ኣብ ሊብያ ጸለምቲ ስደተኛታት ክሰራጠዩ ሓድሽ እኳ እንተ ዘኰነ፡ እዚ ሕጂ ዝያዳ ስጋኣት ፈጢሩሎም ዘሎ ግን ዓበይቲ ሰበስልጣን ሊብያ ብኣልማማ ክገፉዎም፡ ንዝኣበዩ ድማ ብጠያይቲ ክሃድኑዎም ሓበሬታ ድሕሪ ምትሕልላፎም ዝተጐሃሃረ ምዃኑ እዮም እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ዝገልጹ።
ትካል ድምጺ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ብወገኑ፡ መንግስቲ ሊብያ ብፍላይ ቀዳማይ ምኒስተር ዓብዱል ሓሚድ ድበይበህን ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢማድ ኣልትራቤልሲን፡ ሰብኣውነት ዝጐደሎ ናይ ጽልኢ ዘረባ ብምዝርጋሕን ነቶም ዓመጽቲ መጥቃዕቲ ብምእዛዝን ብውልቆም ተሓተትቲ እዮም ብምባል ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ሓላፍነት ክስከሙ ኣለዎም ዝበሎም ሰበስልጣንን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምቕማጥ፡ ኣብቲ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ንምስጓግ ዝገብሩዎ ዘለዉ ኣዋጅን ወፈራን ዘለዎ ቅሬታ ገሊጹ።
ተኽለ ዝተባህለ ኤርትራዊ (ንድሕነቱ ስሙ ዝተቕየረ)፡ "ነዚ ዓዲ ምስ ኣተኻዮ መውጺኢ ስለ ዘይብሉ፡ ህይወት እናተሓተትና ኢና እንነብር፡" ብምባል ብኣልማማ ግፍዕታት ይወርዶም ምህላዉ የረደእ።

ምንጪ ስእሊ,Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2025 ኤርትራውያ፡ ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ብብዝሒ ኣብ ዝሰፍርሉ ትራቡሉስ ናብ ዝተባህለ ቦታ ብምኻድ፡ ፖሊስ ነቶም ስደተኛታት ኣባይቶም ብምቅጻል ንኸባቢ 80 ከም ዝዳጐኑዎምን እቶም ካብኡ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ዝሃደሙ ከኣ ተበቲኖም ከም ዘለዉን ተኽለ ይገልጽ።
"እቶም ዝሃደሙ ኣብ ፈቐዶኡ ፋሕፋሕ ኢሎም ኣለዉ። ገሊኦም ድሕሪ ማእሰርቶም ከፊሎም ወጺኦም። ካልኣይ ግዜ ዝተታሕዘ ድማ ዳግማይ እዩ ዝኸፍል፡" ብምባል እቲ ኵነታት ተስፋ ከም ዘቝረጾምን ዝገብሩዎ ከም ዝጠፈኦምን ይዛረብ።
ካብ 1,000 ክሳብ 2,500 ዶላር ከፊሎም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወጽኡ ዝዛረብ ተኽለ፡ ቅድም ክብል ህዝቢ ሊብያ ስደተኛታት ይውጽኡልና ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ገይሩ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰበስልጣን ንስደተኛታት ክገፉን ክሳብ ክቐትሉን ሓበሬታ ድሕሪ ምትሕልላፎም ዝተጐሃሃረ ሽግር ምዃኑ የብርህ።
ኣብ ሊብያ ዝርከብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውጥረት ዘጐሃህርን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጽልኢ ዘለዓዕልን ሓበሬታ ንምሃብ ዝግበር ወፈራ ኣጸቢቑ ከም ዘተሓሳስቦ፡ ብ13 መጋቢት 2025 ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ኣጠንቂቑ እዩ።
በረኸት (ንድሕነቱ ስሙ ዝተቐየረ) ኣብታ ድራር ዕለት ማእሪሩ ዝነብረላ ትግራይ ደማዊ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ካብ ሞት ሃዲሙ ናብ ሊብያ ኣምሪሑ።
ይዅን'ምበር፡ ካብ ፖሊስ ሊብያ እናተሓብአ ቅሳነት ሓሪሙዎ ኣብ ድርኵኺት እቲ ዝፈርሖ ሞት ከም ዝነብር ይገልጽ።
በረኸት፡ ሓደ ወዲ ዓዱ ምስ ብዓልቲ-ቤቱን ውላዶምን ካብ ሻርዕ ዓሸራ ዝበሃል ቤቶም ከም ዝገፈዉዎምን ክሳዕ ሕጂ ኣበይ ከም ዘለዉ ከም ዘይፍለጥን ብምጥቃስ፡ ኵሎም ካብ ገዛ ከይወጽኡ እንተ ተሓብኡ'ውን ካብ ግፋ ከም ዘየምልጡ ይሕብር።
እዚ ፈሪሖም ኣብ ስቱር ዝበሉዎ ቦታ ብምኻድ እኳ እንተ ተሓብኡ፡ ወጺኦም ዝዀነ ዕድጊ ክገብሩ ስለ ዘይክእሉ ብጥሜት ከም ዝቕጽዑ ይዛረብ።
ስለምንታይ'ዮም ስደትኛታት ናብ ሊብያ ዝውሕዙ?
