እቶም ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ሜትሮፖሊታን ብጹዕ ኣቡነ ዳንኤል ዝተመርሑ ብጹዕ አቡነ ኣንጀሎስ፡ ብጹዕ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ብጹዕ ኣቡነ ቢጎልን ዲያቆን ዮሴፍን ኣብ ኣህጉራዊ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሥመራ ምስ በጽሑ፡ ብመሪሕነት ዓቃቤ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዝተመርሑ ብጹዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ከምዝተቐበልዎም እታ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።
ቅዱስ ሲነዶስ ኤርትራ ብ6 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፤ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ሲኖዶስ ካብ ትተክል ኣትሒዛ፡ "ኣብዚ ቅዱስ መንበር ተሸይሞም ንቤተክርስትያን ዝመርሑ ሓሙሽተ ፓትሪያርካት ኣብ ገግዚኡ ተመሪጾም ክሽየሙ ከምዝገበረ" ብምዝኽኻር ሓምሻይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርትስያን ኤርትራ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ብ 2 ታሕሳስ 2022 ኣብ መበል 96 ዓመቶም ድሕሪ ምዕራፎም ሻዱሻይ ፓትርያሪክ ንምሻም ትዳሎ ከምዘላ ምግላጹ ይዝከር።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ቀዳማዊ ቄርሎስ - ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ-ቐይሕ ኰይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሲኖዶስ ብዘካየዶ ጉባኤን ምርጫን፡ ኣብ ግንቦት 2021፡ 5ይ ሊቃነ-ጳጳስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኰይኖም ብምሻም፡ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም፡ ንቤተክርስትያን ከምዘገልገሉ ይፍለጥ።
ነዚ ዕረፍቲ እቶም ፓትሪያርክ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ "ቅዱስ ሲኖዶስ ንስለ ሓድነትን ስምምዕን ስምረትን ገዳማት ኤርትራን" ከምኡ'ውን ኣብ ጉዳይ ምስያም 6ይ ፓትሪያርክ "ክመክርን ብጸሎት ተጸሚዱን" ከም ዝጸንሐ ኣስፊሩ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ንምስያም ፓትሪያርክ ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።
ቅዱስ ሲነዶስ ኣብ መግለጺኡ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ ግንቦት 1998 ኣትሒዙ እታ ቤተክርስትያን፡ "ሓዋርያዊ ሰንሰለቱ ብዝዓቀበ ሕጋዊ ኣገባብን ፕሮቶኮላዊ ስምምዕን፡" ናጽነታን ልኡላዊነታን ከምዘረጋገጸት ኣመልኪቱ።
እንተዀነ፡ ብሰንኪ ምእጋድን፡ ምውጋዝን ምሕያርን 3ይ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ፓትርያርክ ንዓመታት ምጽንሓ ይፍለጥ።
ፓትርያርክ ኦርቶዶስክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ንምሉእ ዕድሚኡ ዝሽየም ኰይኑ፡ ብዝሙት፡ ናይ እምነት ክሕደት ወይ ድማ ጸገም ኣእምሮ ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ይንገር።
ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራ፡ ካብ ሕጊ ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ ኣብ 2006 ካብ መዓርገ ፓትሪያርክነት ተኣልዮም፤ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ማሕዩር እንከለው ኣብ መጀመርታ ለካቲት 2022 ከም ዝዓረፉ ይዝከር።
ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ጥሪ 2006 ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ እታ ቤተክርስትያን ንነዊሕ ዓመታት ብዘይ ፓትሪያርክ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንዕኦም ተኪኦም 4ይ ፓትሪያርክ ኰይኖም ዝተመርጹ፡ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015 ካብ ዝሞቱ ንደሓር እውን፡ እታ ቤተክርስትያን ክሳብ 2021 ብዘይ ፓትርያርክ ጸኒሓ እያ።
ኦርቶዶክስያዊት ተዋሕዶ ቤትክርስትያን ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ቤተክርስትያን ኢዱ የእቱ ብምባል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ክልተ ተገሚዓ ትርከብ።
ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝተወሃበን ሃይማኖታት፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ምስልምና፡ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤትክርስትያን እየን።
ብመንግስቲ "ኣፍልጦ ዘይተዋህቦም" እምነታት ዘምልኹ ኤርትራውያን ግን፡ ኣባላት ጸጥታ ካብ ገዝኦም ብሃንደበት ብምውሳድ ንነዊሕ እዋን ከምዝኣስርዎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን "መሰል ናይ እምነት የኽብር እየ፡ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታት ኢዱ ኣየእቱን እዩ" ክብል ነቲ ክስታት ይነጽጎ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ሕልና እሱራት ከም ዘለዉ ጸብጻባት ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይሕብሩ።
ፓትርያሪክ ብኸመይ'ዩ ዝምረጽ?
