ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጐሰዮም ቀንዲ ሕቶታት ህዝቢ

ዓበይቲ ፖሊሲታት ዘጽድቕን ተሓታትነት ናይቲ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካል ዝከታተልን ሃገራዊ ባይቶ ምፍራሱ ኣብታ ሃገር ዓቢ ፖለቲካዊ ሃጓፍ ፈጢሩ ይርከብ። ተሓታትነት ንምርግጋጽ ይኹን ንመሰላት ህዝቢ ንምጥባቕ ዝሰርሕ ናጻ ፕረስን ሲቪካዊ ማሕበራት'ውን ፈጺሙ የለን።

ካብኡ ሓሊፉ'ውን እቲ ነቲ ፕ

ረዚደንት ዝቐረበ ዝብሃል ካቢነ ሚኒስተራት ከም ትካል ካብ ዝፈርስ ዓመታት ኣሕሊፉ'ዩ።

ኣብዚ እታ ሃገር ጻንታ ኣገደስቲ ትካላት ደሞክራሲ ኮይናትሉ ዘላ እዋን እምብኣር፡ ካብ ኣፍ እቲ ፕረዚደንት ንህጹጽን መሰረታዊ ጠለባቱን ዝኸውን ጭቡጥ ፍታሕን ተስፋን ክዕንገል ዝጽበ ህዝቢ ብዙሕ'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ሕጂ'ውን ሕቶታት ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝተፈላለየ ጸገማት ዝሳቐ ዘሎ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ለውጥታት ክርኢ ዝብህግ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ መልሲ ዝረኸበ ኣይመስልን።

ካብቶም ዝተዛረበሎም ቀንዲ ጉዳያት፡ ኣገዳስነት ቀዳምነት ማይ፡ መጓዓዝያ፡ ጸዓት፡ ከምኡ'ውን ንግድን ወፍርን ኮይኖም፡ ብሓፈሻዊ መንገዲ ወይ ትግባረኦም ብዘይተነጸረ ሃቐናታት ጥራይ'ዮም ተተንኪፎም።

ብዛይካኡ ግን፡ ካልኦት ሓያለ ሕቶታት ናይቲ ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ቅልውላው ዘሎ ህዝቢ ጠቕሊሎም ተጐስዮም ዝተሓልፉ ኣለዉ። ገለ ካብኦም፣

ክቱር ድኽነት፡ ስእነት መግቢን ሽቕለት ኣልቦነትን

ኣስመራ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ኮይና፡ ኩነታት መነባብሮ ህዝባ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት እናንቆልቆል'ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ቆልዑ ኤርትራ፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ጥራይ'ዮም እቲ ዝተሓተ ደረጃ ምልኣተ መግቢ ከምዝረኽቡ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ብሰንኪ ደርቂ፡ ብኩራት ቀንዲ ጠወርትን ኣለይትን፡ ከምኡ'ውን ናህሪ ዋጋታት ኣብ ገጠር ዝነበር ህዝቢ ብድኽነት ይሳቐ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ'ውን እንተኾነ ካብቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሕሰም መነባብሮ ናጻ ክወጽእ ኣይክኣለን።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዘሎ ዘይንቡር ትርኢት ንባዕሉ ንኩነታት ነበርቲ እታ ከተማ ብንጹር ዘርኢ ምዃኑ ናብታ ሃገር በጺሖም ናብ ወጻኢ ዝተመልሱ ዜጋታት ዝሕብርዎ ዘለዉ'ዩ።

ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ቆልዑ ሒዘን ዝልምና ኣዴታት ካብ ዓይኒ በጻሕቲን ነበርቲን እታ ከተማ ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስደትን ዝተረፈ ዝኸውን ናይ ስራሕ ዕድላት ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ሽቕለት ኣልቦነት እናገነነ ይኸይድ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ጐደናታት ደቂሶም ዝሓድሩ ቆልዑ'ውን ሓደ ካብቲ ኣሰካፊ ምስልታት ህይወት ኣስመራ'ዩ ኮይኑ ዘሎ።

