እዚ ቦታ 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' ይበሃል። ኣፍሪቃዊ 'ከባቢ' ከም ማለት እዩ ዝኸውን ዘሎ። ጐደናታት 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' ብስም ከተማታት እተን ኢጣልያ 'እግራ ዘንበረትለን' ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሰየመ እዩ።
ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ሊብያን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣስመራ፡ ሞቓድሾ፡ ትሪፖሊን ኣዲስ ኣበባን ካብቶም ኣስማት ጽርግያታት እዮም።
ብዙሓት ጐደናታት ወይ ኣደባባያት ብስም ከተማታት ኢትዮጵያ ተሰይሞም ይረኣዩ
ኣብታ ካብ ሮማ ኣስታት 275 ኪሎ ሜተር ርሕቀት እትርከብ ከተማ ፍሎረንስ እውን ኣብ ማእከላ ዓድዋ ዝበሃል ኣደባባይ ኣሎ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢጣልያ’ውን ብተመሳሳሊ ብስም ከተማታት ኢትዮጵያ ዝተሰየሙ ጽርግያታት ከምዘለዉ ይንገር።
ንምዃኑ ስለምንታይ ጽርግያታት ኢጣልያ ብስም ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሰይሞም?
በኒቶ ሙሶሊኒን ከተማታት ኢጣልያን
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብርቱዕ ጻዕቂ ትራፊክ ዝረኣየሉ 'ኣፍሪቃኖ' ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን እዩ ተመስሪቱ።
እቲ እዋን ከተማታት ኢጣልያ ክሰፍሓ ዝጀመራሉ፡ ሓደስቲ ስነህንጻዊ ስርሓት ዝተራእየሉ ግዜ እዩ ነይሩ።
ጥንታውያን ከተማታት ጥልያን ምስ ሓድሽ ኣምር ህንጸት ክራኸባ ዝፍትናሉ እዋን ከምዝነበረ ይግለጽ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኢጣልያ ንኻልኣይ ግዜ ሰራዊታ ናብ ኢትዮጵያ ሰዲዳ ነይራ።
ድሕሪ ዓወት ዓድዋ 39 ዓመት ጸኒሓ ንኢትዮጵያ ክትወርር ተበገሰት።
ዓቢ ምልካዊ ስርዓት ዝመስረተ በኒቶ ሙሶሊኒ፡ ብሓደ ገጽ ከተማታት ጣልያን እናስፍሐ በቲ ካልእ ድማ ኣንጻር ኢትዮጵያ ሰራዊት ኣውፊሩ።
ሃገራዊ ሰልፊ ፋሺስት [‘ናሽናል ፋሺስት ፓርቲ’] ብምጥያስ ካብ 1922 ክሳብ 1943 ንኢጣልያ ዝመርሐ ሙሶሊኒ፡ ንሮማ ሓዊሱ ከተማታት ኢጣልያ ዘመነዎት ናይ ምግባር ሓሳብ ነይርዎ።
ነዚ ሓሳቡ ናብ ተግባር ክቕየር ከሎ ካብ ዝተፈጠሩ ከባብታት እቲ ሓደ ከኣ 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' እዩ።
ሽዑ ብውሱን መልክዑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረት ኢጣልያ ንጽርግያታት 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' ብስም ከተማታት ኢትዮጵያ ሰመየቶም። ኣስማት ከተማታት ኤርትራ፡ ሶማልያን ኤርትራን እውን ኣብቲ ቦታ ኣሎ።
ፋሽሽታዊ ሙሶሊኒ ከተማታት ኢጣልያ ጥንታዊነተን ከይገደፋ ዘመነዎት ንምግባር ከምዝሰርሐ ይዝረበሉ። ኣብ 2016፡ ጆናታን ሮም ዝተባህለ ጸሓፊ ስነ ህንጻ፡ ሙሶሊኒ ብዝገበሮ ጻዕሪ ንመልክዕ ሮማ ከም ዝቐየረ ጽሒፉ ነይሩ።
ኣብታ ዘመናዊት ዓለም ልክዕ ከም ጥንቲ ውርይቲ ዝዀነት ሃገር ክትህልዎ ዝነበሮ ድሌት ኣብቲ ስነ-ህንጻ ክንጸባረቕ ይገብር ከም ዝነበረ’ውን እቲ ጸሓፊ ወሲኹ ይጠቅስ።
ነዚ ድሌቱ ንምግላጽ ከኣ ካብ እምነ-በረድን ነሓስን ዝተሰርሑ ሓሙሽተ ዓበይቲ ካርታታት ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ሰቒሉ ምንባሩ ይገልጽ። ብፍላይ እቲ ሓምሻይ ካርታ ንባህጊታት ሙሶሊኒ ብዝያዳ ዘነጸረ ነይሩ።
