ኤርትራ፡ ዕጽዋ ጋዜጣታት ብሕትን ማእሰርቲ ኣዳለውተንን ድሕሪ 24 ዓመት

ሰቲት፣ መስትያት፣ ጽጌናይ፣ ቀስተ ደበና ዝበሃላ ጋዜጣታት ካብ ተኣፋፊ ዉሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብምርሓቕ፡ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ኣካባብያዊ ጕዳያት ዜናታት ወጻኢ መሃርቲ ዓምድታት ርእይቶታት ህዝቢ ዘተኰሩ ጽሑፋት ትሕዝቶታት ሒዘን ክወጽኣ ምስ ጀመራ፡ ህዝቢ ኣማራጺታት ክረክብን ብኡ መጠን ናይ ምንባብን ምብህሃልን ባህሊ ክበራበር ጀመረ።

እቲ ናይ ተስፋ ዓመታት

ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት፡ ህዝቢ በብዝኽእሎ ሃገሩ ንምህናጽ እጃሙ ፋሕጠርጠር ይብልን መንግስቲ ከኣ ንቍጠባ ሃገር ከበራብር ናይ ንግዲ ፍቓድ ይዕድል ነበረ።

እንተኾነ ዋላ'ኳ ፍቓድ ንግድ ይተዓደል እቲ ስርሓት ብክቱር ቢሮክራሲ ከምቲ ዝድለ ኣይጀማመረን።

ህዝቢ ከኣ 'ደሓን ሕጂ'ዮም ካብ በረኻ ኣትዮም፤ ቁሩብ ዕድል ንሃቦም' ብማለት ንኹሉ ጸገማት ብዓቕሊ ይጽበ ነበረ።

ጋዜጣታት መንግስቲ ከኣ ናይ መንግስቲ ስለዝኾና ነቲ ጉዳይ ከልዕልኦ ኣይደፈራን።

ብዙሓት ዜጋታት ካብ ወጻኢ ንሃገር ተመሊሶም ብዓቕሞም ክሰርሑ - ኣብ ምምሃር ኰነ ካልኦት ሞያታት ክሳተፉ፣ ትካላት ከቋቝሙ፣ ንመንበሪኦም ኣባይቲ ክሰርሑ ... ብልዑል ሃንቀውታ ናብታ ሓዳስ ናጻ ሃገሮም ይመላለሱ ነበሩ። እንተኾነ ብዙሓት ብሰናይ ድሌት ዝፈታተኑ ከምቲ ዝሓሰቡዎ ኣይኰነሎምን።

ንሓንሳብ ጉዳይ 'ርእሰ ምርኰሳ' እናተላዕለ፡ ካልእ ሳዕ 'መንግስቲ እኹል መጽናዕቲ የካይድ ኣሎ' ብማለት ኩነታት ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይሰጎመን።

ሽዑ'ውን ሚድያታት መንግስቲ ነዚ ርኡይ ጸገማት ህዝቢ ኣይተዛረባሉን።

ኣብ ድሮ ጽምብል ረፈረንዱም፡ ንዝቕጽል ክልተ ዓመታት ብዘይ ደሞዝ ከገልግሉ ዝተሓተቱ ተጋደልቲ፡ 'ስድራና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ጸኒሖምና፡ ንሕና እውን ጸገማት ስለዘሎና ኣይንኽእልን ኢና' ብዝብል ስምዒት ንህዝብን ዓለምን ዘሰምበደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካየዱ።

መንግስቲ ወጻኢታቱ ንምንካይን ውሑድን ኣድማዕን ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ክሕዝ ብምድላዩ ካብ ብዙሓት ምኒስትሪታት ሰባት ኣጣየሰ።

ሽዑ ኣቐዲመን ክሕተማ ካብ ዝጸንሓ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ካብ ዝነበራ ጋዜጣታት (ጋዜጣ ሓቅን ህይወትን) 'እቶም ዝጸንጸልክዎም ከይጥጥዑ ደኣ' ብምባል፡ 'ስድራ እቶም ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱኸ እንታይ ይኹኑ?" ዝብል ምጉት ስለዘቕረበት ነዊሕ ከይጸንሐትን ካብ ሕትመት ተኣገደት።