ዝበልዕዎ መግቢ ንምምእራር ኣብ ፈቐዶ ውራያት ንቕልቀሉ ናብ ልመና ዝወደቑ ዜጋታት እታ ሃገር'ውን እናወሰኹ'ዮም ዝኸዱ ዘለዉ።

እታ ልዕሊ 1300 ኪሜ ዝንውሓቱ ገማግም ዘይተበርበረ ሃብቲ ዓሳ ዝሓቖፈ ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ኤርትራ ንናይ ባዕላ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ እንተኾነ ብዝግባእ ክትጥቀመሉ ዘይምኽኣላ ንብዙሓት ዜጋታትን ወጻእተኛታት ተዓዘብትን ዘደንጹ'ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ 2013 ከምኡ'ውን ኣብ 2023 ነቲ ኣብ ዘቤታዊ ተጠቃምነት ሃብቲ ዓሳ ዘጋጠመ ፍሽለት ካብ ምእማን ሓሊፉ ጭቡጥ ፖሊሲታት ይኹን ተበግሶታት ክወስድ ኣይተራእየን።

"ብሓጺር ኣዘራርባ ደማሚርና እንተርኢናዮ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት ካብቲ ኣሎ ዝበሃል ጸጋ ዓሰርተ ሚእታዊት እውን ክንምዝምዝ ኣይከኣልናን" ክብል ኣብ 2013 ተዛሪቡ ነይሩ

ኣብ 2011፡ "ሎሚ ጥምየት የለን፡ ዓሚ ጥምየት ኣይነበረን ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ'ውን ጥምየት የለን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ ትምየት የለን" ክብል ዝኣተዎ ተስፋ ብሰንኪ ፖሊሲ መንግስቲ፡ ደርቅን ካልእ ረቛሒታትን ክትግበር ኣይክኣለን።

እቲ እንኮ ንቁጠባ እታ ሃገር ዝሕኑኽ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝስደድ ገንዘብ'ዩ። እዚ'ውን ብሓደ ወገን ትሑት ሸርፊን ልዑል መጠን ክፍሊትን፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ካብ ደገ ደገፍ ዝረክብ ስለዘይኮነ ንሕሰም መነባብሮ እታ ሃገር ንበይኑ ክፈትሖ ከምዘይክኣለ ርዱእ'ዩ።

ኣብ 2021 ትካል ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብመዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለ (HDI) 0.492 ዘለዋ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ካብ 191 ሃገራትን ግዝኣታትን መበል 176 ሰሪዑዋ ነይሩ።

ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምስ ክብሪ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከምዘይዳረግ ዝእመን እቲ ፕረዚደንት፡ ንምምሕያሹ እንታይ ወጥን ከምዘለዎ ይጠቐሰን።

ኣብ ጎደና ዝሽቕጡ ዘለው ቆልዑት

እናተረመሰ ዝኸይድ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና

ቅልውላው ኣገልግሎት ጥዕና'ውን ኣብታ ሃገር ዋጋ የኽፍል ከምዘሎ'ዮም ጸብጻባት ዝገልጹ።

እቲ እናንቆልቆለ ክመጽእ ዝጸንሐ ኩነታት ጥዕና ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ብምብጽሑ፡ ሓካይም "ኣቑሑት የብልናን፡ መድሃኒት የብልናን፡ ቦታ የብልናን እናበሉ ገለ ህጹጽ መጥባሕቲ ከይተረፈ ንነዊሕ ግዜ ቆጸራ ከምትሕዝ ክገብሩ" ከምዝተገደዱ ገለ በጻሕቲ ይዛረቡ።

"ባዕሎም ናብ ሕክምና ከይዶም ሞይቶም ዝምለስሉ ኩነታት'የ ዘሎ" ክብል ሓደ ኣብዚ ቀረባ እዋን ቤተሰቡ ብሞት ዝተፈለዮ ዜጋ ነቲ ቅልውላው ይገልጾ።

