ገምጋም መጽሓፍ፡ ናይ 135 ዓመት ጕዕዞ ኤርትራ ብወልደየሱስ ዓማር

እዛ ሓዳስ 'ናይ 135 ዓመት ጕዕዞ ኤርትራ' (Eritrea's 135-year Trajectory) ዘርእስታ መጽሓፉ ከም ኣብነት ክትጥቀስ ትኽእል። ኣብቲ ገበር መጽሓፍ፡ 'ካብ ጽሑፋተይ ዝተወስዱ ክወናትን ተሰቍሮን' ዝብል ተወሳኺ ሓረግ ኣስፊርሉ ኣሎ።

ርግጽ'ዩ፡ ወልደሱስ ኣብሊጹ ዝፈልጦም ምስ ታሪኽ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ ዛዕባታት ኣለዉ። ኣብዛ መጽሓፍ'ዚኣ ድማ እቲ ፍልጠት እቲ እዩ ክውሕዝ ዝርአ፣ እኳ ደኣ ናጻ ኰይኑ - ብትብዓትን ብዘይ ሻቕሎትን።

ብዙሓት ጸሓፍቲ ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ኤርትራ ክጽሕፉ ጸገም ኣለዎም። ኣብ ገለ ሸነኹ ድማ ሰገጥ ክብሉ ይርኣዩ'ዮም።

ንኣብነት ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ እቲ ህርኩት ጸሓፋይ ታሪኽ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ ሰለሰተ ቅጽታት ዘለዎም ግሩም ታሪኽ ኣቕሪቡ ክነሱ ኣብታ ራብዐይትን ኣዝያ ኣገዳሲትን ቅጺ በጺሑ - ንታሪኽና ዝዛዘመ ክፋል፡ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ክሳዕ ናጽነት ዝተኸሰቱ ፍጻመታት ምዃኑ'ዩ (ምስ ጋዕ'ገልጠሙ) - ከይመልአ፡ "እቶም ነቲ ቃልሲ ዝመርሑ ልቦም ክኸፍቱ ብምምሕጻን፡" ነቲ ትረኻ ወጊኑዎ ይርከብ።

ሓደ መዓልቲ ጥጡሕ ባይታን ህዱእ ግዜን ተቓዳዊ ሃዋሁውን ምስ ረኸበ ግን ከርክብ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ግን፡ ወልደየሱስ ዘቕርቦ ሓተታ ክሳዕ'ዚ ዘለናዮ ዘመን'ዩ ዝሽፍን ኢልና ክንክውሞ ንኽእል።

ወልደየሱስ እቲ ዘሕለፎ ናብራ - ካብ ዓሸራ-ከረን-ኣስመራ ጀሚሩ፡ ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሉ፡ ናብራ ሜዳን ዓዲ-ስደትን ዘስተማቐረ፡ ገና ንውድቡን ሃገሩን ወትሩ ህርድግ ዝብል ሰብ ምዃኑ ብዙሓት ይምስክርሉ።

ንዕላልና መእተዊ ክዀነና ንቕድም ብዛዕባ ሓብቱ ተወከስናዮ፣ ምኽንያቱ፡ መጽሓፉ ንመዘከርታ ዓባይ ሓብቱ መም. ምንያ ዓማር ስለ ዝወፈያ። ሕቶና ተቐቢሉ ንሒደት ካልኢት ዝን ኢሉ ሃዲኡ ድሕሪ ምሕሳብ፡ "ምንያ ሓብተይ ደኣ ንዓይ ኵሉ'ያ ነይራ፡" ኢሉ መለሰ። መም. ምንያ ካብ'ተን ቀዳሞት መምህራን ሃገርና ኰይና ንወልደሱስ ተኸናኺና ዘዕበየት እያ።

መም. ምንያ ንሰለስተ ወልዶታት ብምምሃርን ንልዕሊ 65 ዓመት ኣብቲ ዓውድ'ቲ ድሕሪ ምግልጋልን ብ2019 ካብዛ ዓለም ዕግበት ተሓንጊጣ ዝተሰናበተት ሓብቱ ምዃና ገለጸልና። እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ፍቕርን ሓልዮትን ምክብባርን ሓያል ሱር ከም ዝነበሮ'ውን ካብ ኣገላልጽኡ ብቐሊሉ ክንርዳእ ከኣልና።

እታ መጽሓፍ እትሽፍኖም ዘመናት ክንርኢ፡ እቲ ትሕዝቶ መጽሓፍ ዝርከቦ ገጽ ምስ ገንጸልና፡ 20 ምዕራፋትን 282 ገጻትን ዝሓዘለት ምዃና ተገንዘብና።

