ኢጣልያ፡ ስለምንታይ'ዮም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ተመሃሮ ትምህርቶም ንምዝዛም ዝጽገሙ ዘለው?

ኣብ 2021 ኣብ ኢጣልያ 72 ሽሕን 284 ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ተኸታቲሎም።

ካብኦም እቶም 414 ኢትዮጵያውያን ክዀኑ እንከለው እቶም 73 ድማ ኤርትራውያን እዮም።

እዚኦም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዲግርን ልዕሊኡን ይመሃሩ።

ኣብዚ ዓመት 11 ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ፡ ኣብ ከተማ ፒዛ ኢጣልያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሳንታና ናይ ሳልሳይ ዓመት ትምህርቶም ይከታተሉ ኣለው።

ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ኣብ ዩኒቨሪሲታት ሃገራት ወጻኢ ናጻ ዕድል ትምህርቲ (ስኮላርሺፕ) ረኺቦም ዝመሃሩ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ውሑዳት እዮም።

ካብቶም ዕድል ዝረኽቡ’ኸ ክንደይ ካብ ሚእታዊት ትምህርቶም ይዛዝሙ?

ኣብ ገሊኡ ሰለስተ ዓመት ንዝወስድ ኮርስ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ክዛዘም ዘለዎ ኮርስ ከኣ ክሳብ ሸሞንተ ዓመት ዝወስደሎም ተመሃሮ ሳልሳይ ዲግሪ ፕሮግራም ከም ዘለዉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም መማህራንን ተማሃሮን ሓቢሮም።

እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ?

እቲ ትምህርቲ ስለምንታይ በቲ ዝተታሕዘ መደብ ዘይዛዘም? ንተመሃሮን መምህራንን ዘዘራረበ ቢቢሲ፡ ሓሙሽተ ቀንዲ ምኽንያታት ኣለልዩ ኣሎ።

ፍልልይ ስርዓተ ትምህርቲ

ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ትምህርቱ ኣብ ኢጣልያ ዝወድአ ዮናስ ሰይፉ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኢጣልያ ካብ ዝኸይድ ነዊሕ ገይሩ።

ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳንታና ምህንድስና ኤሌክትሮኒክስ ዘጽንዕ ዘሎ ዮናስ ከም ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኰይኑ ይምህርን ምርምር ንዝገብሩ ተምሃሮ እውን ይቆጻጸርን ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝጽንበሩ ሓደስቲ ተመሃሮ ይሕግዝን እዩ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ተመሃሮ ብዝገበሮ ርክባት፡ ተማሃሮ ደንጉዮም ዝምረቑሉ ምኽንያታት ክዕዘብ ከምዝኸኣለ ይዛረብ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ምኽንያታት ከከም ደረጃ ትምህርቲ ይፈላለዩ እዮም ይብል።

ንኹሎም ሃደ ዝገብሮም ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ካብቲ ኣብ ጣልያን ዘሎ ዝተፈልየ ስለ ዝዀነ እዩ።

ትምህርቲ ኣብ ኤውሮጳ ብግዜ ዝተገደበ ኣይኰነን።

ተመሃሮ ነቲ ዝድለ 'ክሬዲት ሰዓታት' ኣማሊኦም፡ ንክፍተኑ ድሉዋት እንተዀይኖም ትምህርቶም ክዛዝሙ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ግን ነቶም ብተመሳሳሊ ስርዓተ ትምህርቲ ዘይሓለፉ ተምሃሮ ትኹረቶም ከዘናብል ይኽእል።

በዚ ርኢይቶ እትሰማማዕ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳብያንሳ ዝዀነት ተመሃሪት ካልኣይ ዓመት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ስነ ፍልጠት ረድኤት ሌንጮ፡ ተመሃሮ ቀዳማይ ዲግሪ ኣብ ዓመት 180 ናይ ክረዲት ሰዓታት ክወስዱ እንከለዉ፡ ካልኣይ ዲግሪ ድማ 120 ናይ ክረዲት ሰዓታት ክወስዱ ይግደዱ።

ናይ ተመረቕቲ ቆቢዕ ምስ መጽሓፍ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ተመሃሮ ትምህርቶም ንምቕጻል ፍርቂ ናይዞም ረቛሒታት እንተወሲዶም ኣብ ዝመረጽዎ ግዜ ፈተናኦም ክወስዱ ይኽእሉ።

