ትውልደ ኤርትራዊ ፍሉጥ ከሻኒን ሓንቲ ኣደን ኣብ ለንደን ተቐቲሎም

ፖሊስ ከምዝሓበሮ፡ ቼር ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት ምስ ጓል ሰለስተ ዓመት ጓላ ኣብቲ ካርኒቫል ኣብ ዝተረኸበትሉ እዋን ብኻራ ድሕሪ ዝተፈጸማ መውጋእቲ ብቀዳም 31 ነሓሰ 2024 ዓሪፋ።

ሙሴ እምነ  ከኣ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እቲ ካርኒቫል ዝነበረት ሰኑይ ውነኡ ስሒቱ ወዲቑ ምስተረኸበ ብዓርቢ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፉ።

ኣዛዚ ፖሊስ ቻርመይን ብሬንያህ፡ ሞት እቶም ክልተ ሰባት "ንስድራቤታት ክልቲኦም ግዳያት ዓብይ ሓዘን ከምዘስዓበ" ብምሕባር ጠንቂ ሞቶም ይምርምር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣዳለውቲ ካርኒቫል ኖቲንግ ሂል እውን ብሞት እቶም ክልተ ሰባት ሓዘኖም ገሊጾም።

እታ ቼር ዝተባህለት ሰበይቲ ኣብ ባእሲ ንዝነበሩ ሰባት ክትሽምግል ናብ መንጐም ምስኣተወት ከም ዝተወግአት ይዝረብ።

ካብ ዝሰርሓላን ዝነብረላን ዱባይ ንዑደት ናብ ለንደን ዝኸደ ሙሴ እምነቱ ከኣ ኣብ ርእሱ ብዝወረዶ መጉዳእቲ ንሕልፈት ከምዝተቓልዐ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ሙሴ ብሰኑይ ምሸት ውነኡ ስሒቱ ምስተረኸበ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ህይወቱ ምትራፍ ግን ከምዘይተኽኣለ ሓቢሩ’ሎ።

ፖሊስ ወሲኹ፡ "ዜና ሞት ሙሴ ኣብ ለንደን፡ ዱባይ፡ ሽወደንን ኤርትራን ንዝርከቡ ፈተውቱን ኣዝማዱን ስንባደን ሓዘንን ፈጢሩሎም ኣሎ" ኢሉ።

ሙሴ ኣብ ዱባይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከብ 'ኣርት ክለብ' ከም ዋና ከሻኒ መግቢ ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

ሙሴ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ ኰይኑ፡ ኣብ ሽወደን ዝዓበየን፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብብዝሒ ዝገሸን፡ ኣብ ለንደንን ኒውዮርክን ጽቡቕ ስራሕ ዝነበሮን ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ትካሉ ይገልጽ።

ክለብ ዘ-ኣርትስ ንሙሴ ክብሪ ብምሃብ፡ “ብፍቕሩ፡ ህዱእ ባህርያቱን ሕያውነቱን ዝፍለጥ” ክብል ገሊጽዎ።

ወሃቢት ቃል እቲ ትካል፡ “ሙሴ ንፉዕ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ እዩ፤ ነቲ ሕጂ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ዘሎ ወዱ ድማ ነቲ ብሉጽ ናይ ምኽሻን ሞያኡ ከሰጋግረሉ ይጽበዮ ነይሩ።

“ሙሴ ብመላእ ኣባላት ዘ ኣርትስ ክለብ ኣዝዩ ክናፍቕ እዩ። ውርሻኡ፡ በቲ ኣብ ከባቢኡ ንዝነበሩ ሰባት ዘስረጾ ኒሕን ብሉጽነትን እናተዘከረ ክነብር እዩ። ሓሳብናን ጸሎትናን ምስ ስድራኡን ፈተውቱን እዩ፡” ኢላ።

ኣብ ቅትለት እቶም ክልተ ሰባት ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ሓደ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ምስ ቅትለት ቼር ብዝተሓሓዝ ተኸሲሱ’ሎ። ምስ ሞት ሙሴ ብዝተኣሳሰር ድማ ወዲ 31 ዓመት ውልቀሰብ ብከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ድሕሪ ሞት እቶም ክልተ ሰባት፡ ከንቲባ ከተማ ለንደን ሳዲቕ ካሃንን ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ያቨት ኩፐርን ሓዘኖም ብምግላጽ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኖም።

ፈስቲቫል ኖቲንግ ሂል ካብ 1960ታት ጀሚሩ ኣብ ለንደን ዝካየድ ምርኢት ሙዚቃ ኰይኑ፡ ባህልን ስነጥበብን ሃገራት ካሪብያን ዝኽበረሉ እዩ።