ስዊዘርላንድ፣ 260ኤርትራውያን ንምስጓግ ትደፍኣሉ

ስዊዘርላንድ፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ዝነትጽጉ 260 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምስጓግ ትደፍኣሉ ከምዘላ መርበብ ዜና ኢንፎ ማይግራንት ሓቢሩ። ፖለቲከኛታት ስዊዘርላንድ፣ ንምስጓግ እቶም ኤርትራውያን ብዝምልከት ተደጋጋሚ ዘተ ከካይዱ ጸኒሖም‘ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ካብ ስዊዘርላንድ ዝምለሱ ዜጋትቱ ክቕበል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ እዚ ደገፍ ባይቶ‘ውን ረኺቡ ዘሎ ምስጓግ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ግብራዊ ክኸውን ኣይከኣለን።

ነቶም ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንምስግጋሮም ዝብል እማመ‘ውን ብፖለቲከኛታት ሲውዘርልናድ ይቐርብ‘ዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ልዕሊ 40 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይነብሩ እኳ እንተለዉ፣ እቲ ዝያዳ ኣካራኻሪ ኮይኑ ዘሎ ግና ጉዳይ እቶም ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጉ ትሕቲ 300 ኤርትራውያን‘ዩ።

ኣብዚ እዋን‘ዚ ድማ እቲ ጉዳይ ዳግም ተነሃሂሩ ብኣባላት ባይቶ ስዊዘርላንድ ይዝተየሉ ኣሎ።

ስዊዘርላንድ፣ ናብ ኤርትራ ብስሩዕ እናተመላለሰ ብዛዕባ‘ዚ ጉዳይ ዝዝቲ ፍሉይ ወኪል መዚዛ ከምዘላ ሓላፊት ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ክርስስትያን ቡርግነር ምሕባራ ይዝከር።

ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ብዘለዎ የመናዊ ሰልፊ ዝወከሉ ፖለቲከኛታት፣ እቲ መስርሕ ናብ ግብሪ ክሰጋገርን ኣብ መፈጸምትኡ ክበጽሕን የኽእል‘ዩ ዝበልዎ ሓድሽ እማመታት ብምቕራብ ድማ‘ ዮም ንምስጓግ ኤርትራውያን ክቐላጠፍ ዝደፍእሉ ዘለዉ።