“ናይቲ ቀዳማይ ወሰነ ትምህርቲ ፈተና ኣብ ወርሒ ጥሪን ለካቲትን ወይ ሓምለን ነሓሰን ክውሰድ ይከኣል። ስለዚ ካብ ክልቲኡ መሪጸ ክፍተን ከም ዝኽእል ምፍላጠይ ከደናጒየኒ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ቀዳማይ ፈተና እንተወዲቐ ዳግማይ ክፍተን ዕድል ስለ ዘለኒ" ትብል ረድኤት።

እቲ ውጽኢቱ ግን ካብቲ ናይ መጀመርያ ዝኸፍአ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ድማ ኣብ ቀፃሊ ዓመታት ትምህርቲ ጽልዋ ስለ ዝህልዎ፡ ትምህርቲ ኣብ ግዚኡ ዘይምውዳእ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ምስኣን እውን ከስዕብ ከም ዝኽእል ትገልጽ።

ተመሃሮ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ምርምራዊ መጽናዕቶም ኣብ ዝወድኡሉ እዋን፡ ብፍላይ ከኣ ረቛሒታት ናይቲ ዝድለ ሰዓታት ክረዲትን መጽናዕታዊ ወረቐቶም እንተማሊኦም ከቕርቡዎ ይኽእሉ እዮም።

ፕሮፌሰር ዮናስ እዚ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ዘሎ ፍልልያት ብሓደ ወገን ነቶም ተመሃሮ ካብ ምጽቃጥ የድሕኖም፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ትኹረቶም ከምዝስረቕ ክገብር ከምዝኽእል ይገልጽ።

“ስርዓት ትምህርቲ ኢጣልያ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ብጻዕሪ ዝተመልአ እዩ" ይብል ዮናስ።

እዚ ዝተዛነየ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ነቶም ብጻዕሪ ዘይሓለፉ ኢትዮጵያውያን ተመሃሮ ትኹረቶም ብምዝንባል ብዙሕ ጸገማት ከም ዘጋጥሞም ይሕብር።

ከም ውጽኢቱ ከኣ ተመሃሮ ነቲ ክገብርዎ ዝግብኦም መጽናዕቲ ኣቓልቦ እንተዘይሂቦም እቲ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ክውዳእ ዝግበኦ ናይ ሳልሳይ ዲግሪ ትምህርቶም ንምዝዛም ክሳብ ሸሞንተ ዓመት ክወስደሎም ይኽእል እዩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ዩኒቨርስቲ መቐለን ዝመሃረ ተመሃራይ ሳልሳይ ዲግሪ ሰብኣዊ መጽናዕትን ዓለማዊ ፖለቲካን ዩኒቨርስቲ ሳንታና ቢንያም መኮነን’ውን ምስ’ዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።

ቢንያም፡ ምምሕያሽ ስርዓተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ መጻኢ ተምሃሮ ምስ ዓለምለኻዊ ስርዓተ ትምህርቲ ብቐሊሉ ንኽላለዩ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ይሕብር።

እዚ ድማ ኣብ ወፃኢ ዩኒቨርስቲታት ብቐሊሉ ዕድል ትምህርቲ ንኽረኽቡን ዕድል ምስ ረኸቡ እውን ሕልሞም ንምዕዋት ከም ዝሕግዞምን ይዛረብ።

ዝረኽብዎ ዓይነት ትምህርቲ

ከተማ ፒዛ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,ከተማ ፒዛ

ኣብ ኢትዮጵያ ብኢንተርነት ነጻ ትምህርቲ ዝወሃቦም ተምሃሮ ብዛዕባ እቲ ዝረኽብዎ ዕድላት እኹል ኣፍልጦ የብሎምን።

ነጻ ትምህርቲ ንኹሉ ወጻኢታቶም ዝሽፍን ይመስሎም። ናብተን ብቑጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ኣመሪካን ኤውሮጳን ምኻድ ክበሃል ከሎ፡ ምቹእ ነገራት ናይ ምጽባይ ልምዲ ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ዕድል ነጻ ትምህርቲ ክረኽቡ እንከለዉ ገሊኦም ድማ እንተላይ መንበርን ወጻኢታት ናይ ትምህርቶምን ዝሽፍን ምሉእ ዕድል ትምህርቲ ይረኽቡ።

