ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ

እቲ ብዛዕባ ሞቱ ካብ ቤተሰብ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ እቲ ቤተሰብ ካብ ኣካላት መንግስቲ ብወግዒ እቲ መርድእ ተሓቢሩ'ሎ።

"ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ንምቕባሩ መደብ ከምዘሎ" ከምዝተነግሮም ሓደ ንቢቢሲ ዝተዛረበ ኣባል ቤተሰብ ጠቒሱ።

እንተዀነ ብዛዕባ ሞቱ ይዅን ቀብሩ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ ዛጊት የለን።

ሚኒስተር ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኰይኑ፡ ንፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ ብቕሉዕ ዝነቕፋ፡ “ሃገረይ ኤርትራ” ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ምሕታሙ’ዩ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተወሲዱ። እንተዀነ ብዘይ ዝዀነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማእሰርቲ'ዩ ጸኒሑ።

ንሱ፡ ኣብቲ መጽሓፉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክህሉን ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ክካየድን ጸዊዑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ናብ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ኣስመራ ዝለኣኾ ምዃኑ ዝግለጽ ናይ ድምጺ መልእኽቲ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቶም ዝርካቦም ብሂወት ተሪፎም ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ክእከቦምን፡ ስልጣኑ ብሰላማዊ መንገዲ ክገድፍን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቦም ንሕሉፍን ህሉውን ኵነታት ኤርትራ ብግልጺ ክካትዑን ጸዊዑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ 2001 ብጕጅለ 15 ዝጽውዑ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ንፕረዚደንት ኤርትራ ተመሳሳሊ ሓቶ ኣቕሪቦም ምንባሮም ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ክሳብ ሕጂ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ ኣብ ዒራዒሮ ዝበሃል ቦታ ከም ዝተኣስሩን፡ ዝበዝሑ ካብኣቶም ብሂወት ከምዘየለዉን ይንገር።

ኤርትራ፡ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም እኳ እንተለዋ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ’ውን ድሕሪ 2002 ክሳብ ሕጂ ኣይተኣከበን።

እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን’ውን እንተዀነ፡ ኣብ 1994 ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ድሕሪ ምክያዱ ክሳብ ሕጂ ን30 ዓመታት መመላእታ ጉባኤኡ ኣየካየደን።

ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ'ውን እንተኸነ ካብ 2018 ንደሓር ኣይተኣከበን።

ሚኒስተር ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይኑ፡ ንፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ ብቕሉዕ ዝነቕፋ፡ “ሃገራይ ኤርትራ” ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ምሕታሙ’ዩ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተወሲዱ።

ብርሃነ ኣብርሀ መን'ዩ?

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ኣብ 1945 ተወሊዱ፡ ኣብ ኤርትራ ዓብዩ፡ ድሒሩ ንትምህርቲ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ፡ ኣብ ኣበባ ዪኒቨርሲቲ ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ።

ኣብ 1972 ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢሊኖይ ዪኒቨርሲቲ ብቍጠባዊ ምህንድስና ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቑ። ኣብ 1975 ድማ ንናጽነት ኤርትራ ንምቅላስ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ።

ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ጽፍሕታት ሰሪሑ።

ድሕሪ ናጽነት ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዳይረክተር ማክሮፖሊሲ ኤርትራ ኰይኑ ከምዘገልገለን፤ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ብምዃን ከምዝተመረጸን ይፍለጥ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ካብ 2001 ክሳብ 2012 ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኰይኑ ድሕሪ ምርቁሑ፡ ኣብ ጸብጻብ ኣታዊታት ትካል ዕደና ቢሻ ግልጹነት ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ግልጹነትን ተሓታትነትን ንኽህሉ ሕቶ ስለዝዓለለ፡ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ ኮፍ ኢሉ (ደስኪሉ) ዝነበረ ላዕለዋይ ሓላፊ እዩ።

ብጾቱ እንታይ ይብሉ?

ሞት ሚኒስተር ብርሃነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ብዙሓት ኤርትራውያንን ብጾቱን መሳርሕቱ ነበርን ረኺቡ'ሎ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረን፡ ድሕሪ ናጽነት ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራን ኣምባሳደርን ዝነበረ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ ብሞት ኣቶ በርሃነ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።

"ስለ’ቲ ተባዕ ተቓውሞኡ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዚተኣስረ፣ ብዘይ ዚዀነ ክሲ ይዅን ፍርዲ ንሽዱሽተ ዓመታት ተሓቢሱ ኣብ ሕሱም ቀይዲ ኪማስን ዚጸንሐ፣ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ግዳያት ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዚዀኑ ብሉጻት ሓርበኛታትን ኣርካናትን ኤርትራ ኢዩ"።

"ኣብ ከብዲ ዓዲ፡ ኣብ ከርሲ’ቲ ስርዓት ኰይኑ፡ ከም ሚኒስተር ፋይናንስ እናኣገልገለ እንከሎ፡ ነቲ ብግቡእ ምስራሕ ዚኸልኦ፡ ግዕዙይ ኣከያይዳን ብልሹው ፋይናንሳዊ ኣሰራርሓን ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ብጭብጢ ዘቃልዐን ብትብዓት ዚበድሀን ጅግና ኤርትራዊ ሓርበኛ ኢዩ" ክብል ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ጽሒፉ።

"ንደቁን መላእ ስድራቤቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብ፡ ራሕሲ ይግደፍ፡መንግስተ ሰማይ የዋርሶ" ድማ ኢሉ።

ብዙሓት ኤርትራውያን'ውን ብሞት እቲ ላዕለዋይ ብስልጣን ነበር ኣቶ ብርሃነ ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።

መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ግን ብዛዕባ ሞቱ ዛጊት ዝኾነ ነገር ኣየቃልሓን።