ኩነታት ናይታ ትማሊ ሓድሽ ግዝያዊ ፕረዚደንት ዝተመዘዘላ ትግራይን ጉዳይ ኣፍደገ ባሕርን ካብቶም ዓበይቲ ዛዕባታት ናይቲ ኣኼባ'ዮም ነይሮም።
"ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ንምርግጋጽ ዲፕሎማስያዊ፡ ሕጋዊን ሰላማዊን መንገድታት መሰረት ብምግባር ዝተጀመረ ሰራሕ በቲ ዝተጀመሮ ረስኒ ክቕጽል ዘኽእል መምርሒ" ከምዝተወሰነሉ እቲ ብረቡዕ ዝወጸ መግለጺ ናይቲ ቤት ምኽሪ የመልክት።
"ናይ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ተሰማዕነት ዘዕቢ ዲፕሎማስያዊ ፍረ እናወሰኸ መጺኡ'ሎ" ብምባል ድማ እታ ሃገር ንዞባዊ ርግኣትን ሰላምን ክትሰርሕ ምዃና ይእምት።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ከተካይዶ ዝጸንሐት ፈተነታትን ክትህቦም ዝጸንሐት መግለጺታትን ዲፕሎማስያዊ ምትፍናንን ወጥርን ምስዓቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ገማግም ወሽመጥ ዓደን፡ ወደብን ወተሃደራዊ መዓስከርን ክትረክብ ዘኽእላ ሰነድ ምርድዳእ ምስ ሶማሊላንድ ምፍራማ ነቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ መንግስቲ ከምዘቖጥዐ ይዝከር።
እቲ ሓያል ተቓውሞ ዝገጠሞ ስምምዕ ንልኡላውነት ሶማልያ ዝዳፈር'ዩ ዝበለት ግብጺ፡ ንሞቓድሾ ንምድጋፍ ወተሃደራዊ ስምምዕ ክትፍርም ኣገዲዱ'ዩ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ዝተፈረመ "ስሉሳዊ ስምምዕ ኣስመራ" እውን ንጥሙሕ ድልየታት ኢትዮጵያ ንምግታእ ዝዓለመ ምንባሩ ይፍለጥ።
ብሰንኩ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ዝነበረ ዝምድና ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ ነይሩ። ብመንጎኝነት ቱርኪ ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣንካራ'ዩ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ኣንፈት ከርኢ ጀሚሩ።
ኤርትራ ብወገና ብዛዕባ ኣፍደ ቀይሕ ባሕሪ ክቐርብ ንዝጸንሐ መግለጺታትን ምጉትን ኢትዮጵያ ክትቃወሞ ጸኒሓ'ያ።
እቲ ጉዳይ ነቲ እናሓርፈፈ ዝመጽእ ዝነበረ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናብ ዳርባ ቃላትን ወጥርን ከምርሕ ገይሩዎ'ሎ።
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ንኩነታት ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ "ዋላ'ኳ ብሰንኪ ናይ ሓደሓደ ወገናት ክፉእ ዕላማ ህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሰላም መሊኡ ክረክብ እንተዘይክኣለ" እቲ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ግጭት ብሰላም ምፍትሑ "እፎይታ ክረክብ ኣኽኢልዎ'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን'ውን ሓይልታት መንግስቲ "ሕጊ ናይ ምኽባር" ስርሒታት የካይዱ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።
"ህዝቢ ናይ ሰላም ወናኒ ክኸውን ጀሚሩ'ሎ። ክልላዊ መሓዉራት ጸጥታ ይሕይሉ ኣለዉ። ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት'ውን ብዝተመደበሎም ኣገባብ ክፍጸሙ ጀሚሮም ኣለዉ"።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ብምውራጽ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝፈጠረ ይግለጽ።
ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ሓይልታት ናብ ሰላማዊ መድረኽ ክምለሱ ዝጸውዐ እቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ "መንግስቲ ንሰላማዊ ልዝብ ሎሚ'ውን ድሉው ምዃኑ ደጊምና ነረጋግጽ" ክብል ተማሕጺኑ።