ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን 'ቀጥታዊ ናይ ኣየር ርክብ' ንምጅማር ውጥን ከምዘሎ ተገሊጹ

ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ላዕለዋይ ሚኒስተር ንግድን ሃገራዊ ፍርያት ኢጣልያን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ካልኦት 10 ሚኒስተራትን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ቁጠባዊ ዝምድና ተመያይጡ።

ሓያለ ሓለፍቲ ኩባንያታት ኢጣልያ ኣብቲ ርክባት ከምዝተሳተፉ'ውን ሚኒስተር ኣዶልፎ ኡርሶ ጠቒሱ።

ድሕሪ'ቲ ርክባት ምስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት እተን ኩባንያታት "ቀጥታዊ ርክባት ኣየር" ዝርከቦም "ፕሮጀክትታት ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ንምትግባር ዘለዎም ውጥን" ከምዘቕረቡ ተዛሪቡ።

እንተኾነ ግን፡ ብዛዕባ'ቲ ናይ በረራ ውጥን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ሃገሩ ምስ ኤርትራ ኣብነታዊ "ስትራተጂካዊ ሽርክነት" ክትምስርት ድሌት ከምዘለዋ እቲ ሚኒስተር ይገልጽ።

"እዚ ዝምድና'ዚ፡ ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርግጋእ ዝድግፍን መርኣያ ምትሕግጋዝን ምርግጋእን ገይርና ኢና ንርእዮ"።

እንተኾነ ግን እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ ዲፕሎማስያዊን ቁጠባውን ምንቅስቓስ ብዙሕ መብጽዓታት ዝኣተወ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብዘይ ወግዓዊ ምፍርራም ናይቲ ስምምዕ ምምላሱ ንተፈጻምነት ናይቲ ዝርርብ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩዎ'ሎ።

ባጽዕ

ምንጪ ስእሊ,YEMANE G. MESKEL

  • እተን ኣብቲ ምብጻሕ ዝሳተፋ ዘለዋ ኩባንያት ንግዲ ኢጣልያ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ፡ ወደባትን መዓርፎ ነፍርቲን፡ ተሓዳሲ ጸዓት፡ ሕርሻ፡ ከምኡ'ውን ጥዕናን መፍረ-መድሃኒትን ዝህሉ ዕድላት ይድህስሳ ኣለዋ።

    ነቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ቱሪዚም ኤርትራ ንምብርባር'ውን ተገዳስነት ከምዘለወን እቲ ሚኒስተር ንግዲ ኣብሪሁ።

    እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ዑደት ከካይድ ዝቐነየ ጉጅለ ልኡኽ፡ ብረቡዕ'ውን ናብ ባጽዕ ብምኻድ ነቲ ወደብ ተዓዚቡ።

    "ሎሚ፡ ምስ ልኡኽ ዓበይቲ ኩባንያታት ኢጣልያ ብምዃን ናብ ባጽዕ ዘካየድናዮ ምብጻሕ ንዓቕመታት ናይቲ ኣብኡ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ወደብን መዓርፎ ነፈርትን ክንድህስስ ኣኽኢሉና'ዩ"።

    ጉጅለ ልኡኽ ኢጣልያን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ባጽዕ፡

    ምንጪ ስእሊ,ADOLFO URSO/X

    ኣብ ኣብ ሓምለ 2011 ሓንቲ ነፋሪት ጥራይ ዝነበረታ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ ሮማ ክልተ ግዜ ኣብ ሰሙን ቀጠታዊ በረራ ጀሚራ ምንባራ ይዝከር። ኣብ 2017 ድማ ናብ ሚላኖ ተወሳኺ በረራ የካይድ ነይሩ።

    መንገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ እዋን ናጽነት ጀሚሩ ውልዕ ጥፍእ ክብል'ዩ ጸኒሑ።ካብ ናጽነት ክሳብ 2003፡ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብነፈርቲ ዘይኮነ፡ ቤት ጽሕፈት መሸጣ ትኬትን 'ሃንድሊንግ ኤጀንስን' ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ 2003 ወግዓዊ ስራሕ ጀሚሩ።

    ናብ ካልእ መስመራት ንምስፋሕ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ፈተነታት ምስ መንገዲ ኣየር ኢጣልያ (ኣል-ኢጣልያ) ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ከምዝነበራ'ውን ይንገር።