ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ካልጋሪ፡ ብሞት ኣዶናይ ተኽለ ዓሚቝ ጓሂኦም ገሊጾም

ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ካልጋሪ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ኣብቲ ማሕበረኮም ከም ህዝባዊ ርክባት ኰይኑ ዘገልግል ዳኒኤል ዕቝባት፡ ብሓፈሻኡ ኣብ ኵሎም ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሕልፊ ድማ ኣብ ስድራቤት መዋቲ ዓሚቝ ሓዘን ከም ዝፈጠረ ገሊጹ።

"ከም ሕብረተሰብ ኣዝዩ ጐዲኡና። ኣዝዩ ከቢድ ሓዘን እዩ። ኣብዚ ክልተ ዓመት ብኸምዚ ዝኣመሰለ መንገዲ መንእሰያት ህይወቶም ክንስእን ጸኒሕና ኢና። ኵሉ ሰብ ክሳብ ክንደይ ከም ዝጐሃየን ከም ዝተረበሸን ንምግላጽ ቃላት የብለይን፡" ኢሉ።

ኣዳም ዝተባህለ ምስቲ ስድራቤት ቅርበት ዘለዋ ከኣ፡ "ኣዶናይ ሕያዋይ ሰብ እዩ ነይሩ፡" ይብል'ሞ፡ "ኣዝዩ ፈቃር፡ ለጋስን ጽፉፍን መንእሰይ" ከም ዝነበረ ብምምስካር፡ ንስድራቤቱን ማሕበረሰቡን ሓጋዚ ምንባሩ ይዛረብ።

ኣብቲ ባእሲ ምስ ተሃርመ ብታክሲ ናብ ገዛኡ ተወሲዱ ክሳዕ ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ሆስፒታል ብዘይምኻዱ፡ ቤተሰብን ፈተውትን ኣዶናይ ከም ዝተረበሹ ዳኒኤል ዕቝባት ይገልጽ።

"ኣምቡላንስ ንምርካብ ናብ 911 ብምድዋል ህይወቱ ከድሕኑ ይኽእሉ ነይሮም፡" ይብል። "እንተዀነ ካልእ ክገብሩ መሪጾም፡" ይውስኽ።

ኣብ ልዕሊ'ቶም ምሸት ምሸት ዝካየዱ ድግሳት (ዘጋጥሙ ባእሲታት) ግቡእ ስጕምቲ ዘይምውሳዱ፡ እቶም ስድራቤት ጓሂ ከም ዝተሰምዖም'ውን ወሲኹ ይገልጽ።

"መንግስቲ ወይ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰበስልጣን ኣብዚ ጉዳይ ኢዶም ከእትዉን ነዚ ጸገም ፍታሕ ከምጽእሉን ኢና ንደሊ። እንተዘይኰይኑ፡ መንእሰያት ምስኣን ክንቅጽል ኢና።"

"እዚ ድማ ንደልዮ ነገር ኣይኰነን፣ በቃ ይኣክል፡" ዝበለ ዳኒኤል፡ "ናብዚ ንምብጻሕ ብዙሕ ኢና ኣሕሊፍና። ሰለማዊ ናብራ ንምምራሕ ኢና ናብዚ መጺእና። ናብዚ ዝመጻእኩ ንኽመውት ኣይኰንኩን፡" ይብል።

ስድራቤት ኣዶናይ ካብ ኤርትራ እዮም ናብ ካልጋሪ ካናዳ ተሰዲዶም። ኣዶናይ ከኣ ሕንሳስ-ልደ ናይታ ስድራ እዩ።

ኣደኡ ማእዛ ንኣዶናይ ወዳ ፍቑር ውላድ ምንባሩ፣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ጐድና ጠጠው ከም ዝብልን ሓጋዚ ስድራኡ ከም ዝነበረን ትገልጽ።

ኣደኡ ምስ ሲቢሲ ኒውስ ቃለመሕትት ከተካይድ እንከላ ዝትርጕመላ ዝነበረ ወዳ ዳን ተኽለ ድማ፡ "ኣዶናይ ነቲ ባእሲ ደው ከብል ናብቶም ዝበኣሱ ዝነበሩ ኣትዩ። ሰናይ ተግባር ክገብር እዩ ዝፍትን ነይሩ፡" ድሕሪ ምባል፡ ካብ ንነብሱ ንኻልኦት ዘቐድምን ኵሉ ሳዕ ክሕግዝ በሃላይን ከም ዝነበረ ይምስክር።

ቀጺሉ ኣዶናይ፡ ሰባት በቲ ሰናይ ግብሩ ክዝክሩዎ ከም ዝደሊ ብምግላጽ፡ ኣዶናይ ንዓኡ ኵሉ ሳዕ ይከናኸኖን "ከም ኣቦ" ከም ዝነበረን የረጋግጽ።

ዳይረክተር ማሕበር 'ኢምግረሽን ኣውትሪች' ኣዳነሽ ሳህለ ንሲቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሞት ኣዶናይ ኣብ መላእ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ካልጋሪ ሓዘን ከም ዝፈጠረ ገሊጻ።

"ከምዚ ዝበለ ሃንደበታዊ ክሳራ ከጋጥመካ ከሎ፡ ብሓቂ ልብኻ ዝሰብር እዩ፡" ትብል።

ቀጺላ፡ "ኣብ ባህልና ምስ ስድራቤት ሓቢሩ እዩ ዝሓዝን። ከም ሕብረተሰብ ብኸምኡ ኣገባብ ኢና ንሓዝን፡" ብምባል ተብርህ።

ትማሊ ሰንበት ፖሊስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ'ዚ ሞት ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ክሲ ከም ዝመስረተ ሓቢሩ። እዚ ወዲ 24 መንእሰይ ንጽባሕ ሰሉስ ናብ ቤት-ፍርዲ ክቐርብ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።