ሩስያ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 18 ሃገራት፣ ተኽእሎ ወፍሪ ምግፋፍ ዓሳ ንምድህሳስ ዑደት መራኽብ ከተካይድ’ያ

ሩስያ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 18 ሃገራት፣ ተኽእሎ ወፍሪ ምግፋፍ ዓሳ ንምድህሃስ ዘኽእል ዑደት ጭፍራ መራኽብ ከተካይድ ምዃና ኣፍሊጣ። እተን ዳህሰስቲ ዕምቆት ባሕሪ፣ ክኢላታት ጥልቀትን ተመራመርቲን ዝሓቖፈ ጭፍራ መራክብ ሩስያ፣ ካብ ካሊኒንግራድ ኣብ ዝተበገሳሉ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዲሚትሪ ፓትሩሸቭን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ናይ መሰናይታ ስነ ስርዓት ጌረሙለን።

እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ እቲ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ጉዕዞ መራኽብ ሩስያ፣ ሩስያ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣፍሪቃ ንዘሎ ዕቑር ሃብቲ ዓሳታት ንምድህሳስ ከኽእላ‘ዩ ኢሉ።

እቲ ክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ጉዕዞ ባሕሪ ሩስያ፣ ሰኔጋል፣ ሞሪታንያ፣ ሞሮኮን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ብሞሪሽየስ፣ ዖማንን ኤርትራን ክዛዘም‘ዩ መደብ ተታሒዝሉ።

ሩስያ፣ ምስታ ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ምዃና እተነጽር ኤርትራ፣ ኣብ ብዙሕ ጽላታት ስምምዓት ከምዝኸተማ ይዝከር።