ትሕዝቶኣ ድማ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ካብ ዝኣተወሉ ዘመን ጀሚራ፡ ዘመነ-እንግሊዝ ዘስዓቦ መዘዝ ዳህሲሳ፡ ብኣቦታት ኤርትራ ዝተኻየድ ናይ ዕስራ ዓመት ሰላማዊ ቃልሲ ሸፊና፡ ኤርትራ ኣብ ኢድ ኢትዮጵያ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝተቛረነት፡ ብድሕሪኡ ዘመን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣርኪቡ ከመይ ኢሉ ብዙሕ ዕዳ ከም ዝተኸፍለ ኣዘንትያ ናብቲ 'ዝኸፍአ' ምዃኑ ዝንገረሉ ዘመን ብምስጋር፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ብጸበባ ተሓጺሩ ይነብር ከም ዘሎ እትትንትን መጽሓፍ'ያ።

ብፍልይ ዝበለ ኣዘራርባ፡ እታ መጽሓፍ ብጅግንነት፡ ጥልመት፡ ማእሰርቲ፡ መስዋእቲ፡ ብዓቢዩ ከኣ ንጭኰና ብምዝንታው፡ በብእዋኑ ወቕትታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝተኸሰቱ ፍጻመታትን ተናኺፋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ኢሉ ኣብዚ 'ክፉእ' ዘመን ከም ዝበጽሐ እተብርህ እያ።

ይዅን'ምበር፡ ነቶም ብርክት ዝበሉ ኣርእስትታት ኣብ ሓደ ጥራዝ ጠርኒፋ ብምቕራባ፡ ነቲ ህዉኽ ኣንባቢ ዘይተላገቡ ወይ ከኣ እቶም ምዕራፋት ሰንሰለታዊ ምትእስሳር ከም ዝጐደሎም ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን።

ነቲ ሃዲኡ ዘንብብን ዘስተንትንን ኣንባቢ ግን ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ዝኣኽሉ ፍጻመታት ከም ዝተኸሰቱ እተረድእ ትረኻ እያ።

እታ መጽሓፍ ካብቲ ንቡር ንድፊ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ስለ ዝተነድፈት - እዚ ማለት ካብ ናይ ቀደም ጽሑፋት ደራሲ ተዋጺኣ ስለ ዝቐረበት - ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ክትግምገም ይግባእ። እቲ ቴማ ብብዝሒ ኣርእስትታት ብግመ ከም ዝተጐናበደ ዛዕባ'ኳ ይምሰል'ምበር፡ ብርክት ዝበሉ ዙሃራት ዝሓዘለት መጽሓፍ እያ።

ንኣብነት፡ ምስ ወልደዳዊት ተመስገን ዝተኻየድ ቃለመጠይቕ፡ ነቲ ብጀብሃ ዝተፈጸመ መፍትሖ-እሱራት ክሳብ ክንደይ ረቂቕን ጅግንነታዊ ፍጻመን ምንባሩ ኣንባቢ ማር-ማር ብዘብል ኣገባብ 'ሕጂ ደኣ ኤርትራውያን እንታይ ረኸቦም?' ዘብል ፍጻመ'ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ብዛዕባ ዮሃንስ ናፍዕ ሚንዳል ምንባብ ከኣ 'ክሳዕ ሎሚ ነቲ ዛንታ ብዘይምስማዕና ደኣ ኣበይ ነይርና?' ዘብል እዩ። ኤርትራውያን ኣብ መንጋጋ ኣንበሳ ኰይኖም ዝፈጸምዎ ጅግንነት ንምንታይ ብግቡእ ዘይተጸብጸበ ኢልካ ሕቶ የለዓዕል።

ወልደሱስ ከም ዝብሎ፡ ዮሃንስ ናፍዕ ምስ ዓረፈ ሓደ ካብ'ቶም ኵሎም ተጠቀምቲ ጅግንነቱ ዝነበሩ ሰባት ክምስክረሉ'ኳ ዘይምኽኣሉ ከም ገበን ከም ዝቘጽሮ የረድእ።

ደራሲ ደልዩ-ፈቲሹ ሓንቲ ሕጡበ-ጽሑፍ - ብዓልቲ ቤቱ ንቐባሮ ዘቕረበታ ናይ ምስጋና መልእኽቲ - ብምርካቡ፡ ካን ገረሞን ኣሕዘኖን። ጅግና ሕማቕ ተፈድየ ክብል ከኣ ዛንትኡ ባዕሉ ነገረሉ።

ሳልሳይ ኣብነት፡ ብዛዕባ ሙሴ ተስፋሚካኤል ክንጠቅስ ናይ ግድን'ዩ፣ ምኽንያቱ፡ ገና እንከሎ ንኣካይዳ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣስተብሂሉ፡ "ንስኻ ከም ድሌትካ ኣብ ልዕሌና ክትዕንድር ኣይትኽእልን፣ ደው ከነብለካ ኣሎና፡" ኢሉ ስለ ዝገጠሞ።