እቲ ካርታ ንሓድሽ መግዛእታዊ 'ሃጸይነት' ሮማ የርኢ። ንቱኒዝያ፡ ሊብያ፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ሶማልያን ኢትዮጵያን ምስ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ 'ሓድሽ ሃጸያዊ ግዝኣት ኢጣልያ' ዘጠቓልል ካርታ እዩ።
ናብ 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' ንመለስ።
ስም ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኢጣልያ
ቪያለ ኢትዮጵያ፡ ቪያለ ኤርትራ፡ ቪያለ ሶማልያን ቪያለ ሊብያን ካብቶም 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' ዝርከቡ ኣስማት ቀንዲ ጐደናታት እዮም።
ቪያ ዓድዋ፡ ቪያ ኣስመራ፡ ቪያ ድሬዳዋ፡ ቪያ ማሳዋ፡ ቪያ ትግሬ፡ ቪያ ላጎ ጣና (ቀላይ ጣና)፡ ቪያ መቐለ፡ ቪያ ደሴ፡ ቪያ ዓዲግራት፡ ቪያ ሲዳማ፡ ቪያ እንደርታ፡ ቪያ ተምቤን፡ ቪያ ሓሸንገ፡ ቪያ ትሪፖሊን ቪያ ቤንጋዚን ካብ መንጐ ኣስማት መገድታት ይርከብዎም።
ፒያሳ ኣዲስ ኣበባ (ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ ከም ማለት’ዩ)፡ ፒያሳ ጅማ፡ ፒያሳ ኣምባላጌን ፒያሳ ጎንደርን ድማ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ቀንዲ ኣደባባያት ወይ መስቀላዊ መንገዲታት ዝተወሃቡ ኣስማት እዮም።
ካርሜሎ ክሪሸንቲ "ፋሽሽታውያን ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ስለዝመሰሎም’ዮም እዚ ኣስማት ሰይሞም" ይብል።
ኣብ ሮማ ተወሊዱ ዝዓበየ ወዲ 65 ዓመት ካርሜሎ፡ ንኢትዮጵያ "ፍሉይ ፍቕሪ ኣለኒ" ይብል። በዚ ምኽንያት ከኣ ንሓያሎ ዓመታት ንጉዳይ እታ ሃገር ብቐረባ ክከታተል ዝጸኒሑ።
ብፍላይ ንታሪኽ ሃጸይ ሃይለስላሰ ምስ ኣንበበ ብኢትዮጵያ ኣዝዩ ከም ዝተመሰጠ ይዛረብ።
ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ምውራራ ብትሪ ዝኹንን ካርሜሎ፡ "ስድራይ ይዅን ኣዝማደይ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ከምዘይተዋግኡ ብዝገበርክዎ መጽናዕቲ ክፈልጥ ክኢለ ኣለኹ። ንኢትዮጵያውያን ኣይቀተሉን። በዚ ኣዝየ ሕጕስ እየ" ይብል።
ካርሜሉ ከምዝብሎ፡ ኣስማት ናይዞም ጽርግያታት ንኢትዮጵያ ንምዝካር ክኸውን ብዝብል ዕላማ ዝተገብረ ኣይኮነን።
ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ባህጊ ፋሽሽታዊ መንግስቲ ሙሶሊኒ ዝነበረ ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ምስፋሕ ድሌት ዘንጸባርቑ እዮም።
“ሽዑ ከተማታት የስፍሑ ነይሮም። ነቶም ሓደስቲ ከባቢታት ከኣ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት [ሃገራት መግዛእቲ ጥልያን] ብዝርከባ ፍሉጣት ከተማታት ክጽውዑ ጀሚሮም። ገሊኦም ብስም ዓውደ ውግኣት ዝተሰየሙ እዮም" ዝብል ካርሜሎ፡ ነቶም ጐደናታት ሓድሽ ግዝኣት ኢጣልያ እናበሉ ይስይምዎምን በዚ ፕሮፖጋንዳ እናሰርሑ ዜጋታቶም ኩርዓት ክስምዖም ይገብሩ ከምዝነበሩን ኣረዲኡ።
'ኣብ ገዛይ ከምዘለኹ ይስምዓኒ'
ካርሜሎ ክሪሼቲ 7 ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመላለሰ ይዛረብ። ቅድሚ 14 ዓመት ናብ ላሊበላ ብምኻድ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ተቐቢሉ’ዩ።
ዋላ'ኳ ንኢትዮጵያ "ፍሉይ ፍቕሪ" እንተሃለዎ ናብታ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝጽዋዓሉ 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' እንተዘይከይድ ከምዝመርጽ ይዛረብ። ግን ንምንታይ?