ተስፋ ዝቖረጹ ገለ ዜጋታት ብደገፍ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣዝማድ ናብ ጎረባብቲ ከይዶም ክሕከሙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኲናት ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሐ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝግበር ዝነበረ ሓጺርን ስሉጥን በራራ ድሕሪ ምስራዙን ኤርትራውያን ኣርሒቖም ብምጋሽ ብልዑል ወጻኢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ከምዝጽዕሩ'ውን ይንገር። እዚ ግን እቶም መውጽኢ ቪዛ ዝፍቀደሎም ጥራይ ዝረኽብዎ ዕድል'ዩ።

ዕጫ ናይቶም ከምኡ ዝበለ ዕድል ዘይብሎም ግን ኣደዳ ስቓይን ሞትን ዝኾንሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ።

ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዘሎ ህዝቢ ክቱር ስእነት ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ገለ ኣባላት ስደራቤታት የመልክቱ። ስሉጥ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ይኹን ኣምቡላንሳት ከምዘየለን፡ ናብተን ኣብ ከተማታት ዝርከባ ዓበይቲ ሆስፒታላት ምስ በጽሑ'ውን እኹላት ሓካይም ወይ መድሃኒታት ከምዘየለ ይንገሮም።

ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንውልቃዊ ሕክምና ዝኸውን ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ዝግበር ጓስጓስ ዳርጋ ልሙድ እናኾነ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ኣብ ገለ ቦታታት'ውን ከቢድ ሕጽረት መደንዘዚ የጋጥም ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብታ ሃገር ቀንዲ ጠንቂ ሞት ዝኾኑ ሕማማት፡ ወቕዒ (ልዕሊ 87 ሚእታዊት)፡ ታሕተዋይ ስርዓተ-ምስትንፋስ (86 ሚእታዊት)፡ ሕማም ልቢን ውጽኣትን ዝርከብዎም ምዃኖም ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም 2021 ይጠቅስ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ልዕሊ 30 ሚእታዊት እታ ሃገር ጥራይ መጓዓዝያ ከምዝረክብ ተኣሚኑ ነይሩ።

ኣብ 2013 ኤርትራ ኣብ መጠን ሞት ኣዴታትን ህጻናትን ዝርከብዎም ዕላማታት ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ተዓዊታ ምንባራ ይዝከር።

እቶም ዕላማታት መጠነ-ሰፊሕ ልምዓትን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ዝዓለሙ ምዃኖም'ዩ መንስቲ ኤርትራ ዝገልጽ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝብሎ ኣብ 2021 ዘውጽኦ ዝደሓረ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ኤርትራ 4.15 ሚእታዊት ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍራያታ (GDP) ጥራይ'ያ ንኣገልግሎት ጥዕና ተውዕሎ።

ሰንፈላል ዝተረፈ ጉዳይ ህንጸት ኣባይትን መሬትን

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ይኹና ዝማዕበላ ሃገራት ሓደ ካብቶም ሰፋሕቲ ናይ ሽቕለት ዕድላት ዝፈጥሩን ቁጠባ ሃገር ዘንቀሳቕሱን ዓውዲታት ህንጻ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ግን ህንጻ ካብ ዝግደብን፡ መሰረታውያን ቀረባት ብመቚነን ምዕዳል ካብ ዝጅመርን ዳርጋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ ብዙሓት ዜጋታት ኣባይቲ ከይሰርሑ ተዓንቂጾም፡ ዝኽፈተሉ መዓልቲ ክርእዩ ኣብ ዘየቋርጽ ትጽቢት ይርከቡ። ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ገዛ ወይ ንመስርሒ ቤት ዝኸውን መሬት ንምርካብ ዓሰርተታት ወይ ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ከፊሎም ክሳብ ሎሚ ዝጽበዩ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ብኡ መጠን ክፍጠር ዝኽእል ዝነበሮ ናይ ስራሕ ዕድላት ተዓጽዩ፡ መነባብሮ ብዙሓት ተሃስዩ ይርከብ።

