ዝኽሪ መበል ሳላሳን ሰለስተን ዓመት ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ

ኤርትራ ሃገርና ልዑላውትን ናጻን ሃገር ካብ እትኸውን፡ እንሆ ሳላሳን ኣርባዕተን ሕስመ ዓመታት ኣቊጽራ ኣላ። ብክቡር ኩሉ ዓይነት መሪር መስዋእቲ፣ ሕሱም ስቃይ ስደት፣ ዛራ ንብዓት ጠዋሪ ዝሰኣኑ ወለድን ኣባዲ ዝተሓረሙ ዝኽታማት ህጻናትን ዝተገዝመት ኤርትራ፡ ህዝባ ብድሕሪ ናጽነት ዝዓጸዶ ኩሉ ዓይነት ሓሳረ መከራ ጸብጽብካ ነይውዳእ።