ኣብ ኤርትራ 'ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ' ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ዓርቢ 24 ግንቦት 2024 ልክዕ ሰዓት 12፡32 ኣብ መላእ ሃገር መርበብ ኢንተርነት ከምዝተገብረ መንግስቲ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

እቲ ካብ ደገ ዝተፈነወ ዝበሎ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ “ሳላ ኣብ ሰዓቱ ዝተወስደ ቅጽበታዊ ግብረ-መልስን ምክልኻልን፡ መርበብና ብዘይጉድኣት ከይተዓናቐፈ ልሙድ ስርሑን ኣገልግሎቱን ክህብ በቒዑ’ሎ’” ኢሉ።

ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ወግዓዊ ጽንብል ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐጥታ ከምዝተመሓላለፈ ይዝከር።

ብመን ከምዝተፈነወን፡ ነየኖት ትካላት መንግስቲ ዒላማ ከምዝገበረን ግን እቲ መግለጺ ኣየነጸረን።

“ናይ’ዚ መጥቃዕቲ’ዚ ኣበገስቲ፡ ሃንደስትን ኣተግበርትን ካብ ዓይኒ መንግስቲ ኤርትራ ስዉራት ስለዘይኰኑ፡ ዝርዝራቱ ኣብ ሰዓቱ ክግለጽ’ዩ” ክብል እቲ መንግስቲ ኣሚቱ'ሎ።

ዝርግሐ ኢንተርነት

ብመሰረት ዓለማዊ ስታትስቲክስ ዝርግሐ ኢንተርነት፡ ኣብ 2022 ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 290 ሽሕ ተጠቀመቲ ኢንተርነት ኣለው፤ እዚ 8% ሚእታዊት ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ኤርትራ ካብተን ኣብ ዓለምና እቲ ዝተሓተ ዝርግሐ ኢንተርነት ዘለዋ ኮይና፡ እቲ ዝርግሐ 1.2 ሚእታዊት ጥራይ ዝሽፍን'ዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሞባይል ቴሌፎን (ዳታ) ክሳብ ሕጂ የለን።

ኤርትራ ካብ ዓለም ዝኸበረ ክፍሊት ኣገልግሎት ብሮድባንድ ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር ምዃና'ውን ኬብል ዩኬ ዝተብሃለ ትካል ምርምር ተጠቀምቲ ቴለኮም ዝዘርግሖ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ ኤርትራ፡ ወርሓዊ ዋጋ ብማእከላይ ገምጋም 2,666.24 ዶላር (39,997.64 ናቕፋ) ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።