ዝርከቡ ክካየድ ዝጸንሐ ፕሮጀክትታት ህንጻ ብሰራዊት፡ ህግደፍን መንግስትን ዝተባሕተ'ዩ።

በዘን ኣብቲ ሃገር ዝንቀሳቐሳ ናይ መንግስትን ህግደፍን ኩባንያታት ህንጻ ክስራሕ ዝተወጠነ ፕሮጀክትታት ኣባይቲ ገሊኡ ተቛሪጹ ገለ ድማ ንዓመታት ተጓቲቱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቃለመሕትቱ "ናይ ባይቲ መደባትና ስለዘይትዓወተ፡ ሪስትራክቸር [ነመዓራርዮ] ንገብሮ ኣለና፡ ትካላትና ብምልኡ። ነዘን ሕጂ ተጓቲተን ደንጉየን ዘለዋ መደባትና ኸኣ ሓይልታት ምክልኻል ምሉእ ብምሉእ ኣትዩ ክሰርሓለን'ዩ" ክብል ካልእ ዝርዝርን ናይ ግዜ ሰሌዳን ዘይብሉ መልሲ ሂብሉ'ሎ።

ጠንቂ ፍሸለት ካብ እዋን ናጽነት ጀሚሮም ዝተተለሙ ፕሮጀክትታት እንታይ ምዃኖም'ውን እቲ መራሒ ኣይጠቐሰን። ስለዚ፡ ጭቡጥ ተስፋ ክረኽቡ ዝተመነዩ ትጽቢቶም ዝማህመነ ኤርትራ'ውን ክሳብ ዝቕጽል ቃለመሕትት ካብ ምጽባይ ካልእ ኣማራጻ ዝህልዎም ኣይመስልን።

ኣብ 2013 ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "ሃገራዊ ናይ ኣባይቲ ናይ ልምዓት መደብ" ከምዝነበረን፡ ኩለን ትካላት ህንጻ መንግስቲ ኣብ ምዕራባዊ፡ ማእከልን ምብራቓውን "ናይ ልምዓት ዞባታት" ተጠርኒፈን ነቲ "ስትራተጂያዊ" ዝበሎ ምህናጽ ኣባይቲ ክጅምራ ምዃነንን ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተፈተነ "ፓይለት ፕሮጀክት" እውን ከይተዓወተ ተሪፉ።

እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ "ልምዓታዊ መደባት ሃገር" ክሳተፉ ዝጸንሑ መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ሰራዊት ዝኾኑ ወተሃደራት ብደሞዝ ድዩ ኣብ ምህናጽ ኣባይቲ ክሳተፉ ወይ ናጻ ጉልበትን ክእለትን ከበርክቱ ኣይተገልጸን።

መሊኡ ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ኣዋጅ መሬት'ውን (ምስ ጸገማቱ) ነቲ ኩነታት ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩሉ ይርከብ። ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ጤሳ መሬት ምዕዳል ከይተረፈ ደው ኢሉ ከምዘሎ'ዩ ዝንገር።

በጻሕቲ ከምዝብልዎ፡ ዝተፈሓሓረ ጽርግያታት ኣስመራን ይኹን ካልኦት ከተማታት፡ ከምኡ'ውን ነዋሕቲ መስመራት ጽርግያ መርኣያ እናዓነወ ዝኸይድ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ እታ ሃገር'ውን ብዙሕ ሰብ ዘማርረሉ'ዩ።

ዝቦኾረ ጉዳይ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ናጽነታትን መሰላትን

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

እቲ ካልእ እቲ ፕረዚደንት ፈጺሙ ከይተንከፎ ዝሓለፈ ጉዳይ ፖለቲካዊ ጽገናን ምህናጽ ደሞክራስያውያን ትካላትን'ዩ።

እዚ ካብ 1991 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ብዘይ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫ ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ፕረዚደንት ብዘይ ተሓታትነት'ዩ ነታ ዝመርሓ ዘሎ።