ብድሕሪኡ መንግስቲ ነቶም ኣብ ምልዕዓል ኣድማ 20 ግንቦት ተራ ነይሩዎም ዝበሎም ሰባት ኣሲሩዎም።

ኣብ 1994፡ ስንኩላን ኩናት ማይ-ሓባር ዘልዓልዎ ሕቶ መሰል እውን ብሓይሊ ብረት ተዶቕሰ።

ሽዑ እውን ሚድያታት መንግስቲ ኣይተዛረባን። ፕሪዘደንት ኢሳይያስ ግን ኣብቲ ኣብ ነብሲ ወከፍ መስከረም ምስ ህዝቢ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ሕቶን መልስን ኣጋጣሚ፡ እቲ ፍጻሜ ዘሕዝን ክስተት ምንባሩ፡ እንተኾነ እቲ ስንኩላን ዝተኸተሉዎ ኣገባብ እውን ቅኑዕ ዘይምንባሩ ገሊጹ። ድሕሪ ኣዋጅ ፕረስ 1996 ጋዜጣታት ብሕቲ ምስ ጀመራ ግን ካብቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ጋዜጣ መንግስቲ ዝወጽእ ዝነበረ ፍልይ ዝበለ ጽሑፍን ዛዕባን ከውጽኣ ስለ ዝጀመራ ህዝቢ ከስተንፍስ ዕድል ረኸበ።

እንተኾነ ነዊሕ ከይጸንሐ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ስለዝጀመረ እቲ ናይ ምብህሃልን ሓሳባት ናይ ምልውዋጥን ዕድላት ዘሓለ።

እተን ጋዜጣታት ግን ዓቕመን ብዘፍቅዶ ሓበሬታ ይዝርግሓ ምንባረን ናብቲ እዋን ብዝኽሪ ዝምለስ ተስፍኣለም ኣብርሃ ይዛረብ።

ሕጊ ፕረስ ኤርትራ እንታይ እዩ ዝብል?

እቲ ኣብ 1996 ዝወጽአ ሕጊ ፕረስ፡ "ናጽነት፣ ዕላማታትን ዕማማትን ፕረስ" ኣብ ብዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዝወጽአ ካልኣይ ክፋል ከኣ፡

ናጽነት ፕረስ ብመሰረት እዚ ኣዋጅ ውሑስ ከምዝኸውን፤ ብዘይካ ብድንጋጌታት እዚ ኣዋጅ'ዚ ወይ ብናይ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ንጋዜጣታትን ውጽኢት ፕረስን ብምምሕዳራዊ መንገዲ ኣቐዲምካ ምምርማር ምእጋድ ወይ ምውጋድ ክልኩል ምዃኑ ይጠቅስ።

እንተኾነ፡ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ማለት ኣብ ሃገር ወይ ገለ ክፋሉ ከም ሳዕቤን ናይ ኩናት፡ ዕጡቕ ኣብያ ወይ ናዕቢ፡ ስነ - ስርዓትን ድሕነትን ሓፈሻዊ ሰላምን ዘስግእ ኩነታት ሓደጋ፡ ወይ ድማ ባህሪያዊ ሓደጋ ምስ ኣዘጋጥም፡ መንግስቲ ንኹሉ ዓይነት ሕታማትን መራኸቢ ብዙሃን፡ ግዝያዊ ኣቐዲምካ ናይ ምምርማር ስጉምቲ ብኣዋጅ ክወስድ ከም ዝኽእል፡ ነቲ ኣዋጅ ዘገድዶ ኩነታት ምስ ዝእለ ከኣ መንግስቲ ነቲ ኣዋጅ ብኻልእ ኣዋጅ ከም ዘልዕሎ ይገለጽ።

