ሓንቲ ከተማ ካናዳ ግን፡ ነቲ ሓደ በዓል ስልጣን “ጕዳይ ዓሰርተ ዓመት” ዝበሎ መዓስከራት ዳስ ኣብ ክንዲ ምእጋድ ብዝተፈለየ ኣገባብ ክትኣልዮ ትጽዕር። ኣንድሪው ጉድሰል፡ ኣብ ማእከል ከተማ ሃሊፋክስ ኣብ ዝርከብ ሳዕሪ ዝበዝሖ ቦታ ንእሽቶ ዳስ ተኺሉ ምንባር ካብ ዝጅምር ኣስታት ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ። እዚ ወዲ 38 ዓመት መንእሰይ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ካልኦት ኣስታት 12 ዝዀኑ ግዳም ሓደር ኣለው። እቲ ዘሕልፉዎ ህይወት ግን ኣዝዩ “ዘጨንቕ” ብምባል ይገልጾ።
“ኣብ ዘይደልዮ ከባቢ’የ ዝነብር ዘለኹ” ዝብል ጉድሰል ወትሩ ንግሆ ብድምጺ ወሓዚ ሩባን መካይንን ከም ዝትንስእ ይዛረብ።
“ኣብ ክንድኡ ሰብነተይ ክሕጸበሉ ምናልባት’ውን ንነብሰይ መግቢ ሰሪሐ ከቕርበሉ ኣብ ዝኽእል ቦታ’የ ካብ ድቃሰይ ክበራበር ዝመርጽ” ኢሉ።
እዚ ውልቀሰብ ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ቀዋሚ መንበሪ ገዛ የብሉን።
ኣብ ሓደ እዋን ክራይ ገዛ ንምኽፋል ዘኽእሎ ትሑት ደሞዝ ዝረኽበሉ ስራሕ ነይርዎ።
ኣብታ ከተማ፡ ክራይ ገዛ ክኸብር ምስ ጀመረ ግን ክነብረሉ ዝኽእል ቦታ ዝረኽበሉ ዓቕሚ ክጽገም ጀሚሩ።
እቲ ሕጂ ዝነብረሉ ዘሎ ከባቢ፡ ሓደ ካብቶም ምምሕዳር እታ ከተማ መንበሪ ገዛ ዘይብሎም ሰባት ብሕጋዊ መገዲ ዳሰ ተኺሎም ክነብሩ ዝመረጾም ትሽዓተ ቦታታት እዩ።
እዚኦም፡ ከም ግዝያዊ መፍትሒ ተባሂሎም ዝተመርጹ ኰይኖም፡ ገዛ ካብ ዓቕሚ ብዙሓት ንላዕሊ ይኸውን ብምህላው ዘላቒ ፍታሕ ከም ዘድሊ ይግለጽ።
ኣብ ካናዳ፡ ብርክት ዝበላ ከተማታት ዝውስኽ ዘሎ ብዝሒ ግዳም ሓደር ሰባት የሻቕለን ኣሎ።
ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ፖሊስ እቶም ግዳም ሓደር ዘቝምዎም ግዝያዊ ቴንዳታት ብሓይሊ’ዮም ዘፍርሱ።
እቲ “ምጽራይ ጐደናታት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስጕምቲ ጐነጻውን ነቲ ቅልውላው ኣባይቲ ኣብ ምፍታሕ ውጽኢታዊ ከምዘይኰነን ይንቀፍ።
ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 ጀሚሩ ገዛ ኣልቦነት እናዓበየ መጺኡ ኣሎ።
ካሊፎርንያ ካብ 2021 ጀሚራ ልዕሊ 12 ሽሕ ግዝያዊ ቦታታት እዞም ግዳም ሓደር ክትኣሊ ክኢላ።
ከም በዓል ፍሬስኖ፡ ካሊፎርንያን ግራንትስ ፓስን ከምኡ’ውን ኦሪገን ዝኣመሰላ ከተማታት ድማ፡ እዞም ቴንዳታት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ከይትከሉ ምሉእ ብምሉእ ኣጊደን።
ነዚ ስጕምቲ ዝድግፉ ኣካላት፡ እቶም መዓስከራት ናብ ስርዓት ኣልቦነት ከም ዘምርሑን፡ ሰባት ካብ ጐደናታት ንምእላይ ምወላ ክግበር ከም ዘለዎን ይዛረቡ።
ካብቶም ከተማ ሃሊፋክስ ንዝወሰደቶ ስጕምቲ ዝነቕፉ፡ ገሊኦም ኣብቶም ቴንዳታት ዝነብሩ ሰባት እዮም።
እዚኦም፡ ጸጋታት እቲ ምምሕዳር ርትዓዊ ዋጋ ዘለዎ ኣባይቲ ኣብ ምቕራብ ክውዕል ከም ዝደልዩ ይዛረቡ።
ጉድሰል፡ “ካናዳ ሓንቲ ካብተን ሃብታማትን ጽቡቓትን ሃገራት እያ። ሰፊሕ መሬት ኣለና፤ ሰፊሕ ጸጋ ኣለና። ግን ሓንቲ ካብተን ስሱዓት ሃገራት እያ ትኸውን ዘላ” ኢሉ።
ሃሊፋክስ ሓዊሱ ሓያሎ ከተማታት ካናዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንመዓስከራት ገዛ ዘይብሎም ሰባት ንምውጋድ’ኳ እንተፈተና፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቤት ፍርዲ ኣብ ብሪቲሽ ኮሎምብያን ኦንታርዮን ዝሃቦ ውሳነታት ግን፡ ግቡእ ገዛ እንተዘይተረኺቡ፡ እቶም ገዛ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ደገ ክዓርፉ ከም ዝኽእሉ ይሕብር።
ብኣንጻሩ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ሰነ፡ ከተማታት ገዛ ንዘይብሎም ሰባት ክቐጽዓን ክኣስራን ከም ዝኽእላ ወሲኑ።
