ፓርላማ እስራኤል 'ንስርዓት ሃገሮም' ዝድግፉ ስደተኛታት ንምስጓግ ዘቕረቦ እማመ

"ኣብቲ ዝተኻየደ መስርሕ ድምጺ፡ 51 ኣባላት ክነሰት ነቲ ሕጊ ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞን ተዓቅቦን ደጊፎሞ ኣለዉ" ይብል እቲ ባይቶ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ።

"እዚ ሕጊ'ዚ ንሃገረ እስራኤል መዕቆቢ ደገፍቲ ናይቶም ጨቆንቲን ምልካውያንን ስርዓታት ከይትኸውን ንምክልኻልን ንረብሓታት ጸጥታ ሃገር ምውሓስን ዝዓለመ'ዩ"።

እስራኤል ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ንዝመጹዋ ስደተኛታት ዑቕባን ሓለዋን ክትህብ ሓላፍነት ከምዘለዋ ዝጠቅስ እቲ እማመ፡ እንተኾነ ግን እቶም ስግኣት ዘይብሎም ነቲ ዕድል ክወሃቦም የብሉን ይብል።

"ሃገረ እስራኤል፡ ብመሰረት ሰብኣዊን ዓለምለኻውን መትከላት ነቶም ኣብ ሃገሮም ውልቃዊ ስግኣት ዘለዎም ዑቕባ ክትህቦም ግቡእ ኣለዋ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሞንጎ'ቶም ህይወቶም ናይ ብሓቂ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወን ፍርሒ ዘለዎምን እቶም ኣብ ሃገሮም ንዘሎ ስርዓት ንጡፍ ደገፍ ዝገብሩን ምፍልላይ ክግበር ኣለዎ" ይብል እቲ እማመ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብኦም ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ስርዓት ምዃኖም ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ኣብ ሞንጎ "ተቓወምትን" "ደገፍትን" ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ግጭታት ብዙሓት ሞይቶምን ቆሲሎምን እዮም።

ኣባል ባይቶ፡ ዩልያ ማሊኖቭስኪ ነቲ እማመ ሕጊ ኣመልኪታ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብቲ ተደጋጋሚ ግጭት ኤርትራውያን ዝተፈጥረሉ ከባቢ "ደቡብ ተል ኣቪቭ ጸጥታ ዘስፍን'ዩ" ክትብል ጽሒፋ።

"ጸጥታን ሰላምን ነበርቲ ደቡብ ተል ኣቪቭ ናብ ንቡር ንምምላስ ቀዳማይ ስጉምቲ'ዩ" ብምባል መበገሲ ናይቲ እማመ እንታይ ምዃኑ ኣሚታ።

ፓርላማ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ,Knesset

እስራኤል ነቶም "ሰለዂቲ" (Infiltrators) ክትብል ትገልጾም ኣብታ ሃገር ንዓመታት ዝተቐመጡ ስደተኛታት ካብ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዝሓልፍ ወግዓዊ ዑቕባ ኣይትህቦምን'ያ፡ ንሒደት እንተዘይኮይኑ።

"እቲ [እማመ]፡ ዝኾነ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብታ ሃገር ዝኣተወ [ስደተኛ]፡ ደጋፊ ናይቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ስርዓት እንተኾይኑ ብመሰረት ርእይቶ ፖሊስን ሰብመዚ ኢሚግረሽንን ጉዳያት ህዝብን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ንክሰጎ ስልጣን ዝህብ'ዩ" ይብል መግለጺ ፓርላማ እስራኤል።

እንተኾነ ግን፡ በቲ ሕጊ መሰረት ክወጽእ ዘለዎ ውልቀሰብ ጉዳዩ ብሕጋዊ መስርሕ ክሓልፍ መሰል ከምዘለዎ'ውን ኣስፊሩ'ሎ።

እቲ እማመ ቅድሚ ብፓርላማ ቅድሚ ምጽዳቑ ናብ ንተወሳኺ ክትዕ ናብ ፍሉይ ባይቶኣዊ ኮሚቲ ውሽጣዊ ጉዳያትን ኣከባቢን ክሰጋገር ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን እስራኤልን ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣብ ዝሓለፈ ገለ ዓመታት እናዛሕተለ ከምዝመጸ ይግለጽ።

ኣብ 2019፡ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ'ውን "ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ንምስይጣን" ምስቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ "ሓይልታት ሽበራ" ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል "ጸለመ" ይዝርግሕ ነይሩ ክትብል ኣስመራ ከሲሳ ነይራ።

ብረቡዕ'ውን ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ፡ሃረዝ ዝተባህለ ፍሉጥ ጋዜጣ ዘውጽኦ ጸብጻብ ምንጭታቱ "ፍሉጣት ናይ ስለያ ወኪላት እዮም" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ ነይሩ።

እቲ ሚኒስተር "ስኑዕ" ክብል ዝገለጾ ጸብጻብ፡ እታ ቀንዲ ጸላኢት እስራኤል ዝኾነት ኢራን ንኤርትራን ሑቲን ከምእትድግፍ ዝገልጽ'ዩ።

ከይጥረዙ ተቓውሞ ዝገብሩ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ 2014

ምንጪ ስእሊ,AP

እቲ ሞንጎ'ቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከጋጥም ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ጎንጺታት ኣብታ ሃገር ናብ ስደተኛታት ዘነጻጸረ ኣሉታዊ ኣጠማምታ ክፈጥር ክኢሉ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኢታማር ኣቭነሪ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ከተማ ተል ኣቪቭ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንዝተራእየ ፍጻመታትን ክመጽእ ዝጸንሐ መጠንቀቕታታን ብመንግስቲ ዝተዋህቦ ድኹም ግብረመልሲ ብምንቃፍ፡ እዚ መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝተራእየ ነዊሕ ዝኸደ ሸለልትነት እዩ" ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ዝምራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ወይ ሳልሳይ ሃገራት ንምውሳድ ጻዕርታት የካይድ ምንባሩ ይፍለጥ። ቅድሚ ገለ ዓመታት'ውን ንገለ ካብኦም ናብ ርዋንዳ ኣሰጋጊሩ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ካብቲ ገደብ-ኣልቦ ገዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልኦት ምስ ሰባዊን ፖለቲካዊን መሰላት ዝተሓሓዝ ስግኣታትን ሃዲሞም ናብ ስደት ክወሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እዞም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ'ውን ብምድረበዳ ሲናይ ዝሓለፉን ግዳያት ጭውያን ዘስካሕክሕ ዓመጽን ዝርከብዎምን'ዮም።