እቲ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝህቦም ትካል እኹል ዓቕሚ ዘይረኽበሉ ግዜ ኣሎ።

ስለዚ ብዛዕባ እዚ እኹል ኣፍልጦ ዘይብሎም ተምሃሮ ናብ ኤውሮጳ ምስ ሰገሩ ትምህርቶም ክጅምሩ እንከለዉ ብድሆታት የጋጥሞም።

ናይ ብሕቲ ስፖንሰር ኣለዎም ዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምሃብ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ጥራይ ምስ ረኸቡ፡ ብዘይ ስፖንሰር ዝተረፉ ውሑዳት እዮም።

ብሰንኪ እዚ ዘጋጥም ሕጽረት መነባብሮ ንምክሕሓስ ድማ ጎኒ ጎኒ ትምህርቶም ክሰርሑ ግድን ይዀኖም።

እዚ ላዕልን ታሕትን እቶም ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ግቡእ ትኹረት ከይገብሩን ኣብ ግዚኡ ትምህርቶም ከይውድኡን ንድሕሪት ይጎቶም።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ንክራይ ገዛ ዝኸፍልዎ ስኢኖም ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩን ካብ ዕላማኦም ተዓንቂፎም ናብ ካልእ ደረጃ ህይወት ዝወድቁን ከምዘለዉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተማሃሮ ይገልጹ።

ቀጽሪ ዩንቨርሲቲ ሳንታና

ምንጪ ስእሊ,SCUOLA SUPERIORE SANT'ANNA FB

ፍልልይ ባህሊ፡ ቋንቋን ዓሌትን

ተምሃሮ ካብቲ ዝፈልጥዎ ባህሊ፡ ቋንቋን ኣነባብራን ክወጽኡ ከለዉ ዘጋጥሞም ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጸቕጢ ቀሊል ኣይኰነን።

ላዕለዋይ ትምህርቶም ብእንግሊዝኛ ካብ ዝምሃሩ ሃገራት ናብ ኢጣልያ ዝመጽኡ ተምሃሮ ምስ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስርዓተ ጣልያን ንምትዕጽጻፍ ግዜ ይወስደሎም’ዩ።

መንበሪ ገዛ ምክራይ፡ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ኣነባብራን መግብን ምትዕጽጻፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታት ኣለዎ።

ሓደ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ምሩቕ ሳልሳይ ዲግሪ፡ ብባጀት ተማሃራይ ዝካረ ገዛ ምርካብ ዓቢ ብድሆ ከምዝነበረ ይዝክር።

“ገዛ ብኢንተርነት ኢና ንእልሽ። ፕሮፋይልና ኣፍሪቃዊን ጸሊምን ምዃኑ ምስ ፈለጡ፡ ምኽንያት ብምሃብ ገዝኦም ምክራይ ይኸልኡና፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ወርሒ ክንጽበ ንግደድ" ይብል።

ገሊኦም ድማ ክሳብ ዝካረ ገዛ ዝረኽቡ ወርሓዊ 500 ዩሮ [32 ሽሕ ብር] እናኸፈሉ ኣብ ሆስቴላት ክጸንሑ ዝግደዱ ከምዘለዉ ይዛረብ።

ተወሳኺ ስራሕ ንምስራሕ ድማ ፍቓድ ስራሕ ስለዘድሊ ነብስኻ ክትድግፍ ትሽገር። ናይ ስራሕ ፍቓድ እንተረኸብካ እውን ቋንቋ ጣልያን ስለዘይትፈልጥ ስራሕ ክትረክብ ትጽገም።

በዚ ድማ ምስ ባህሊ፡ ቋንቋን ምምሕዳራዊ ስርዓታትን ክላመዱ ዝወስደሎም ግዜ ኣብ ትምህርቶም ጸቕጢ ይፈጥር።

ድሌት ስድራ ቤት

እዚ ንተማሃሮ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እውን ብድሆ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር እትርከብ ስድራ ቤት ካብ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኣባል ስድራ ቤታ ደገፍን ሓገዝን ትጽበ’ያ።

