ብሪጣንያ፡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ዝቕመጥሉ ሆቴል ኣልዒልዎ ዘሎ ክትዕ እንታይ እዩ?

ኣብ ግሬተር ማንቸስተር ቤት ምኽሪ ከባቢ ትራፎርድ ንጕጅለ ተቓዋሚ ዓቃባውያን ዝመርሕ ናታን ኢቫንስ፡ "ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታት ድሕነት" ከም ዘሎን፡ እቲ ብሰልፊ ዕዮ ዝምራሕ ምምሕዳር “ነዚ መሳለጥያ ብህጹጽ ክዕጾ ጸቕጢ ክገብር” ከም ዝጠልቡን ገሊጹ።

እቲ ውሳነ ብቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ዝተወሰነ ዝገልጽ መራሒ ቤት ምኽሪ ቶም ሮስ፡ ምምሕዳር እቲ ከባቢ "ንብድሆታት ኣባይትን መስርሕ ዑቕባን ዝያዳ ቀዋሚ ፍታሕ ክረክብ” ዝገብሮ ጻዕሪ ከም ዝቕጽል ተዛሪቡ።

ኣብታ ሃገር ክቐርብ ዝጸንሐን ንዓመታት ዝተኣከበን ሕቶታት ዑቕባ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ዝጐደለ ክግለጽ እንከሎ፡ ክሳብ ሰነ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 97 ሽሕ ሰባት ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣስታት 175 ሰባት ኣብ ቤተክርስቲያን ኣልትሪንቻም ሜቶዲስት ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ተረኺቦም፡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ሆቴል ክረስታ ኮርት ይነብሩ ምህላዎም ዝምልከት ዘትዮም።

ብቢቢሲ ዝምወል ‘ሎካል ዲሞክራሲ ሪፖርቲን ሰርቪስ’ ዝተባህለ ተበግሶ ናብታ ከተማ ምስ በጽሐ፡ ኣባላት ጸጥታ ምስቶም ሓደስቲ ናብቲ ሆቴል ዝኣተው ሓተትቲ ዕቝባ ዝዘራረብ ሰብ ከይህሉ ክገብሩ ከም ዝፈተኑ ይጠቅስ።

እንተዀነ ሓደ ካብኣቶም ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኤርትራ ከም ዝመጽአን ብጃልባ ብመትረብ እንግሊዝ ከም ዝሰገረን ገሊጹ።

"እንተዝኽእል ኣብዚ ክሰርሕ ደስ ይብለኒ፤ ንዝዀነ ሰብ ክጐድእ ኣይደልን’የ” ኢሉ።

ክሳብ 11 ሕዳር 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ 32 ሽሕን 900 ሰባት ብመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም። ኣብ 2023 ብሓፈሻ 29 ሽሕን 437 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝኣተው ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ መጀመርታ ነሓሰ 2024፡ ኣብ ሓያለ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ’ቲ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝነብሩሉ ሆቴላት መንበሪ ኣባይቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ምኽንያት ከም ዝዀነ ይዝከር።

ከተማታት ሮተርሃም፡ ሚድልስብሮ፡ ቦልተንን ካልኦትን እተን ናዕቢ ዝተራእየለን እየን ነይረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ብሰንበት ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቶም ኣብዚ ናዕቢ ዝተሳተፉ ሰባት መጠንቀቕታ ብምሃብ ብተግባራቶም "ክጣዓሱ እዮም" ክብል ተሓንዩ ነይሩ።

"ኣብዛ ሃገር ዘለዉ ሰባት ውሕስነት ክረኽቡ መሰል ኣለዎም፤ እዚ ኰይኑ ግን ማሕበረሰባት ኣስላም ብፍሉይ ዒላማ ክዀኑ፡ ኣብ ልዕሊ መሳጊድ መጥቃዕቲ ክፍጸሙ ርኢና ኢና" ምባሉ ይዝከር።

‘ኣዝዩ ዘጨንቕ’

ነበርቲ ከተማ ኣልትሪንቻም፡ ን‘ሎካል ዲሞክራሲ ሪፖርቲን ሰርቪስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ዝተፈላለየ ርእይቶታት’ዮም ኣንጸባሪቘም።

ሱ ዝተባህለት ጓል 45 ዓመት ነባሪት እታ ከተማ፡ “እዞም ሰባት ኣብ ዝዀነ ቦታ ክነብሩ ኣለዎም፤ ካብ ዕግርግር ክሳብ ዝርሓቑ ጸገም የብለይን” እኳ እንተበለት ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዕድላት ስራሕ ክጽሎ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዋ ተዛሪባ።

"ኣብ ኣልትሪንቻም ሰባት ገንዘብ ከፊሎም ክሓድርሎም ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ክፍልታት ዝነበሮ ሆቴል ሕጂ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላማ ይውዕል ምህላው የሕፍር’ዩ” ኢላ።

ካልእ ወዲ 59 ዓመት ነባሪ እታ ከተማ ዝዀነ ፖል፡ "ኣብዚ ኣዝዩ ዘሕርቕ ነገር እንተሃልዩ፡ ስእነት ሓበሬታ'ዩ። እዚ ኣዝዩ ተሃዋሲ ኵነታት ምዃኑ ይርድኣኒ’ዩ፤ እንተዀነ ሰባት ኣብ ስግኣት ክነብሩ ምግባር ጽቡቕ ኣይመስለንን፤ ኣደይ ኣብ ጥቓኡ’ያ ትነብርን ኣዝያ ትሻቐልን” ኢሉ።

ተመሳሳሊ ስክፍታ ከም ዘለዎ ዝገለጸ ወዲ 62 ዓመት ፒት ብወገኑ፡ "ብዙሓት ሰባት ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም [እቶም ሓተትቲ ዕቑባ] ብዓይኒ ጥርጣረ’ዮም ዝርእይዩዎ። ስለምንታይ ስድራ ዘይብሎም? ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ካልእ ነባሪ ከተማ ኣልትሪንቻም ዴቭ ግን፡ “ምክእኣልን ምርድዳእን” ክህሉ ይምሕጸን።

“ጸገማት ኣይነበረን፤ እቲ ዘሻቕለና ጕዳይ እቶም ሓተትቲ ዕቑባ ኣይኰኑን። እኳ ደኣ እቶም ተሓለቕቲ የማናውያን መጺኦም ዘየድልዩ ነገራት ክገብሩ፡ ጸገማትን ጽልእን ከለዓዕሉ ይኽእሉ’ዮም ዝብል እዩ” ዝብል ዴቭ፡ ብምምጻእ እቶም ሓተትቲ ዕቝባ “ዝሰግኡ ጐረባብቲ ኣለውኒ፤ ግን ክሳብ ክንድኡ ክሻቐሉ ዘለዎም ኣይመስለንን” ኢሉ።

በዓልቲ ቤቱ ጄን ብወገና፡ "እቲ ገንዘብ ኣብ ሆቴላት ንምቕማጥ ካብ ዝጠፍእ እቲ ግዜ ናይ ዕቝባ ሕቶታት ኣብ ምስላጥ ከነውፍሮ ዝግባእ ይመስለኒ” ኢላ።

ሚስተር ሮስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ሆቴላት ምጥቃም ናይ ነዊሕ ግዜ መልሲ ከምዘይኰነ ከምዝተገንዘበ ገሊጹ።

እቲ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ግን ሰልፉ "[ካብቲ ዝሓለፈ ምምሕዳር ዓቃባውያን] ዝተሰብረ ስርዓተ ዕቝባ ወሪሱ፡ ነቲ እታ ሃገር ዘጋጥማ ዘሎ ሰፊሕ ድሕረት ንምግጣም ቅልጡፍ መፍትሒ የለን" ኢሉ።

መራሒ ቤት ምኽሪ እታ ምምሕዳር ቶም ሮስ፡ መንግስቲ ሆቴላት ምጥቃም ናይ ነዊሕ እዋን ፍታሕ ከም ዘየምጽእ ከም ዝግንዘብ ገሊጹ።

ኣባል ባይቶ ሌበር ዝዀነ ሮስ፡ እቲ ሰልፊ “ነቲ ስርዓት ሓተትቲ ዕቝባ ካብቲ ዝሓለፈ መንግስቲ [ዓቃባዊ ምምሕዳር] እዩ ወሪስዎ። እዚ ከኣ ጸገማት ዝነበሮ ብምዃኑ ምስቲ እታ ሃገር ተሰኪማቶ ዘላ ብዝሒ ሕቶ ዕቝባ ቅልጡፍ ጽገና ንምግባር ዘኽእል ኵነታት የለን” ይብል።

ይዅን’ምበር፡ ምምሕዳር ትራፎርድ ምስ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ካልኦት ምምሕዳራት ከባቢን ማሕበረሰባትን ከምኡ’ውን ምስቲ ብደረጃ ሃገር መንበሪ ሓተቲ ዕቝባ ዘመሓድር ኵባንያ ሰርኮ ይሰርሑ ከም ዘለው ገሊጹ።

ንመትረብ እንግሊዝ ዝሰግሩ ዘለው ስደተኛታት መን'ዮም?

ኣብዚ ዓመት፡ ክሳብ ሰነ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ብብዝሒ ብመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው ስደተኛታት ኣፍጋኒስታናውያን እዮም።

ኢራናውያን ብኻልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ኰይኖም፡ ካብ ኤርትራ፡ ቬትናምን ቱርክን ዝመጽኡ ይስዕቡዎም።

ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ብንኣሽቱ ጀላቡ ካብ ዝሰገሩ 80 ሚእታዊት ስደተኛታት መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ'ዮም።

ኣስታት 40 ሚእታዊት ናይዚኦም ዕድመኦም ካብ 25 ክሳብ 39 እዮም።

ዓለምለኸ ትካል ስደት [ኣይኦኤም] ካብ 2014 ጀሚሩ ንብዝሒ ብመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝሞቱ ሰባት ክከታተል ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ 2024 ልዕሊ 50 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ እዚ ድማ ኣሃዛት ምምዝጋብ ካብ ዝጅምር ኣብ ዝዀነ ዓመት ዝተመዝገበ ዝለዓለ ምዃኑን ይገልጽ።

እቲ ትካል ካብ 2018 ክሳብ 12 ሕዳር 2024 ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብውሕዱ 214 ስደተኛታት ከም ዝሞቱን፡ ካብዚኦም እቶም 107 ከም ዝጠሓሉ ከም ዝፍለጥን ሓቢሩ።

ኣብ ሕዳር 2021፡ ሓንቲ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ብውሕዱ 27 ስደተኛታት ሞይቶም፤ እዚ ድማ ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ ሓደ ፍጻመ ዘጋጠመ ዝበዝሐ ሞት እዩ።