ሓድሽ ማዕበል ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይ 'ቢንያም ግርማይ' ይፈጥርዶ ይኸውን?

ሚልክያስ ማእከለ ምስ ቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትተ፡ "ብዙሓት ሰባት እቲ ካልእ ቢንያም ግርማይ ክኸውን ከም ዝኽእል ይነግሩኒ'ዮም፣ ከምኡ ክበሃል እንከለኹ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ ዓቢይ ምትብባዕ ድማ ይዀነኒ፡" ኢሉ።

ሚልክያስ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ክልተ ግዜ ኣብ ዙር ኣልጀርያ፡ ኣብ ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃን ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃን ብምጽዋት እኹል ተመኵሮ ዝደለበ ይመስል። ልዕሊ ዝዀነ ግን ዘለዎ ብቕዓት ከርኢ ክኢሉ'ዩ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር።

ሚልክያስ፡ "ምስ ቢንያም ከነጻጽሩኒ እንከለዉ፡ ንነብሰይ'የ ዝሓታ፡ ብሓቂ ኣነ ንፉዕ ድየ እብል?" ይብል።

ሚልክያስ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ ተፈራሪሙ፣ ምስቶም ድሮ ኣብታ ጋንታ ዘለዉ ኤርትራውያን ዳዊት የማነን ዩኤል ሃብተኣብን ተጸንቢሩስ ውድድራቱ'ውን ጀሚሩ።

ባይክ አይድ ኣብ 2013 ከም ኮንቲነንታል ጋንታ ካብ ትምዝገብ ን24 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ከተፈርም ክኢላ'ያ፣ ካብኦም ከኣ ሚልክያስ ሓዊሱ እቶም 11 ኤርትራውያን'ዮም።

ኣካያዲ ባይክ አይድ ማትያስ ሽናፕካ፡ "ኤርትራ ግኑን ፍቕሪ ብሽክለታ ዘለዋ ሃገር ኰይና ብዙሓት ዘይተበርበሩ ተቐዳደምቲ ኣለዉዋ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ሚልክያስ ናባና ክንጽንብሮ ቀሊል ኣይነበረን፣ ኣብኡ ግን ዓቢይ እምነት'ዩ ዘለና፡" ኢሉ።

ፍጥነትን ጽምኢ ዓወትን

ማትያስ ሽናፕክን ሚልክያስ ማእከለን ኣብ ምጅማር ቀዳማይ መድረኽ ዙር መርሲን

ምንጪ ስእሊ,Ozan Yavuz

መግለጺ ስእሊ,ሚልክያስ ማእከለ [የማን] ምስ ኣካያዲ ባይክ አይድ ማትያስ ሽናፕካ [ጸጋም]

ሚልክያስ ማእከለ ግልቡት ሰብነት ዘለዎ ተቐዳዳማይ ኰይኑ፡ ነቲ ባይክ አይድ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢራቶ ዘላ እምነት ንምርኣይ ኣንቂዱ ዘሎ ይመስል።

ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ ዙር መርሲን፡ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ መድረኽ ሳልሳይ ብምውጻእ፡ ማልያ ናይታ ጋንታ ለቢሱ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ፖድዮም ክድይብ ክኢሉ'ዩ።

ኣብቲ ውድድር ምስ ጋንታ ትራንጋኑ ሳይክሊንግ ቲም ኰይኑ ዝተወዳደረ ኤርትራዊ መትከል እዮብ፡ ሚልክያስ 'ውጹእ ቮላቺስታ' ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

"እቲ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ዘንጸባርቖ በርቃዊ ፍጥነትን ፍርሒ ዘይብሉ ክእለትን እቲ ካልእ ካብ ኣፍሪቃ ወጺኡ ኣብ ዓለማዊ ውድድራት ክንርእዮ እንኽእል ተቐዳዳማይ'ዩ፡" ክብል ይምስክር።