ነዚ ስዒቡ፡ ካሊፎርንያን ኦሪገንን ዝዀነ ቴንዳ ግዳም ሓደር ከይግበር ኣጊደን።
ነዚ ጕዳያት ዘጽንዐ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ፕሮፌሰር ሕጊ ዝዀነ ስቴፓን ዉድ፡ ኣብ ካናዳ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣገባባት ፈሺሉ’ዩ ዝብል ርድኢታት እናዓበየ ይመጽእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
“ክሳብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ ኣገባብ ግዳም ሓደር ክጠፍኡ ገይሩ’ዩ፤ ሕጂ ግን እዚ ነቲ ጸገም ከም ዘይፈትሖ ዝክሓድ ኣይኰነን።”
ሃገራዊ መረዳእታ ካናዳ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራይ ኣብ መላእ ሃገር 235 ሽሕ ገዛ ዘይብሎም ሰባት ክህልው ከም ዝኽእሉ ይግመት ይብል።
ክኢላታት ግን እዚ ኣሃዝ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ።
ኣብ ካናዳ ዘሎ መጠን ግዳም ሓደር ሰባት፡ ልዕሊ ኣብ ኣመሪካን ዓዲ እንግሊዝን ከም ዝዀነ መረዳእታታት ይሕብሩ።
ብደረጃ ዓለም ኣብ ብዙሓት ከተማታት ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝሒ ገዛ ኣልቦ ሰባት ወሰኽ ተራእዩ’ዩ።
ከተማ ሃሊፋክስ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣትላንቲክ ካናዳ እትርከብ ዝዓበየት ከተማ ኰይና ኣስታት 518 ሽሕ ህዝቢ ይነብረላ።
ኣብ 2018፡ 18 ሰባት ጥራይ ኣብ ግዳም ከም ዝነበሩ ዳይረክተር ኣባይትን ገዛ ኣልቦነትን ሃሊፋክስ ማክስ ቻውቪን ገሊጹ።
ሕጂ ልዕሊ 200 ኰይኑ ኣሎ።
ሃሊፋክስ ትሽዓተ ግዝያዊ መዓስከራት ግዳም ሓደር ከተጽድቕ እንከላ፡ ኣብዚ እዋን እተን ሓሙሽተ ጥራይ እየን ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ።
ነፍሲ ወከፈን ድማ ኣስታት 12 ሰባት ክሕዛ ይግባእ፤ እንተዀነ መብዛሕትአን ልዕሊ ዓቕሚ የጽልላ ኣለዋ።
እታ ከተማ ተንቀሳቐስቲ ሽቓቓት ኣዳልያ፤ ሰሙናዊ ድማ ማይ ዝዕድሉ ሰራሕተኛታት ቈጺራ ኣላ።
እታ ከተማ፡ መንግስቲ ህንጸት ብርትዓዊ ዋጋ ክቐርቡ ዝኽእሉ ኣባይቲ ክጅምር ትጽቢት ትገብር።
ግዝኣት ኖቫ ስኮትያ ካብ 1995 ጀሚራ ዝዀነ ሓድሽ ናይ ህዝቢ ኣባይቲ ኣይሃነጸትን።
ክሳብ ሽዑ ግን “እቲ ሕቶ፡ 'ሰባት ናበይ ክኸዱ እዮም?' ዝብል ይኸውን" ይብል ቻውቪን።
“ሓደ ካብቲ ዝዓቢ ዘሎ ቤት ኣልቦነት፡ ክራይ ገዛ ንምኽፋል እኹል ገንዘብ ዘይብሎም ሰባት ዘስዓቦ’ዩ። እዚ ድማ ሓድሽ’ዩ” ብምባል፡ እዞም፡ ኣባጽሕ፡ ተምሃሮን ምሉእ ስድራቤታትን ዘጠቓለሉ’ዮም ኢሉ።
ቻውቪን ብተወሳኺ ንኣእምሮኣውን ኣካላውን ጸገማት ዘለዎም ሰባት ተበጻሒ ዝዀነ ክንክን ጥዕና ከም ዘየለ ይጠቅስ።
ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ከንቲባ እታ ከተማ፡ ዝስዓረ ወገን እቲ ዝውስኽ ዘሎ ምስፋሕ ቴንዳታት ግዳም ሓደርን ዘይሕጋዊ ቦታታትን ከወግዶ ድዩ ዝብል ኣገዳሲ ዛዕባ ነይሩ።
ትሪሽ ፑርዲ ዝተባህለት ኣባል ባይቶ እታ ከተማ፡ ኣብታ ግዝኣት ቀሪቡ ዝነበረ ሓሳብ ምእላይ ቴንዳታት ግዳም ሓደር ገበንን ኣጠቓቕማ ዕጸፋርስን ከስዕብ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ምስ ተሰምዐ ክተርፍ ከም ዝተገብረ ተዛሪባ።
እቲ ጉዳይ ብማሕበራውን ሞራላውን መዳይ ዝተሓላለኸ ምዃኑ’ኳ እንተኣመነት፡ ሰባት ኣብ "ዘስካሕክሕ ኵነታት" ክነብሩ ምፍቃድ ግን "ርህራሀ” ኣይኰነን ኢላ።
ሓደ ኣብ ዳርትማውዝ ኣብ ዝተደኰነ ቴንዳ፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝነብሩ ሰባት ዘይምርድዳእ ክስዕብ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።