ጋዜጣ ኣዋጅት ኤርትራ

ንመሰላትን ግቡኣትን ጋዜጠኛ ኣብ ዝገልጽ ሳልሳይ ክፍሊ ከኣ፡-

ጋዜጠኛ ካብ ዝኾነ ወግዓውን ዘይወግዓውን ምንጪ፡ ዜናን ሓበሬታን ናይ ምርካብን ቅኑዕነቱ ድሕሪ ምርግጋጽ ድማ ናይ ምዝርጋሕን፡ መሰል ኣለዎ።

ብተወሳኺ፡ ጋዜጠኛ ኣብ ስርሑ ብዘይካ ብሕጊ፡ ንዝህቦ ርእይቶን ዝዝርግሖ ቅኑዕ ሓበሬታን፡ ከም ምኽንያት ተወሲዱ፡ ብዝኾነ ወገን ወይ ብዓል ስልጣን፡ ድሕነቱ ክትንከፍን ንጸቕጢ ክቃላዕን ከም ዘይፍቀድ፤ ጋዜጠኛ ብዘይካ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ምስጢራዊነት ምንጪ ሓበሬታኡ ክዕቅብ፤ ከምኡ'ውን ጋዜጣዊ ፍረኡ ካብ ስርቂ ክውሕስን መሰል ከም ዘለዎ፤ ብመሰረት እዚ ኣዋጅ'ዚ ኣብ መዝገብ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ማሕበር ጋዜጠኛታት ከቑሙ መሰል ከም ዘለዎም ይሕብር።

ኣብቲ ንግቡእ ጋዜጠኛ ዝምልከት ከኣ፡ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ስርሑ፡ ብግዝኣተ ሕጊ፡ ብሞያዊ ስነ ምግባርን ብሕልንኡን ከምዝቕየድ፡ ኣብ ዝጽሕፎን ዝዝርግሖን ዘበለ፡ ብኹሉ ሕግታት ኤርትራ ከም ዝቕየድ፤ ምስ ህዝባዊ ረብሓ ዝዛመድ ጉዳያት ኣብ ዘልዕለሉ፡ ናይ ስድራ ቤታትን፡ ውልቀ ሰባትን፡ ፍሉይ ብሕታዊ ህይወትን ክብርን ዝናን ከኽብር ከም ዝግበኦ ይገልጽ።

ከምኡ ድማ፤ ጋዜጠኛ ቅኑዕነቱ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ኮነ ቅኑዕ ሓበሬታ ምዝንባዕ ከምዘይፍቀደሉ፤ ዘይሕጋዊ ውልቃዊ ዕላማን ጥቕምን፡ ንገዛእ ርእሱ ይኹን ንኻልእ ንፍሉይ ረብሓ ወይ ገንዘብ ሞያኡ ተጠቒሙ፡ ንውልቀ ሰባትን ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎም ክህድድን ከፈራርሕን ከምዘይፍቀድ ይዝርዝር።

እቲ ኣብቲ ኣዋጅ ዝሰፈረ ግቡእን መሰልን ተመጣጢ ብምዃኑ፡ መብዝሕትኦም ኣሰናዳእትን ጋዜጠኛታትን ብባዕላዊ-ሳንሱር ይጽሕፉ ምንባሮም ገለ ካብቶም ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከቡ ይዛረቡ።

ንመሰላትን ግቡኣትን ጋዜጠኛ ኣብ ዝገልጽ ሳልሳይ ክፋል

ተዘክሮ ኣሰናዳእቲ

መስራትን ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሰቲት ነበር ሕጂ ኣብ ሃገረ ካናዳ ዝነብር ኣሮን ብርሃነ ኣብ ዝገበሮ ሓደ ቃለ-መሓትት፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ርእይቶን ሓሳባትን ኣባላት ጉጅለ 15 ክጽሕፋ ምስ ጀመራ ቀጻሊ ምክትታልን ምፍርራሕን ከም ዝነበረ የዘንቱ። ንሱ ንባዕሉ ምፍርራሕ ከም ዜጓነፎ እውን ይምስክር።