መትከል ብምቕጻል፡ "እቲ ካልእ ዝበለጸ ኤርትራዊ ቮላቺስታ ክኸውን ዓቢይ ህንጥዩነት ኣለዎ፡" ይብል ።

ድሕሪ ዓወታት ቢንያም፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ብዝሂ ኣብ ኮንቲነንታል ጋንታታትን ልዕሊኡን ዝጻወቱ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ክውስኽ ክኢሉ'ዩ።

ካብቶም ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ዙር መርሲን ዝተሳተፉ 171 ተቐዳደምቲ፡ እቶም 17 ኣፍሪቃውያን'ዮም ነይሮም፣ ካብኦም ከኣ እቶም ሸውዓተ ኤርትራውያን'ዮም።

'ቲም ኣፍሪካን ራይዚን' መኽሰብ ዘይብሉ ትካል ዀይኑ፡ ኣፍሪቃውያን ጋንታታትን ተቐዳደምትን ስልጠና ኣብ ምሃብን ምዕቡል መሳሪሕታት ኣብ ምዕጣቕን ይሰርሕ።

ኣስታት 150 ዝኰኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ፕሮፈሽናላት ጋንታታት ተጠርኒፎም ከም ዘለዉ ከኣ ይሕብር።

ቻምፕዮና ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ኣብ ርዋንዳ ክእንገድ'የ።

ላዕላዋይ ሓላፊ ቲም ኣፍሪካን ራይዚን ኪምበርሊ ኮትስ፡ "ኣብ ዙር መርሲን ዝተሳተፉ ኣፍሪቃውያን ምስ ርኣና፡ ካብ 2007 ኣብ ኣፍሪቃ ኣጠኵርና ክንሰርሕ ምጽናሕና ፍረ ይርከቦ ከም ዘሎ ኢና ክንርዳእ ክኢልና፡" ይብል።

"እዛ ዓመት ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኣዝያ ወዳኒት'ያ። ኣብ ዓለማዊ ውድድራት ዝሳተፉ ኣፍሪቃውያን ብርኡይ ኣዩ ዓብዩ።"

ብዝሒ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ይውስኽ

ኢትዮጵያዊ ክያ ሮጌታ [ማእከል] ኣብ ግራንድ ቱር ንምስታፍ’ዩ ሃቐንኡ

ምንጪ ስእሊ,Ozan Yavuz

መግለጺ ስእሊ,ኢትዮጵያዊ ክያ ሮጌታ [ማእከል] ኣብ ግራንድ ቱር ንምስታፍ'ዩ ሃቐንኡ

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ኤውሮጳዊ ውድድራት ክሳተፉ ኣብ ዝጀመርሉ ንዘጋጠሞም ዓሌታዊ ኣድልዎታት በይኖም ክምክትዎ'ዮም ዝግደዱ ዝነበሩ።

ሕጂ ግን ኣብ ሓድሓደ ውድድራት፡ ሓደ ወይ ክልተ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ጥራሕ ክትርኢ ሳሕቲ'ዩ ዘጋጥም።

ላዕላዋይ ሓላፊ ቲም ኣፍሪካን ራይዚን ኪምበርሊ ኮትስ፡ "ኣብ ከምዚ ዓበይቲ ውድድራት ኣብ እትጽመደሉ፡ ክብደት እቲ ውድድር ንስኻን እቶም ምሳኽ ዝወዳደሩ ዘለዉን ጥራሕ'ዮም ክርድኡዎ ዝኽእሉ፡" ይብል።

ኣስዒቡ፡ "ሓደ [ኣፍሪቃዊ] ኴንካ ብኤውሮጳያውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተኸበብካሉ፡ እቲ ምርዳድእ'ውን ይኸብድ'ዩ። ኣብ ጐድንኻ ንዓኻ ዝመስሉ፡ ክትረዳድኦምን ክረዳድኡኻን ዝኽእሉ ተቐዳደምቲ እንተ'ልዮም ግን ንዅሉ ነገራት የቕልሎ'ዩ። ስነኣእምሮኻ ከኣ ነቲ ጸወታ የቕልለልካ'ዩ፡" ይብል።

ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ኤክስ ስፒድ ዩናይትድ ዝወዳደር ኢትዮጵያዊ ክያ ሮጌራ፡ እቲ ካልእ ዓቢይ ዓወት ከምጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ'ዩ።

ወዲ 21 ዓመት ክያ ሮጌራ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ "ክሳዕ ሕጂ ጥበባት ቅድድም ብሽክለታ'የ ዝመሃር ዘለኹ። እቲ ዝበለጸ ክትመሃረሉ እትኽእል ከኣ እዚ ኣብ ኤውሮጳ ዝካየድ ውድድራት'ዩ፡" ይብል።

"እዚ ኣብዚ ዝካየድ ውድድራት ጻዕቕን ዓቢይ ምትህልላኽ ዘለዎን'ዩ። ኣብ ከምዚ ውድድር ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ተቐዳደምቲ ክርኢ እንከለኹ ከኣ ዝያዳ የነቓቓሓኒ። ሓድሓደ ግዜ በይነይ ዝዀነሉ ግዜ ኣሎ፡ ምስ ዝፈልጦም ሰባት ኣብ ሓደ ውድድር ክንራኸብ እንከለና ግን ኣዝዩ እዩ ጽቡቕ ዝስምዓኒ፡" ይውስኽ።

ንዝመጽእ ወለዶ ምንቕቓሕ

ኣልጀርያዊ ዓዘዲን ላጋብ ኣብ ዙር መርሲን [ኣብ ቅድሚት ዘሎ]

ምንጪ ስእሊ,Ozan Yavuz

መግለጺ ስእሊ,ኣብ ዙር መርሲን ሸውዓት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ምስ ቀዳሞት 25 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም፣ ካብዚኦም እቶም ሽዱሽተ ኤርትራውያን እዮም

ኣብ ዙር መርሲን ሸውዓት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ምስ ቀዳሞት 25 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም። ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ ኤርትራውያን'ዮም።

ዳዊት የማነ ሓሙሻይ፡ ጴጥሮስ መንግስ ሻሙናይ፡ መትከል እዮብ 14፡ ናትናኤል ብርሃነ 17፡ ዩኤል ሃብተኣብ 39 ፡ ሚልክያስ ማእከለ 50፡ ኤቨን የማነ ከኣ መበል 54 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ምስ ኣልጀርያዊት ጋንታ ማደር ኰይኑ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ ሓደ ካብ ገዳይም ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣልጀርያዊ ዓዘዲን ላጋብ'ዩ።

ወዲ 38 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ዓዘዲን ን14 ዓመታት'ዩ ከም ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ኰይኑ ተወዳዲሩ።

"ንነብሰይ ከም ሓደ መራሒ ወይ ጸራጊ መንገዲ ኣይሓስባን'የ፣ እንተዀነ፡ ብዙሓት ንኣሽቱ ተቐዳደምቲ ኣባይ ዘለዎም ኣኽብሮት ከርእዩኒ እንከለዉ ሓበን እስምዓኒ፡" ይብል።

ዓዘዲን ቀጺሉ፡ " ኣብ ቱርኪ እናተወዳደርና እንከለና ገለ ገለ ኣነ ኣርኣያ ናቶም ምዃነይ ምስ ገለጹለይ ኣዝየ ተሓጒሰ፡" ይብል።

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ስቴፈን ዲ ቦድ ኣብ ዙር መርሲን ኣብ ብጫ ማልያ ቀዳማይ ኰይኑ ዝወድአ ኣባል ጋንታ ትራንጋኑ ሳይክሊን ቲም'ዩ።

ኣብ ዙር መርሲን ሸውዓት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ምስ ቀዳሞት 25 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም። ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ኣብ ኣህጉሮም ዝካየድ ሻምፕዮና ዓለም መዳለዊ ክዀኖም፡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኣብ ኤውሮጳዊ መድረኻት ክወዳደሩ ከም ዝኽእሉ ትጽቢት ኣሎ።