ሕልማ ኣይዓገታን። ዳግም ናብ ስፖርት ተመሊሳ ብዝተፈልየ መልክዕ ማለት ብውድድር ቅርጺ ሰብነትን ናይ ቢኪኒ ሾውን ክትወዳደር ጀመረት።

ደጊም ታሪኻ ኣብቂዑ እዩ ዝብል ዝነበረ ረኣዪ ክሳብ ዝገርሞ ጥዕናኣ ናብ ንቡር ተመሊሱ፤ ውድድራት ከተካይድ ጀመረት። ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ ናብ IFBB (ኣህጉራዊ ውድድር ምህናጽ ኣካላትን ቅርጺ ሰብነትን) ዝተጸንበረት ፋላመይቲ ኤርትራዊት ክትከውን በቕዐት።

ስምረት ንዅሎም እቶም ኣይከኣልን እዩ ዝብሉ ዝነብሩ ተስፋ ከይቈረጽካ ብእምነት እንተ ሰሪሕካ፡ ዘይብጻሕ ከምዘየሎ ብግብሪ ምስ ኣርኣየቶም፡ ይቕሬታ ዝሓተቱዋ ከምዘለዉ እያ ትገልጽ።

“መብዛሕቶኦም ኣሉታዊ ርእይቶ ዝህቡ ሰባት፡ ኣብቲ ዓውዲ ብዘለዎም ድሩት ኣፍልጦን ባህላዊ ኣመጻጽኣን እዩ። ግን ኵሉ ግዜ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ደው ክትብል እንተዄንካ ንናይ ሰባት ዘረባ ክትጻወርን ከተረድኦምን ኣለካ። ኣነ ድማ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ሕልመይ ንሃገረይ ከጸውዕን ንዅለን ደቀንስትዮ ኣርኣያ ክኸውንን ስለዝዀነ ከም መበራትዒ እየ ዝርእዮ” ትብል።

ስምረት ምስ ውላዳ

ምንጪ ስእሊ,ስምረት ኣርኣያ

ብዘይካ'ዚ...

ስምረት ኣብዚ ደረጃ ንክትበጽሕ ኣዝዩ ብዙሕ ውረድ ደይብን ጥዕናዊ ብድሆን ሓሊፋ እያ።

ዛጊት ድማ ካብ 2013 ኣትሒዛ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮፈሽናል ውድድራት ብምስታፍ ዝንኣድ ውጽኢታት ኣመዝጊባ ኣላ።

ንዅለን ኣብዚ ዓውዲ ክነጥፋ ዝደልያ ደቀንስትዮ ድማ፡ “ባህልና ብርግጽ ዕቃበታት ስለዘለዎ፡ ክትጅምራ ከለኽን ብዙሕ ሰብ ክቃወመክንን ክጸርፈክንን ይኽእል እዩ፡ ራእይካ ግን ንስኻ ጥራይ ኢኻ ትረእዮ እሞ፡ ንውሸጥኽን ኣበራቲዕክን ክትሰርሓ ምስ ትጅምራ ሰባት እናተቐበሉኽን ክመጹ እዮም። ስለዚ ኣጆኽን ክትገብራኦ ትኸእላ ኢኽን ክብለን እደሊ፡” ብምባል ትላቦ።

ኣደታት ንርእሰንን ንደቀንን ብጥዕና ካብ ጭንቀት ርሒቐን ንኽነብራ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ከዘውትራ ተተባባዕ።

ብዘይካ'ዚ ስምረት፡ “ሓደ እዋን ዶክተር ኣይትወልድን ኢኺ'ውን ኢሉኒ ነይሩ፣ ብዙሕ ጸገማት እውን ሓሊፈ እየ ስለዚ እተን ብዝተፈላለየ ምዕራፋት ሂወት ብተስፋ ምቝራጽ ዝሓልፋ ዘለዋ ደቀንስትዮ ንዓይ ክረእያ እንከለዋ ክተባብዓን ኵሉ ከምዝከኣልን ክዝክራን እደሊ፡” ትብል።

ስምረት ኣብዚ እዋን በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ቘልዓን ኰይና ኣብ ካሊፎርኒያ ከተማ ሳንድያጐ እናነበረት ብውልቅን ብጕጅለን ስልጠናታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምሃብ ትሰርሕ ኣላ።