ካብ ፈለማ 2002 ጀሚሩ ነቲ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ዝቖመ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ብዘይ ውግዓዊ ኣገባብ ኣፍሪስዎ።

እቲ ባይቶ ርእሱ ክኢሉ ብምንቅስቓስ ነቲ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካል ክቆጻጸርን ተሓታትነት ከረጋግጽን'ኳ እንተነበሮ፡ እቲ ባዕሉ ኣቦመንበሩ ብምንባሩ ካብ ፈለማኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዝኣቱ ገይሩዎ'ዩ፡ ኣባላት ባይቶ'ውን ዝባረኹሉ ነይሩ።

ካቢነ ሚኒስተራት'ውን ዕጫ ሃገራዊ ባይቶ በጺሕዎ፡ ከም ትካል ካብ ዝጠፍእ ዓመታት ኣቚጺሩ'ሎ።

ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም "ከይትኣወጀ ሞይቱ" ኣብ 2014 ክንደፍ'ዩ ዝተባህለ ካልእ ቅዋም'ውን ቃላት ኮይኑ ሓፊፉ ተሪፉ።

"ካብቲ ዝገርም ንዝሓለፈ 33 ዓመታት ከም ግዝያዊ [መሰጋገሪ] መንግስቲ ኮይኑ'ዩ ዝመርሕ ዘሎ" ብምባል ምስ ስርዓት ደርግ ብምንጽጻር'ዩ ተንታኒ ፖለቲካ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብደራሕማን ሰይድ (ቦሓሽም) ዝገልጾ።

ተሓታትነት ኣብ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ኩነታት በይኑ ከምውልቀመላኺ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት፡ ዓመት መጸ ብዘይጭበጥን ብዘይትግበርን መብጽዓታት ንህዝቢ ክጥብር ዕድል ከምዝረኸበ'ዩ ቦሓሽም ዘረድእ።

ካልእ'ውን፡ እቲ ርትዓዊ ፍትሒ ከረጋግጽ ዝነበሮ ፍርዳዊ ኣካል ለሚሱ፡ ኣሽሓት ሰባት ናብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ዝእሰሩላን ዝስወሩላን ሃገር ኮይና ትርከብ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስተኣስሩ ጉዳዮም ከይተራእየ ኣብ ቀይዲ ይበልዩ ከምዘለዉ ይንገር። ሓደ ካብዚኦም ድማ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ዓዲ-ኣቤቶ'ዩ።

ከም ሳዕቤኑ፡ እሱራት ንምፍታሕ ብላዕ ተቐቢሎም ዝሃብተሙን ቤተሰብ ዘከላብቱን ሓላፍቲ "ድላዮም ዝገብሩላ ሃገር ኮይና" ከምዘላ'ዮም ገለ ኣባላት ስድርኦም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ዝዛረቡ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተሓለቕቲ መሰላት፡ ሰብመዚ ጸጥታ ቅትለትን ስቅያትን ዝርከብዎም ገበናት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ከምዝፈጸሙ ይኸሱ።

ዓብዱራሕማን፡ "ብዛዕባ ኣህጉራዊ ፍትሒ ብዙሕ'ዩ ዝዛረብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ግን ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ሕግን ፍትሕን ክትዛረብ እንተዄንካ ዘቤታዊ ናይ ፍትሒ ኩነታትካ ጥዕና ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ" ብምባል መግለጺን ፖሊሲን እቲ ፕረዚደንት ንሓድሕዱ ከምዘይቃዶ ይምጉት።