እተን ካብ 1997 - 2001 ዝተፈጥራ፡ ሸውዓተ-ሾሞንተ ዝኾና ሓደስቲ ጋዜጣታት ብድሕሪ ዉግእ ባድመ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ይኹን ካልኦት መሓውር ሚድያ መንግስቲ ንዘይሽፍንኦ ነገራት የቕርባን ይምክታን ምንባረን ኣሮን ይዛረብ።

ብዓይኒ መሸጣ'ውን እንተኾነ ህዝቢ ኣስመራ ይኹን ካልኦት ከተማታት ነተን ጋዜጣታት ሻማ-ሻማ ክብለን ከምዝጀመረ ይዝክር።

ሰባት ዓይኒ ኣንቊሖም፡ ኣብ ከም ኣካራይን ተኻራይን፡ ሕጽረት ገዛ-ክራይ፡ ፖሊሲ መንግስትን ብዝምልከት ዛዕባታት ክዋስኡን ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ክምዕብልን ጀመረ።

በዓል ማቴዎስ ሃብትኣብ 'መቓልሕ' ኣበገሱ፣ ስዒድ ዓብደልቃድር ን 'ኣድማስ' ኣበገሰ፣ ኣማኒኤል ኣስራት ን'ዘመን' ኣበገሰ፣ በዓል ዩሱፍ መሓመድ ዓሊ ድማ 'ጽጌናይ' ...ወዘተ። ኣንበብቲ ኣማራጺ ንባባት ረኸቡ፡ እተን ሓደስቲ ጋዜጣታት ድማ ንጽምኢ ኣንበብቲ ከርውያ ጀመራ።

እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ሓዲስ ባይታ፡ እቲ ሚድያ መንግስቲ ከቕርቦ ዘይከኣለ ሓበሬታ በዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክቐርብ ከኣለ። እንተኾነ ርእይቶን ሓሳባትን ጉጅለ-15 ከቕርባ ምስ ጀመራ፡ ካብ ሕጊ ወጸኢ ስለ ዝሰርሓ ብዚብል ክሲ ተዓጽዋ፤ ኣሰናዳእተንን ጋዜጠኛታተንን ከኣ ድሕሪ ቁሩብ ተሃዲኖም ተኣስሩ።

ኣዋጅ ሰሉስ 18 መስከረም

ኣብታ መዓልቲ'ቲኣ ክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ተኸሲቶም ክነሶም ሚድያ መንግስቲ ብሃንደበት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምዕጻው ጠቒሱ ነታ ማንታ ፍጻሜ ነታ ማእሰርቲ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡን ሰዓብቶምን ጋዜጠኛታትን ግን ኣይተዛረባሉን።

እታ መዓልቲ'ቲኣ እቶም ሓለፍቲ መንግስቲ ዝነበሩ፡ ለውጢ ዝጠለቡ ሰበስልጣናትን ደቂ ፕረስን ዝተኣስሩሉ መዓልቲ ነበረት።

መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ጋዜጠኛታት ካብ ናይ ወጻኢ ትካላት ገንዘብ ተቐቢሎም ክብሉዎም እንከለው ነቶም ሰበስልጣናት ከኣ ብተንበርካኽነት ይኸሱዎም።

ብድሕሪኡ ጐስጐስቲ ሰብኣዊ መሰላት ጆሽዋ፣ ዳዊት ኢሳቕ፣ ዳዊት ሃብተሚካኤል፣ ዩሱፍ መሓመድ ዓሊ፣ ማቴዎስ ሃብተኣብ፣ ስዒድ ዓብደልቃድር፣ መድሃኔ ሃይለ፣ ኣማኒኤል ኣስራት፣ ተመስገን ገብረየሱስ፣ ኢድሪስ ኣቡዓረ፣ ተስፋይ ጎመራ ኣበይ ኣለው እናበሉ፡ ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ንዝተኣስሩ ጸሓፍትን ጋዜጣኛታትን ዓመተ-ዓመት ይዝክሩዎምን ይጽሕፉሎምን ኣለው።