“ሓቂ ንምዝራብ እቲ ቦታ ዝምስጥ ኣይኰነን። ብኮንዶሚኒየም ዝተጨናነቐ እዩ። ብዙሕ ሓምለዋይ ቦታ የብሉን። ብርቱዕ ጻዕቂ ትራፊክ ኣሎ። መዕረፊ መካይን ንምርካብ እውን ኣጸጋሚ እዩ፤ ስለዚ ብዙሕ ኣይፈትዎን እየ።" ይብል።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ ዝዓበየ ኢትዮጵያዊ መሓዛኡን ሞኽጹን ካርሜሎ ጆርዳኖ እውን በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።
እቲ ፍልልይ፡ ካርሜሎ ጆርዳኖ ዋላ እቲ ከባቢ ዝምስጦ እንተዘይኰነ ናብኡ ምኻዱ የሐጕሶ እዩ።
“ናብኡ ክኸይድ ከለኹ ኣብ ገዛ ዘለኹ ኰይኑ ይስምዓኒ" ይብል።
ካርሜሎ ጆርዳኖ ብወገን ኣደኡ ኢትዮጵያዊ ኰይኑ ክሳብ 21 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይነብር ነይሩ። እዚ ወዲ 70 ዓመት ኣቦ ኣብ ኢጣልያ ን48 ዓመታት ከምዝነበረ ይገልጽ።
ኣብ ግዜ ስርዓት ደርጊ ናብ ሮማ ኢጣልያ ክኸዱ ከምዘለዎም ምስ ፈለጡ “ዓቢይ መርድእ” ኰይንዎ ነይሩ።
"ሃገረይ ኢትዮጵያ እያ። ጣልያን ዓዲ ኣቦይ'ኳ እንተዀነት ካብ ነፋሪት ወሪደ እግረይ ንመሬት ሮማ ምስ ዝትንክፍ ከም ዝሞትኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፤ ኣዝየ እየ ሓዚነ። ምኽንያቱ ስድራይን ኣደይን ዝተወለድኩሉ ቦታን ኣዕሩኽተይን ገዲፈዮም እየ መጺአ" ክብል ይዝክር።
እቲ ብስም ከተማታት ኢትዮጵያ ዝተሰየመት "ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ" ግን ካብ ስምዒት ሓዘንን ጭንቀትን "ቅሩብ ከዕርፍ" ሓጊዝዎ።
"ካብ ዝመጻእኩሉ ሰሙን'ውን ከይተረፍኩ ናብኡ ከይደ። ክሳብ ሕጂ ናብኡ ክኸይድ ከለኹ ከም ኣብ ገዛይ ዘለኹ ይስምዓኒ" ኢሉ።
ኣብ ሮማን ካልኦት ከተማታትን ኢጣልያ፡ ኣስማት ጐደናታትን ቦታታትን ብስም ታሪኽ ዝሰርሑ ወይ ብዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰባት፡ ወይ ድማ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጸሙ ታሪኻዊ ፍጻመታት ወይ ብዝኽሪ ዝግባኦም ብዝተፈላለየ መንገዲ ምስ ጣልያን ዝተኣሳሰሩ ፍጻመታትን ቦታታትን ክስመዩ ይኽእሉ።
በዚ መሰረት ኣብ ሮማ ክልተ ቦታታት ብስም ኢትዮጵያዊ ኣትለት ኣበበ በቂላ ዝተሰየሙ ጐደናታት ኣለዉ።
ኣብቲ ከባቢ ኢትዮጵያውያን ኣስማት ምህላዎም እቲ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ነቲ ዝሓለፈ ግዜ ክዝክር ዝገብር ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዝፈጸመቶ ጽቡቕ መዘኻኸሪ እዩ" ይብል ካርሜሎ ክሪሼንቲ።
ኣስዒቡ፡ “እዚ ቦታ ዝኽሪ ኰይኑ ክቕጽል ኣለዎ። ክጠፍእ የብሉን። እቲ ስም እንተጠፊኡን እንተተቐይሩን ግን ታሪኽ ከም ምስራዝ እየ ዝቘጽሮ" ክብል ገሊጹ።
ብርግጽ ኣብታ ካልእ ታሪኻዊት ከተማ ኢጣልያ ዝዀነት ፍሎረንስ እውን ኣብ ማእከል እታ ከተማን መደበር ባቡርን ዓድዋ ዝተባህለ ኣደባባይ ኣሎ። ንምንታይ በዚ ስም ይጽዋዕ ዝብል ግን በብእዋኑ ዝሃስስ ዘሎ ይመስል።
ናብቲ ከባቢ እናተጓዓዝና ከለና ኣብ መጀመርታ 50ታት ዕድመ ምስ ዝርከብ ሓደ ኢጣልያዊ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣደባባይ ተራኸብና።
ሰላምታ ተለዋዊጥና።
"እዚ ኣደባባይ እንታይ ይበሃል?" ኢልና ሓተትናዮ።
"ዓድዋ ይበሃል" ክብል ነቲ ጽሑፍ ኣመልከተና።
"ዓድዋ እንታይ ማለት እዩ?" ሕቶ ኣስዒብናሉ።
“ብዛዕባኡ ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ። ግን ከኣ ገለ ታሪኽ ናይ ዝሰርሐ ሰብ ስም ይመስለኒ። ብኸምዚ ዝጽውዑ ብዙሓት ቦታታት ኣለዉ” ኢሉና።