ኤውሮጳን ኣመሪካን ገንዘብ ዝሕፈሰለንን ምቾት ዘለዎ ህይወት ዝነብረለን ቦታታት ከምዝዀና እዮም ብዙሓት ዝሓስቡ።

እዚ ልኣኹለይ ዝብል መልእኽቲ ይበዝሕ፡ ሓላፍነት ይውስኽ፤ እዚ ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ግዴታ ይኸውን።

ነዚ ድሌት እዚ ንምምላእ ተምሃሮ ድቃሶምን ዕረፍቶምን መስዋእቲ ብምግባር ኣብ ዝረኸብዎ ስራሕ ይጽመዱ። እዚ ድማ ንትምህርቶም ዝጸሉ ካልእ ረቛሒ እዩ።

ካብዚ ወፃኢ ድሕሪ ምረቓ ብዛዕባ መንበሪኦም ዝጭነቑ ተምሃሮ ኣለው። ኣብ ሃገሮም ዝሓሸ ናይ ስራሕ ዕድላትን ሰላም ዘይምህላዉን ብኣግኡ ናይ ምምራቕ ድሌቶም ከምዝንኪ ይኸውን።

ስለዝዀነ ድማ ብስርዓት ዕድል ትምህርቶም ዝህቦም ኵነታት ተጠቒሞም ክሳብ ዝሓሸ ስራሕ ዝረኽቡ ትምህርቶም ከናውሑ ይግደዱ።

ትካላዊ ቢሮክራሲ

ኣፍሪቃውያን ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ ናይ ወጻኢ ትምህርቲ ዕድላት ምስ ዝረኽቡ፡ እቲ ዘጋጥሞም ብድሆ ካብ ሃገሮም እዩ ዝጅምር።

ተምሃሮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትካል ዘሎ ቢሮክራሲ ቀሊል ከምዘይኰነ እዮም ዝገልጹ። ኣድላዪ ሰነዳት ድሕሪ ምሓዞም እውን ቪዛ ክረኽቡ ይጽገሙ። ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ቪዛ ከምዘይረኽቡ’ዩ ዝንገር።

በዝን ወዲ ኸምዝን ምኽንያታትን ካብ ትምህርቶም ይጐናደቡን ይድንጒዩን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ናይ ቪዛ እገዳ ከምዘንበረ ዝፍለጥ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ሕብረት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝነብሩ ዜጋታቱ ዳግማይ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዘርኣዮ ምትሕብባር ውሑድ’ዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያውያን ቪዛ ንኽረኽቡ ዝጽበዩሉ ግዜ ካብ 15 ናይ ስራሕ መዓልታት ናብ 45 ናይ ስራሕ መዓልታት ክብርኽ ከምዝወሰነ ምግላጹ ይዝከር።

እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ብዝኸፍአ ንተማሃሮ ክጸልዎም ከምዝኽእል ስክፍታታት ኣስዒቡ ኣሎ።

እቶም ተምሃሮ ናብ ዓዲ ጥልያን ምስ በጽሑ እውን፡ ዘድሊ መንበሪ ፍቓድን ካልእ ሰነዳትን ቀልጢፎም ስለዘይረኽቡ፡ ንኽነብሩ ዘድልዮም ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዘይረኽቡ ይገልጽ።

"ካብ ኢትዮጵያ ገንዘብ ሒዝካ ክትመጽእ ዓቕሚ ኣይፈቅድን’ዩ። ኣብኡ እውን ውሑዳት ዩሮ እዩ ዝወሃበካ። ስለዚ ድሕሪ ምምጻእና ክንሰርሕ ግድን እዩ" ትብል ረድኤት።

ረድኤት፡ ኣብ ኢጣልያ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ክሳብ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ብፍላይ ሳልሳይ ዲግሪ ተምሃሮ ናብ ካልኦት ሃገራት ብምኻድ ኣብ ኣኼባታት፣ ዋዕላታትን እዋናዊ ኣስተምህሮታትን ከይሳተፉ ከምዝኽልክል ትገልጽ።

ተምሃሮ ሳልሳይ ዲግሪ፡ ኣብ ዋዕላታትን ሰሚናራትን ክሳተፉን ኣብ ርእሲ እቲ ትምህርቶም ንምቕጻል ካብቶም ክውድእዎም ዘለዎም 'ክረዲት ሰዓታት' ብተወሳኺ ሓጸርቲ ኮርሳት ክወስዱን ይግደዱ።