ኰይኑ ግን ሙሴ ብ1973 ምስ'ቶም ካልኦት ብ'መንካዕ' ዝፍለጡ ብጾቱ ተረሸነ።

እቲ ንሙሴ ዘቘጥዖን ብትብዓት ዘልዓሎ ጉዳይ፡ ኢሳይያስ ደጊሙ ኣብ ልዕሊ ብጂ-15 ዝበሃሉ መራሕቲ ገድሊ ዝነበሩ ብጾቱ ብምድጋም፡ ብ2001 ምስ ተኣስሩ ክሳዕ ሕጂ ደሃዮም የሎን።

መጽሓፍ ብወልደየሱስ ዓማር

ምንጪ ስእሊ,DM

ደራሲ ኣብ ገጽ 246 በቶም ክቐብሮም ዕድል ዘይረኸበሎም ብጾት ኣስተንቲኑ ክጽሕፍ ምንባብ፡ ልቢ ዝነክእ እዩ። ንብዓል ሚኪኤል ጋብር፡ ማሕሙድ ጀንጀር፡ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል - ናይ ቀረባ ብጾቱን ኣዕሩኽቱን ዝነበሩ - ጠቒሱ ዘስፈሮ ሓተታ ምንባብ ርእሲ ዘነቕንቕ'ዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዓሲሉ ዝርከብ ኵነታት፡ ሰብ-ንሰቡ ክቐብር ዘይክእለሉ ዘመን፡ ምስ ምንታይ ይቍጸር ዘብል'ዩ።

ቀጺሉ ወልደየሱስ ብዛዕባ ብጻዩ ስዩም ዕቝባሚካኤል (ሓረስታይ) ዘቕረቦ ናይ ኣኽብሮት መግለጺ ንትርጕም ብጻይነት ዝዅልዕ'ዩ።

ሰገጥ ዘይብል ቈራጽ ጅግና፡ ኵነታት ቀልጢፉ ናይ ምንባብ ዓቕሚ ዝነበሮ ተቓልሳይ፡ ደኺመ ዘይብልን ዘይውዳእ ጕልበትን ዝነበሮ ብጻየይ እናበለ ክምስክረሉ ምንባብ ብሓቂ ዘገርም እዩ።

ስዩም ካብ ፈለማ 1960ታት ኣብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ብምስታፍ ንብዙሓት የነቓቕሕ ከም ዝነበረ ወልደየሱስ ብዓጀባ ይምስክረሉ። ስዩም ንዓሰርተ ዓመት ምስ ተፈርደ ካብ ውሽጢ ቤት-ማእሰርቲ ኰይኑ ይቃለስ ጥራሕ ዘይኰነስ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ንባዕሉን ንኻልኦት እሱራትን ሓራ ከውጽእ ዝኸኣለ ተጋዳላይ ምንባሩ ይነግረሉ።

ዛንታ ስዩም ድሕሪ ምንባብ ንኣንባቢ ከስተንትን'ዩ ዝቕስብ። ኣብዚ ገሊኦም፡ "'ዘመነ ኢሳይያስ' ኢሎም ዝጽውዕዎ፡ መዋእል ምስ ኣተና ደኣ ንሕና ኤርትራውያን ባህሪና ክሳብ ክንደይ'ዩ ተለዊጡ?" ኢሎም ዝሓቱ ኣለዉ።

ሓተታና ክንድምድም፡ እታ መጽሓፍ ብብርክት ዝበሉ ንኡሳን-ዛንታት ጥራሕ ዘይኰነስ ብደራሲ ዝቐረቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ወቕትታት ዝተደርሱ ጽሑፋት ሒዛ ስለ ዝቐረበት፡ ኣንባቢ ተጠንቂቑ ንኸንብብ ይግደድ'ዩ። መመልከቲ-ገጽ (index) ሒዛ እንተ ትቐርብ ብዙሕ ምሓገዘት።

እዛ ሓዳስ ብእንግሊዘኛ ዝቐረበት መጽሓፍ፡ ብኣፈታትላኣን ትከባኣን (ሪክያሞ - needlework) ዘቕረበቶም ዛንታታት ምስ ምስሊ ኤርትራውያን ብቐረባ ስለ ዝተኣሳሰሩ፡ ደራሲ ንመጽሓፉ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ትግርኛን ዓረብኛን ተርጒሙ ነዚ 'መኣዝኑ ኣጥፊኡ' ዘሎ መንእሰይ መምርሒ ክትኰኖ ተጊሁ እንተ ዝሰርሓሉ ክንደይ ቍምነገር ኮን ምተረኽቦ ብምባል ሓተታና ኣብዚ ንዓጹ።

ካልእ መጽሓፍ ወልደየሱስ ዓማር

ምንጪ ስእሊ,DM

መግለጺ ስእሊ,ካልእ መጽሓፍ ወልደየሱስ ዓማር