ነባሪ ስዊድን ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ኣብ ናይ ቤተ ክረስትያን መመሓደሪ ሕጊ ቃል ኣዋዲ ዝብሃል ወይ'ውን ቅዋም ናይ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓንቀጽ 84 ንፓትርያሪክ መን ይመርጾን ብመን ይምረጽን ኣብ ዝብል ብዝርዝር ሰፊሩ ከምዘሎ ይሕብሩ።
"ኣብቲ ዓንቀጽ ሰፊሩ ከምዘሎ መጀመርታ ኣምራጺ ኮሜተ ይቐውም፡ ብመሰረት እቲ ሕጊ ከኣ እቲ ኣምራጺ ኮሜተ 17 ኣባለት'ዮም ዝህልውዎ" ይብሉ።
እቶም ኣምረጽቲ ኮሜተ ካብ ኩለን ዞባታትን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን ኤርትራን ዝውክሉ ከምዝኾኑ ቀሺ ዮናስ ይሕብሩ።
"እዞም 17 ኣምረጽቲ ኮሜተ ከኣ ሰለስተ ንፓትርያሪክ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ዝተብሃሉ ሰለስት ሕጹያት ይቐርቡ" ድሕሪ ምባል "ካብ ኩለን ዞባታት ዝተወከሉን ካብ ወጸኢ ሃገራት ዝመጽኡን ብመሰረት እቲ ቃል ኣዋዲ 318 መረጽቲ ድምጺ ሂቦም ካብቶም ሰለስተ ሕጹያት ንሓደ ፓትርያሪክ ገይሮም ይመርጽዎም" ይብሉ።
ቀሺ ዮናስ፡ እዚ እቲ ኣብ ቃል ኣዋዲ ሰፊሩ ዘሎ ድኣ ይኹን'ምበር ኣብ ዝሓለፈ ተመክሮታተ ኣብ ግብሪ ክስርሓሉ ከምዘይጸንሐ ይሕብሩ።
"ከም ምሳለ ክኾነና እንተድኣ ኮይኑ ናይ ዝሓለፈ ምርጫ ሓሙሻይ ፓትርያሪክ ኣብ ክንዲ 17 ኣምረጽቲ ኮሜተ ዝርቁሑ ሸውዓት ጥራይ'ዮም ነይሮም፡ ቅዱስ ሲነዶስ ብ7 ግንቦት 2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከኣ ብዝሒ ቁጽሪ መረጽቲ 81 ምዃኖምን ንሳቶም ከኣ ካብ ውሽጥን ወጻእን ሃገረ ስብከታት፤ ካብ ጉባኤ ልቃውንት፡ ካብ ገዳማውያን ኣበው ከምኡ'ውን ኣባላት ቅዲስ ሲነዶስ ዝተዋጽኡ ምዃኖም ሓቢሩ" ይብሉ።
ቀሺ ዮናስ እቶም መረጽቲ ኣብ ቃል ኣዋዲ 318 ክኾኑ ዝነበሮም ንምንታይ 81 ጥራይ ክኾኑ ከምዝተደለየ ከምዘይተገለጸ'ዮም ዝሕብሩ።
"ስለዚ እቲ መስርሕ ካልእ'ዩ እቲ ኣብ ቃል ኣዋዲ ዓንቀጽ 84 ተጠቂሱ ዘሎ ሕጊ ኣገባብ ኣመራርጻ ፓትሪያሪክ ከኣ ካልእ'ዩ" ይብሉ።