ካብዚ ሓሊፉ ቢሮክራሲ ዩኒቨርሲትን ኣማኸርትን ምስ ተምሃሮ ዘለዎም ርክብ ተምሃሮ ደንጉዮም ንኽምረቑ ምኽንያት ከምዝዀነ ይጥቀስ።

ተማሃሮ ኣብ መዓልቲ ምረቕኦም ኣብ ርእሶም ዝገብርዎ ኣኽሊል ቆጽሊ ኣውሊዕ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ቢቢሲ ዘዘራረቦም መምህራንን ተምሃሮን ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ኢጣልያ ብሳይንስ ሳልሳይ ዲግሪ ዝህብ ዩኒቨርሲቲ ሳንታና ተመሳሳሊ ጸገም ኣሎ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ጀነቲክስ ተኽሊ ዝምህር ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሊዮናርዶ ካፕሮኒ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኢጣልያ ዘሎ ጸገም ቢሮክራሲ ምዃኑ ካብ ተማሃሮኡ ከምዝሰምዐ ይገልጽ።

ብመሰረት ሊዮናርዶ፡ ኣብ መንጎ ኣማኸርትን ወሃብቲ መርመራን ዘሎ ቢሮክራሲ፡ ተማሃሮ መመረቒ መጽናዕቶም ኣብ ምቕራብ ከምዘደናጉዮም እቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ይገልጽ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዩኒቨርሲቲ ሳንታና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምምሕዳር ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ይዛረብ።

ብመሰረት እቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዝብሎ፡ እዚ ፀገም ኣብ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ካልኦት ዓለም ለኻውያን ተምሃሮ እውን የጋጥም እዩ።

"ገለ ተምሃሮ ብዛዕባ ስርዓተ ትምህርቲ እኹል ኣፍልጦ የብሎምን" ዝበለ እቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር፡ ትምህርቶም ዝውድኡሉ ግዜ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብሰንኪ ስእነት ገንዘባዊ ደገፍ ትምህርቶም ንምቕጻል ከምዝጽገሙ ይሕብር።

ካብዚ ብተወሳኺ ዋጋ መነባብሮን ድሌት ኣፍሪቃውያን ተምሃሮ ኣብ ግምት ብምእታው እኹል ገንዘባዊ ደገፍ ዘይምህላዉን ንናብራ ተምሃሮ በዳሂ ከምዝገብሮ የስምር።

ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19ን ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ዓለማዊ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ’ዩ። ይኹን እምበር ንተምሃሮ ዝተመደበ በጀት ሕዚ እውን እኹል ከምዘይኰነ እዮም ተምሃሮን መምህራንን ዝገልጹ።

ብዙሓት ዓለም ለኻውያን ተማሃሮን በጻሕትን ዝውሕዙላ ከተማ ፒዛ፡ ቁጽሮም ዘይነዓቕ ኢትዮጵያውያን ምሁራትን ተተኣናግድ’ያ።

እዞም ምሁራት ኣብ ኢትዮጵያን ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት ተቖጺሮም ብሓላፍነታዊ ደረጃ ዝሰርሑ ይርከብዎም።

ኣብ ካልኦት ዩኒቨርሲቲታት ኤውሮጳ ከም መምህራን ተቖጺሮም ዝሰርሑ እውን ኣለዉ።

ሳንታና ብተወሳኺ ምስ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ትካላት ብምትሕብባር ዝያዳ ኣፍሪቃውያን ተመራመርቲ ንምፍራይ ይሰርሕ ኣሎ።

ነዚ ንምትግባር ድማ ኣፍሪቃውያን ተመራመርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ምርምር ከካይዱ ንምትብባዕ 'ኣፍሪካ ኮኔክት' ዝብል ሓድሽ ፕሮግራም ጀሚሩ ኣሎ።

ትኹረት ናይቲ መደብ ኣብ ኣፍሪቃ ኰይኑ፡ ተማሃሮ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝግበር መጽናዕቲ ደገፍ ንኽረኽቡ ዕድላት ዝፈጥር እዩ።

እቲ መደብ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢጣልያ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ትካላትን ይድገፍ።