መገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ናይ ኤርትራ በረራኡ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ

ከም ዝዝከር በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ ብ 24 ሓምለ ‘ናብ ኵሎም ገያሾ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ ምልክታ መገዲ ኣየር ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዱ በረራታት ከቋርጽ ከምዝወሰነ ገሊጹ ነይሩ።

ሲቪል ኣቪየሽን ኤርትራ ኣብቲ ብመገዲ መንግስታዊ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብቶም በቲ መገዲ ኣየር ኣቢሎም ካብን ናብን ኤርትራ ዝገሹ ተገልገልቲ ክወርድ ዝጸንሐ ኢሉ ዝዘርዘሮ ዝተፈላለየ በደላት ከም ምኽንያት እቲ ውሳነ ብዝርዝር ኣመልኪቱ እዩ።

“እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገያሾ፡ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናው፤ ምጥፋእ፡ ክቱር ምድንጓያት ባልጃታት ገያሾን ካልእን” ክፍጸም ምጽንሑ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጕድለታቱ ኪእርምን ንግዳያት ካሕሳ ኪኸፍልን፡ ብወገን በዓል መዚ ሲቭል ኣቭየሽን ዝቐረበሉ ሕቶ ዕሽሽ ከም ዝበለ ጠቒሱ።

እንተዀነ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ በረራ ከቋርጽ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝተቐበለ እንተዀነ ምኽንያት ናይቲ ውሳነ መብርሂ ከምዘይተዋህቦ ገሊጹ ነይሩ።

ስለዝዀነ ድማ፡ ካብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኤርትራ መብርሂ ከም ዝሓተተ ብምግላጽ፡ ዝዀነ ዓይነት ጸገም ብምሕዝነትን ብቕልጡፍን ንምፍታሕ ድሉዋት ኢና ኢሉ ነይሩ።

ኣብቲ ሕጂ ዘውጽኦ መግለጺ ግን ክጽወር ዘይክእል ዝበሎ ዕንቅፋት ኣሰራርሓ ከምዝገጠሞ ብምግላጽ ቅድሚ’ቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ተባሂሉ ዝነበረ ሰሌዳ ግዜ ኣቐዲሙ በረራኡ ካብን ናብን ኣስመራ ከቋርጽ ወሲኑ።

በዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቶ ኣቐዲሞም ትኬት ዝቘረጹ ዓማዊሉ ክወርድ ዝኽእል ምክልባትን ዕንቅፋታት ጕዕዞን ብዝከኣል መጠን ንምውጋድ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ መገዲ ኣየራት ምምዕርራይ ከምዝገብር፤ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ ድማ ገንዘቦም ክመልስ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1998 ብሰንኪ ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ከም ዘቋረጸ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣብ 2018 ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን፡ ድሕሪ 20 ዓመት ብ 18 ሓምለ [2018] ስሩዕ በረራኡ ዳግም ጀሚሩ።

ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ከኣ እቲ መገዲ ኣየር ብስሩዕ ካብን ናብን ኣስመራ በረራታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ፤ እንትርፎ እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ከቋርጾ ዝጸንሐ በረረታት፡ መዓልታዊ በረራታት ካብን ናብን ኣስመራ የካይድ።