"እቲ ቀንዲ ንሱ ኣጸቢቑ ዝፈልጦን ህዝቢ ኤርትራ'ውን ዝደልዮን ዝጽበዮን ሓደ፡ ሕቶ ናይ ፍትሒ'ዩ።

"ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ኣለዉ ዝተኣስሩ ብዘይሕጊ፡ ብዘይፍርዲን ብዘይፍትሒን። እዚኣቶም ፍትሒ ክረኽቡ ኣለዎም፡ ቤተሰብ ኣለዎም፡ ወለዲ ኣለዎም፡ ደቆም ኣለዎም፡ ሕጂ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ናይዞም ኣሽሓት ዝኾኑ፡ ካብ ሓለፍቲ ሰራዊትን ሚኒስተራትን ክሳብ ተራ ውልቀሰባትን ኣብ እሱርቤት ተደርብዮም፡ ሰብ ቦታኦም ዘይፈልጠሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ"

"ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ግህሰት፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ዘመዶምን ጎረቤቶምን ብጾቶምን ዝወርድ'ዩ። ስለዚ እዚ ሓደ ፍታሕ ክግበረሉ'ዩ ዝደሊ እቲ ህዝቢ"።

ዘይውዳእ ስደት

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ኣብ ኣንግልያ ራስኪን ዩኒቨርሲቲ (ብሪጣንያ) ክኢላ ትምህርትን ማሕበራዊ ፍትሕን ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ ብወገኑ፡ "ምህናጽ ሓያላት ትካላትን (institutions)፡ ምትካእ ናይቶም ምስ ዕድመን ነዊሕ ኣገልግሎትን ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሓለፍቲ መንግስቲ ብንኣሽቱ ወለዶ'ውን" መብርሂ ክህበሉ ትጽቢት ነይሩዎ።

ፖለቲካዊ ምርግጋእን ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓትን ምስ ቁጠባዊ ምዕባለን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ቀጥታዊ ርክብ ከምዘለዎ'ውን ካልእ ተንታኒ ፖለቲካል-ኢኮኖሚ ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ይምጉት።

"ፖለቲካዊ ለውጥን ቁጠባዊ ለውጥን ዝተኣሰሰረ" ምዃኑ ዝገልጽ ዶ/ር መብራህቱ "ናይ ኤርትራ ኸኣ ቁጠባዊ ጸገም ኣይኮነን፡ ህዝቢ ኤርትራ ጽዒቱ ዝነብር፡ ናይ ብሓቂ ተባላሓቲ ህዝቢ'ዩ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንርእዮ ኣለና። ስለዚ እቲ [ፖለቲካዊ] ባይታ ስለዘየሎ'ዩ ቁጠባና ክትስእ ዘይክኣለ" ይብል።

ብዙሓት ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ከም ብዓል ደቡብ ሱዳን ዩጋንዳን ዝበላ ሃገራት ገዚፍ ቁጠባዊ ወፍሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ዘይውዳእ ኣገልግሎትን ምንጋር ስውኣትን

ሃገራዊ ኣገልግሎት

ምንጪ ስእሊ,MOI/twitter

ካልእ ንመንእሰያት ኤርትራ ጠንቂ ስደትን ድኽነትን ኮይኑ ዘሎ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ።

ኣብ 1994 ዝጀመረ ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ካብቲ ዝተመደበሉ 18 ኣዋርሕ ናብ ገደብ-ኣልቦ ካብ ዝሰጋገር ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ሓሊፍዎ'ሎ።

እቲ ካብ 1998 ጀሚሩ ብሰንኪ ኲናትን ኩነተ-ኲናትን ከምዝተናውሐ ብሰብመዚ ዝግለጽ ዝነበረ ኣገልግሎት ኣብ ግዜ ሰላም'ውን እንተኾነ ክቕየር ኣይተራእየን።

ብሰንኩ ድማ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝረኸበ ይርከበና ብምባል ሓደገኛ ዶባት፡ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ብምስጋር ናብ ስደት ክውሕዙ ጸኒሖም።

ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ዝተወልዐን ንክልተ ዓመት ዝተኻየደን ኲናት ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንጻር ህወሓት እናተዋግኡ ህይወቶም ዝሰኣኑ መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብወግዒ ንስድራቤታቶም ኣይተነግሮምን።

