ኤርትራ፣ ብሰንኪ ስግኣት ኣብ ከሰላ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም ኮሌራ ዶባታ ዓጽያ

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ ኣስፋሕፊሑ ብዘሎ ሕማም ኮሌራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ድማ በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ፣ ምስ ኤርትራ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ዞባ ከሰላ፣ ከባቢታት ወደል ሕሌውን ሓልፋን ዝተላብዐ ሕማም ኮሌራ፣ ዛጊት 119 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ልዕሊ 3200 ሰባት ድማ ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረሎም ምህላዉ ‘ዩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ሱዳን ዘመልክት።

እቲ ሕማም ናብ ኤርትራ ከየስፋሕፍሕ ዝሰግአ መንግስቲ፣ ምስ ምብራቕ ሱዳን ንዘዳውቦ ከባቢታት ከምዝዓጸ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣረጋጊጹ።

ሱዳን፣ ምስ ዘሎ ሓያል ክራማትን ዝናብ ዝፈጠሮ ዕልቅልቓትን፣ ኣብ ዘይርግኡ ናብራ ዝጸንሑ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገርን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝበዝሕዎም ስደተኛታትትን፣ ብዝያዳ ግዳያት ሕማም ኮሌራ ይኾኑ ምህላዎም ‘ዩ ካብቲ ዞባ ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ ዝእምት።

ኤርትራ ኣብ እትርከቦ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ክራማት እዚ ብዝወረደ ሓያል ዝናብን ዝፈጠሮ ዕልቅልቓትን፣ ምስፍሕፋሕ ሕማም ኮሌራ ይርአ ክግለጽ ጸኒሑ‘ዩ።

እንተኾነ፣ እዚ ሕማም ከምዝተራእየን ዘረጋገጻ ሃገራት ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ጥራይ‘የን።

ኮሌራ፣ ብሰንኪ ጽሬቱ ዘይሓለወ ኣከባቢ፣ ዘይውሑስ ኣጠቓቕማ ዓይኒ ምድሪ ከምኡ‘ውን ኣመጋግባ፣ ብባክተርያ ዝስዕብ ሕማም ኮይኑ፣ ውጽኣትን ተምላስን ብምስዓብ ንግዳያት ናብ ሞት ዘብጽሕ፣ ብቀሊሉ ብምትንኻፍ ዝላባዕ ሕማም‘ዩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት