ኤርትራ፡ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለኣ ካበይ ናበይ?

ንሱ ድማ ኢንዱስትሪያዊ ዓቕሚ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝነበሮ ተወዳዳርነት ልዑል ከምዝነበረ ይዝተየሉ።

ንኣብነት እንዳ ካሽያኒ፣ እንዳ ደናዳይ፣ እንዳ ባራቶሎ፣ እንዳ መሎቲ፣ እንዳ ሚረንጊን እንዳ ደሮሲን ዝኣመሰሉ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኤርትራ ዝተተኽሉ ፋብሪካታት ኵሎም ምስ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝተኣሳሰሩ - ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለታት ነይሮም።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እዚ መግዛእታዊ ሓይሊ ዘተኣታተዎ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ንቍጠባ ኤርትራ ክብ ኣቢሉዎ ነይሩ።

ዕዳጋ ፈጢሩ ንደቀባት ብደሞዝ ኣብ ስራሕ ዘሳተፈ፡ ንብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ካብ ክድምና ኣገላጊሉ ኣብ ንኣሽቱ ዋኒናት ምውናን ዘብጽሐ፡ ትሕተ-መዋቕራት ሰሪሑ ምንቅስቓሳት ህዝቢ ዝፈጠረ፡ ትካላት ብምህናጽ (ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብያተ ሕክምና፡ ህንጻታት ኣብያተ-ጽሕፈታት፡ ሆቴላት፡ ጽርግያታት) ዕድላት ስራሕ ዝኸፈተ፡ ብሓጺሩ ኣብ ህይወት ዜጋታት ዓይነታዊ ለውጢታት ከም ዘተኣታተወ ይእመን።

ብዙሕ ኤርትራዊ ድማ ኣብ'ዘን ፋብሪካታት ተክኒካዊ ክእለትን ናይ ስራሕ ዲስፕሊን ኣጥርዩ።

ዝዓነው ፋብሪካታት ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

እዚ ኣብ ቦታኡ እናሃለወ፡ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ኤርትራ ምስ መግዛእቲ ዝተኣሳሰረ ጕዳይ ስለዝነበረ ጣልያን ንህዝቢ ኤርትራ ደንጊጾም ዘይኰነስ ንዕኦም ክጥዕሞም ኢሎም ዘተኣታተዉዎ ምዕባለ ከም ዝነበረ ክኢላታት ይሕብሩ።

ይዅን’ምበር ሓደ ዘይክሓድ ሓቂ፡ ጣልያን ንኤርትራ ከም ግዝኣቶም ጥራይ ዘይኰነትስ ከም መሬቶምን እንዳዓለ’ቦኦምን ገይሮም ይርእይዋ ስለ ዝነበሩ ንረብሓኦም ክብሉ ተገዲሶም ብክንክን የማዕብልዋ ከምዝነበሩ እዩ ዝዝንቶ።

ረብሓታት ከኣ ረኸቡላ፣ ብተዛማዲ ድማ ኤርትራውያን ነቲ ዝተኣታተወ ልምዓትን ረብሓታትን ብዝተወሰነ ደረጃኡ ተጠቕምሉ።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ተመራመርቲ ታሪኽ - ከም ተኸስተ ነጋሽ፡ የማነ ምስግና፡ ዘምህረት ዮውሃንስ ዝኣመሰሉ ንኣበሳታት መግዛእቲ ጣልያን ብሰፊሑ ገሊጾም እዮም።

ሓጺር ድሕረ-ባይታ

ፍያት

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኤርትራ ካብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን ተገላጊላ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ምስ ኣተወት መጻኢ ዕድላ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይዝተየሉ ነበረ። እቶም ሽዑ ዝቐረቡ ኣማራጺታት ግን ንኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ዘሕብርዎም ንሓድሕዶም ኣተፋነንዎም።

ሓደ ካብቶም ንኤርትራውያን ናይ መጻኢ ዕድሎም ንምውሳን ዘሰሓሓበ ምርጫ ኤርትራ ብጣልያን ዳግም ትመሓደርዶ/ኣይትመሓደር ዝብል ኰይኑ ምስ ጣልያን ዝወገኑ ዓበይቲ ጕጅለታት ሓቢሮም ይጕስጕስሉ ነበሩ።

እቲ ቀዳማይ በቲ ኣብ ሮማ ዝተተኽለ ሓድሽ መንግስቲ ጣልያን ይድፍኣሉ ዝነበረ፡ ኤርትራ ክሳዕ ሓደኡ ትኸውን ብሞጕዚነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትናበ ዝብል ነበረ።

እቲ ካልኣይ ድፍኢት ድማ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ማሕበረ-ኮማት ጣልያን ዝነቐለ ጠለብ ነበረ። ኣብቲ ዘመን’ቲ ማዕረ 13 ሽሕ ዝቝጽሮም ኣብ ኤርትራ ዘንቈሩ ገደይም ዜጋታት ጣልያን፡ 11 ሽሕ ኣብ ኤርትራ ዝተወልዱ ጣልያን፡ 15,000 ሓናፍጽ ዜጋታት፡ 17 ሽሕ ኤርትራውያን ኣንስቲ ጣልያን ከም ዝነበሩ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ተሰኒዱ ንረኽቦ። ድልየት ናይዚ ግዙፍ ተደናግጾ ጣልያን ዝነበሮ ማሕበረ-ኮም ኤርትራ ብጣልያን ንኽትመሓደር ነበረ።

እቲ ሳልሳይ ከኣ ብ35 ሽሕ ዝቝጽሮም ተወሰኽቲ ደቀባት ተደናገጽቲ-ጣልያንን፡ ዓሳክር ጣልያን-ነበርን ዝቘመ ጕጅለ ነበረ። ምኽንያቱ፡ ብዙሓት ብጣልያን ተቘጺሮም ዝነብሩን ማሃያ ጥሮታኦም ንከይተርፎም ዝትስፈዉ ሰባት ነበሩ። ካብዚኦም ብበዝሒ ኣስላም ዝርከብዎም ኰይኖም፡ እቲ ካልእ ምኽንያት ከኣ ክርስትያን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንኽሕወሱ ባህጊ ስለ ዝነበሮም ኣስላም ኤርትራ ኣብ ስክፍታ ኣትዮም ስለ ዝነበሩ’ዩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብቲ ብማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝጀመረ ምንቅስቓስ ምስ ኢትዮጵያ ዝደናገጹ ኣባላት ኣትዮም ዕላማን መንገድን ናይቲ ማሕበር ክቕይር ምስ ደፋፍእዎ እቲ ማሕበር ተዳኸመ። በቲ ምኽንያት’ቲ ድማ ብርክት ዝበላ ሰልፊታት ፖለቲካ ክምስረታ ከኣላ።

ካብተን ሽዑ ዝተመስረታ ሰልፊታት ክልተ ዝንባለ-ጣልያን ዝነበረን ነይረን፤ 1) ማሕበር ኢጣለ-ኤርትራውያን (Italo-Eritrean association - ብግዊዶ ደ-ሮሲን ፊሊፖ ካሽያኒ ትምራሕ) 2) ማሕበር ዓሳክር-ጣልያን-ነበር (Eritrean War-Veteran Association- ብዓሊ ኢብራሂም ትምራሕ)።

ኣይጸንሑን፡ ክልቲኦም ማሕበራት ሓቢሮም ከኣ ዝዓበየ ሰልፊ - “ሰልፊ ሓዳስ ኤርትራ - ሻራ ኢጣልያ” - መስረቱ። ዕላማኦም ብሞግዚነት ጣልያን ክጻንሑ’ሞ ደሓር ብእኡ ኣቢሎም ናብ ናጽነት ንኽሰጋገሩ ነበረ። እቲ ማዕረ 200 ሽሕ ኣባላት ከም ዝነበሮ ዝንገረሉ ስሙር ሰልፊ ብወተሃደራዊ መንግስቲ እንግሊዝ ብሜላ ከም ዝብተንን ዝመክንን ተገብረ ይብል ፕሮፈሰር ሃጋይ ኤርሊኽ (Haggai Erlich)።

ኤርሊኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዘተኰረ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ዘመናዊ ማእከላይ-ምብራቕ ብርክት ዝበሉ ምርምራት ዘካየደን መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን ህርኩት ኣካደምያዊ’ዩ።

እዚ ዝተገልጸ ድሕረ-ባይታ ሱር ጣልያን ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ነዊሕ ሰሪቱ ከም ዝነበረ ዘርኢ እዩ።

መንግስቲ ጣልያን ንኤርትራ ዝመረጸሉ ምኽንያት ንኢጣልያዊ ምብራቕ-ኣፍሪቃ ማእከል-ኢንዱስትሪ ንምግባር ስለ ዝዓለመ ነበረ። መራኸብን መትንታትን መጓዓዝያ ምስ ዘርግሐ፡ ሓደስቲ ፋብሪካታት ክሃንጽ ጀመረ። ምስኡ ኣተኣሳሲሩ ኸኣ ኣመት ስርሓት ንግዲ ኣጽፈፈ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ብተኸታታሊ ንኤርትራ ዝገዝኡ ኣመሓደርቲ ጣልያን ነቶም ብባህልን ቋንቋን ሃይማኖትን ተፈላልዮም ዝነበሩ ህዝባ ክሓብሩን ብስርዓተ-ሕጊ ክግዝኡን ገይሮም’ዮም ምባል’ውን ምግናን ኣይኰነን። ነቲ ብራሕቂ ቦታ ኣብ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ህዝባ’ውን ጽርግያታትን መገዲ-ባቡርን ተንጠልጢሉ ዝኸይድ ተለፈሪካን (ኣስመራ-ባጽዕ) ብምህናጽ ኣቀራሪቦሞ’ዮም ክበሃል ይከኣል።

እቲ ዘገርም፡ ማእከል ኣስመራ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ዓመት (1935-1941) ከም ዝተሃንጸ መዛግብቲ ታሪኽ የዘንትዉ። እቲ ፍጥነተ-ንድቃ በቲ በኒቶ ሙሶሊኒ (ፋሺሽታዊ መራሒ ዓዲ ጣልያን) ዘውጽኦ መደብ መሰረት ብትግሃት ከም ዝተሰርሓሉ’ውን የርኢ።

ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ምትሕንፋጽ ባህልን ልምድን’ውን ተራእዩ’ዩ። ጣልያንነት በቲ ሽዑ ዝተጋህደ ምውህሃድ ገዛእን-ተገዛእን ኣብ ደቀባት ማሕበረ-ሰባት ልሒሙ ኣብ መግቢ፣ ኣከዳድና፣ ኣካይዳ፣ ኣተሓሳስባ ይዅን ቋንቋ (ምናዳ ኣብ ደቂ ከተማ) ጽልዋታት ኣሕዲሩ’ዩ። እቲ ዝነበረ ስርዓትን ቢሮክራስን ፍሩያት በርገሳውያን ኣመሓደርቲ ከፍሪ’ውን ክኢሉ’ዩ። ብሓጺሩ ጥቅውን ዘርብሕን ስራሕ ዝነበሮም ሰባት ኵሎም ብጣልያን ዝተመልመሉን ቋንቋ ጣልያን ዝዛረቡን መራሕትን ኣመሓደርትን ምንባሮም ይንገር።

ኢንዱስትሪያዊ ልምዓት ዘበገሱ እንዳታት

መገዲ ባቡር

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ኣብ ልዕሊ እቶም ኢንዱስትሪያዊ ልምዓት ዘተኣታተዉ እንዳታት ጣልያን (ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስናዮም ኰይኖም) ብኣማኢት ዝቝጸሩ ንኣሽቱ ፋብሪካታትን ብሕታውያን-ኣብያተ-ዕዮን’ውን ነይሮሞም።

እቲ ኣብ ሕርሻ ዘተኰረ ልምዓት ኣብ ምዕራብ-ኤርትራ ብጻዕቂ ይርአ ነበረ - ኣብ ከረን፡ ኣቝርደት፡ ኣብ ገማግም ሩባ-ጋሽ ምዃኑ’ዩ። ፍርያት ገረብ-ዶማ (ዓካት)፣ ፍሩታ፣ ኣሕምልቲ፣ ጡጥ እቶት ዝነበሮም ፍርያታት ነበሩ። ንኣብነት እንዳ ባራቶሎ ምስ ፍርያት ጡጥ ዝተሓሓዝ ኣብ ዓቢ ስርሓት ልምዓት ይነጥፍ ነበረ።

ብዘይካ እንዳ ባራቶሎ፡ ኣብ ፍርያት መግብን ሕርሻን ዝነጥፉ ዝነበሩ ከም እንዳ ታሌሮ፡ እንዳ ኦርቶላ፡ እንዳ ኢንኮደ ክዀኑ ከለዉ ኣብ ባጽዕን ዓሰብን ድማ ፍርያት ጨውን ንቝጽ-ዓሳን ከም ዝነበሩ ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይከኣል።

እንዳ ደ’ሮሲ

ጁሰፐ ደ’ሮሲ (1867-1944) ከም ማጆር ኰይኑ ብ1894 ንኤርትራ ምስ ተመደበ፡ ንገዛኢ መንግስቲ ጣልያን ንነዊሕ እዋን የገልግል ነበረ። ብድሕሪኡ (ብ1920 ገጹ) ንግዳዊ ጥቕሚ ገረብ ዓካት-ዶማ ተረዲኡ ንምብቋል ተዋፈረሉ። ፍረ-ዓካት ተጠቒሙ ኣብ ከረን ፋብሪካ መልጐም ከፈተ። ኣብ ፋብሪካኡ ማዕረ 100 ደቂ’ንስትዮ ይሰርሓ ነበራ።

ኣብ ጊንዳዕ ግራውቲ ተኽሊ ዒቃ ብምልማዕ ድማ በብዓይነቱ ድባራ፡ ገመድ፡ መንጸፍ፡ ኵርሲ፡ ዓራት ...ወዘተ. የፍሪ ነበረ። ኣብ ዶንጎሎ ኸኣ ፋብሪካ ማዕድናዊ-ማይ ብምኽፋት ብዙሓት ሰራሕተኛታት ቈጺሩ የስርሕ ነበረ። ነቲ ስራሕ ወዱ ምስ ተረከቦ መሊሱ ከም ዝሰፍሕ ገበረ። ነቲ ፋብሪካ እንዳ መልጐም ኣስፊሑ ዝተዓጻጸፉ ሰራሕተኛታት ክቘጽር ከኣለ። ብተወሳኺ ዓቢ እንዳ ቆርበት ፋብሪካ ከፊቱ ኣብ ኣመና ዝደንፍዐ ስርሓት-ሰደድ ይዋሳእ ነበረ።

እንዳ ደናዳይ

እንዳ ደናዳይ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ምውድኡ ኣብ ኤርትራ ዝመጹ ክልተ ኣሕዋት ነበሩ። ንሳቶም ብ50’ታትን 60’ታትን ሰደድ-ፍረታት ዘማዕበሉ ነጋዶ እዮም። ትካሎም ብናይ ጣልያን ርእሰ-ማል እናተመወለ ምስ እንዳ ንጉስ (ኢትዮጵያ) ጽኑዕ ርክብ ክፈጥር ክኢሉ’ዩ።

ብ1958 ኣብ ዒላበርዕድ ዝነበረ ሕርሻ እንዳ ካሽያኒ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ብምእታው፡ ባናና ብምብቋል ንግዶም ኣዐመርዎ። ቀንዲ ንግዶም ምስ ከባቢ ሃገራት ነበረ። ብሕቡእ ከኣ ፍርያት እንዳ መሎቲ (ቢራን ሊከርን) ናብ ሃገራት ኣዕራብ ይልእኩ ከም ዝነበሩ ይዝንቶ። ኣብ 60’ታት እንዳ ደናዳይ ንገድሊ ጉቦ እናሃቡ ይካየዱ ከምዝነበሩ ይንገር። እኳ ድኣ ብ1973 እቲ ዓቢ ብተጋደልቲ ተጨውዩ ከም ዝነበረ ዳን ኮኔል ኣብ መጽሓፉ ሰኒድዎ ንረኽቦ። ብ1975 ደርጊ ነቲ ዓቢ ትካል እንዳ ደናዳይ ወረሶ፣ ነቲ ስራሕ ከኣ ኣዳኸሞ፣ ብግዜ ናጽነት ድማ ብመንግስቲ ኤርትራ ተወሪሱ እቲ ትካል ትልኽ ይብል ኣሎ።

እንዳ ባራቶሎ

ባራቶሎ ብ1934 እዩ ኣብ ኤርትራ መጺኡ፡ ዓቢ ኢዱስትሪ እንዳ-ዓለባ ብምኽፋቱ’ዩ ዝዝከር። ሰላሕ ኢሉ ምስ እንዳ ንጉስ ተሓባቢሩ ኣጀንሲያ-ንግዲ ብምኽፋት ካፒታል ከኻዕብት ዝኸኣለ ዕዉት ኣዋፋሪ ነበረ። እቲ ዘመን ብፈደረሽን ዘይቀሰኑ ብዙሓት ጣልያን ንዓዶም ዝተመልስሉ እዋን ነበረ። ባራቶሎ ግን ነቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ተጠቕመሉ፤ ዓቢ ፋብሪካ እንዳ ዓለባ ኸኣ ከፈተ። ብ1956 ባራቶሎ ዓቢ ብጽሒት ዕዳጋ-ኢትዮጵያ ክረክብ ከኣለ።

ብ1965 ኣብ ዓሊግድር ጡጥ ዝትከሎ ሰፊሕ ቦታ ስለ ዝረኸበ ልዑል ደረጃ ዝሓለወ ሰደድ-ጥልፎ (ጎልፎታት) ንማእከላይ-ምብራቕን ኣውሮጳን ክልእኽ ጀመረ።

ትካል እንዳ ዓለባ ማዕረ 3 ሽሕ ሰራሕተኛታት ነበሮ፣ ካብኦም ድማ 70 ሚእታዊት ደቀ’ንስትዮ ነበራ።

ብ1975 ደርጊ ነቲ ትካል ወረሶ፣ ባራቶሎ ኸኣ ንዓዱ ተመልሰ። እቲ ስራሕ ተዳኺሙ፡ ማሺናት እናኣረጋ ከዳ። ከምኡ ኢሉ ናጽነት ኤርትራ ኣርከበ። እቲ ትካል ከኣ ኣብ ኢድ ህዝባዊ ግንባር ኣተወ። ድሕሪ ናጽነት ባራቶሎ ንኤርትራ ተመሊሱ ነቲ ትካሉ ከፊሉ ክገዝኦ ሕቶ ኣቕረበ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግን ኣበዮ።

ወነንትን ቀንዲ ወሃብቲ ስራሕን ጣልያን’ኳ እንተነበሩ፡ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ኤርትራ ብዙሕ ከፍሪ ክኢሉ’ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓት ዝነጥፉ ሰብ-ሞያ - ዲታታት፡ ነጋዶ፡ ሰራሕቲ ጫማ፡ ጋራጃት፡ ዓየይቲ-ካምዮን (ኣውቲስታታት)፡ ጸረብቲ ሓጺንን ዕንጸይትን፡ እንዳ መስርሕ-ህንጻታት፡ ወነንቲ ባር/ቤት-ምግቢ፡ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ፡ ኣለይቲ ሕሙማትን፡ ሓበዝቲ (እንዳ ባኒ/ፓስታ/ዶልሺ) ...ወዘተ መልሚሉ’ዩ።

ንመደምደምታ፡ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ኤርትራ ንምሕደራ ትካላት ዝበቕዑን ኣብ ኵሉ ዝርዕሙን ቢሮክራት’ውን ከም ዘፍረየ ክርሳዕ የብሉን።

ንኣብነት ኣመሓደርቲ ከተማታት ኤርትራ ብናይ ጣልያን ቢሮክራሲ ዝተመልመሉ ዜጋታት ነበሩ። ኣብዚ ጽፈትን ኣድማዕነትን ምምሕዳር ቤት-ማዘጋጃ ኣስመራ (ሙኒቺፕዮ) ከም ኣብነት ክጥቀስ ይግባእ፣ ፍርያት መግዛእቲ ጣልያን ስለ ዝነበረ።

ካብኡ ተረፈ፡ በብዓይነቶም ንኣሽቱ ደዃኵን፡ ኣብያተ ሻሂ፡ ባራትን ኣብያተ መግብን፡ ጠሓንቲ እኽልን በርበረን፡ ሰፈይቲ ክዳንን ኣለምትን፡ ሽቃጦ፡ ጸመቝቲ፡ ሰኣልቲ፡ ዓረይቲ (ሰዓት፡ ራድዮ፡ ብሽክለታ ዝኣመሰሉ) ሰራሕቲ ወርቅን ብሩርን ... ወዘተ ኣብ ፈቐድኡ ኵርናዕ ድኳን ከፊቶም ዝሰርሑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደቀ’ባት ከም ዝነበሩ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።

ታሪኽ ኢንዱስትሪ ኤርትራ እዚ ይመስል፤ ብጣልያን ተመስሪቱ፡ በቶም ዝሰዓቡ መንግስታት ተወሪሱን ተዳኺሙን ተረፈ። እቲ ዝነበረ ምዕባለን ልምዓትን ምሉእ-ብምሉእ እኳ ኣይዅን፡ ብመጠኑ ቀጻልነት ረኺቡ እንተ ዝነብርሲ ቍጠባ ኤርትራ ክበጽሖ ዝኽእል ዝነበረ ደረጃ ንምግማት ዘጸግም ኣይኰነን።

እቲ ዘሕዝን ግን መብዝሕትኦም ኢንዱስትራውያን እንዳታት ጣልያን፡ እቲ ዝነበሮም ምንቅስቓሳት ምስ ግዜ ተሳንዩ ከዕቀብን ክንቀሳቐስን ኣይከኣለን። ድሕሪ ናጽነት'ውን እንተኾነ፡ ከምቲ ዝድለ ስለዘይተሰርሐ ዝረኣ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ይዅን ምንቅስቓስ ዘይረኣየላ ሃገር ኰይና ትቕጽል ኣላ።