ደቀን፡ ወላዲአን፡ ሰብኡተን ዝሰኣና ስድራቤታት፡ ቆልዑን ኣዴታትን ድማ ወትሩ ሓዲኡ ክንገረን ብቓንዛ ተሰንየን መርድእ ይጽበያ ከምዘለዋ ይንገር። ምስ መጠን ዋሕዚ ስደት፡ ከምሰቦም ወጺኦም ክኾኑ ዝህሉ ተስፋ'ውን ንኩነታተን ዝሓላልኽ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ እዚ ንቀንዲ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ ኤርትራ ብዘይ ኣድማዒ ፍረ ዘባኽን ዘሎ ፖሊሲ፡ ጠንቂ ድኽነት ስድራቤታትን፡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ኣዴታት ዓቢ ጸቕጢ ዝፈጥርን ኮይኑ'ሎ።

"ፕረዚደንት ኢሰያስ ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ጠቒሱ፡ ግን ከምዝፍለጥ ሓያለ ካብ ዓቕሚ ሰብ ኤርትራ ኣብ ስደትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከምዘሎ መጠን፡ ኪኖቲ ዝጠቐሶ ውሱን ሱታፈ'ዞም ክልተ ሓይልታት፡ ዝያዳ መብርሂ ክህብ ተጸብየዮ ኔረ" ይብል ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ።

'ከም ተንታኒ ፖለቲካ ዝቐርብ መራሒ'

ፕረዚደንት ኢሰይያስ

ምንጪ ስእሊ,Eri-TV

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንፍሽለት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መንግስቲ ብወግዒ ክእመን ጸኒሑ'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ነቲ ውድቀት ሓላፍነት ኣብ ክንዲ ምስካም ናብ ካልኦት ብምስግጋር ከምሰቡ ከማርር'ዩ ዝስማዕ።

ካብኡ ሓሊፉ'ውን ንብዙሓት ኣገደስቲ ጉዳያት ምሉእ ብምሉእ ብምጉሳይን ንውሱናት ብምትንካፍን ዝበዝሐ ግዚኡ ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓበይቲ ዓለማዊ ጉዳያትን ንምትንታን'ዩ ዘጥፍኦ ተባሂሉ'ዩ ዝንቀፍ።

ዶ/ር መብራህቱ እዚ ናይ ሕጂ ቃለመሕትት'ውን "እቲ 80 ሚእታዊት ኣብ ናይ ደገ ዘተኰረ፡ ከም ኵሉ እዋን፡ ንውሽጣውን ከባብያውን ጸገም፡ ንናይ ደገ ሓይልታት ተሓተትቲ ዝገብር" ከምዝኾነ'ዩ ረኺብዎ።

"ከም ኵሉ እዋን፡ እቲ ንውሽጣዊ ጕዳያት ዝምልከት፡ [ናይ ኣስቤዛ ዝርዝር] (shopping list) ዝመስል ብግዜን ብገንዘብን መለክዒ ዘይተገብረሉ እዩ"።

ቦሓሽም ብወገኑ፡ "ሓሓንሳብ ተንታኒ ፖለቲካ ኮይኑ'ዩ ዝቐርብ ኣብ ክንዲ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝቐርብ" ይብል።

"ኣብ ምንትንታን ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት ንፉዕ'ዩ ዝመስል፡ ግን ከም ሓደ ፕረዚደንት ዝጽበዮ ጉዳያት ከኣ ኣሎ"።

ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ ብወገኑ "ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኩሉ ግዜ ዝእመኖ ዘይምዕዋት መደባት መንግስቲ፡ ዝሓሸ ህዳሰን ውጥናት መደባትን ከምዘሎ ገሊጹ። እዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ቁሩብ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ ረኺበዮ" ይብል።

ዶ/ር ሳምሶም "ኣብተን ዘይጠቐሰን ጉዳያት፡ ንኣብነት፡ ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ምጥያስ ሰራዊት፡ ለውጢ ከምዘይህሉን ከምዝጸንሖ ከምዝቕጽልን እዩ ዘመልክት" ይብል።