ሊብያ ንብዙሓት ስደተኛታት ግዳይ ዝተፈላለየ ዓመጻት እኳ እንተ ገበረቶም ናብኣ ምስዳድ ግን ኣየኽተመን።
ገለ ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ግዳያት ነቲ ምኽንያት ዘርዚሮሞ ኣለዉ።
ገሊኦም ብዘይፍታዎም ብኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰብ ካብ ሱዳን ተጨውዮም ናብ ሊብያ ዝኣተዉ እዮም።
ገለ ድማ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኣትዉ ዝሕግዝ መቕርብ ኰነ ዘመድ ዘይብሎም ይዀኑ'ሞ፡ ከርተት ስደት ይመሮም።
እቶም ምንጪ ኣታዊኦም ካበይ ምዃኑ ዝፈልጡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ድማ ንጸገሞም ብምምዝማዝ፡ ብዘይገንዘብ ከነስግረኩም'ሞ፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣቲኹም ትኸፍሉና ኢሎም የበግሱዎም።።
ኣብ ሊብያ ምስ ኣእተውዎም ግን እቲ ገንዘብ ንምኽፋል ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ክሳዕ ሞት ዝበጽሕ ስቓይ እዮም ዘብጽሕሎም።

እቶም ተገሪሆም ወይ ተጨውዮም ንሊብያ ዝኣተዉ ድማ መውጺኢ ኣልቦ ኰይኑዎም ኣሎ።
ኣስገርቶም፡ ክፈሉ እንተ ዘየሎ ትቕተሉ ብምባል ናብ ስድራቤቶም ስቓዮም ዘርኢ ቪድዮን ዝርብሽ ድምጽን ይሰዱ።
ስድራቤት ድማ ዘለዎም ሸይጦም ገለ'ውን ለሚኖምን ተለቂሖምን ነቲ ዝተሓተተ ኣሽሓት ዶላራት ይኸፍልሎም።
ሻቡ ነቲ ርጉጽ ዘይኰነ ጕዕዞ ባሕሪ ይጅምሩ፣ ወይ ድማ ካልኣይ ተጨውዮም ዳግማይ ክኸፍሉ ይሕተተሎም እሞ፡ ካብ መዝራዓ ናብ መዝራዓ እናተሳቐዩ ዓመታት የቝጽሩ።
እቲ ዕድል ዝገበረ ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጹ ናብ ኤውሮጳ ብምእታው ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ስደት ሸንኮለል ይጅምር። ገለ ድማ በተን ኣሽንካይዶ ኣብ ሰፊሕ ባሕሪ ኣብ ንእሽቶ ቀላያት እኳ ብቕዓት ዘይብለን ጀላቡ ምስ ነቐሉ፡ ረዳኢ ከይረኸቡ ድራር ዓሳ ዝዀኑ ሒደት ኣይኰኑን።
እዋናዊ ሻቕሎቶም እንታይ እዩ?
እዞም 'መዋጽኦ ዘይብልና ተሪፍና' ዝብሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት፡ "ብኣልማማ ግፋ ኣሎ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኵሉ ስደተኛ ሽግር በጺሑዎ እዩ። ካብ ዓድና ስለ ዘይወጽኡልና ብጥይት ውቕዑዎም። ከምኡ ከይገበርና ኣይከዱልናን እዮም ብምባል ላዕለዎት መራሕቶም እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ፡" ይብሉ።
ተኽለ ናብ ቤት ማሕቡስ ምስ ዳጐኑዎም'ውን ብጭካነ ከም ዝቕጥቅጡዎም፡ ሕማም ቅርበትን ጥሜትን እውን ካልእ ገጽ ናይቲ መከራ ከም ዝዀነ ይገልጽ።
"ደቀንስትዮ ይእሰራ፡ ይጭፍጨፋን ይዕመጻን ኣለዋ። በዚ ዝኸውን ዘሎ ኵነታት ናይ ህይወት ስጋኣት ኣለና። ዝከኣል እንተዀይኑ ጉዳይና ብዕቱብ ርእዮም ናብ ሳልሳይ ሃገር ወይ ከም ዓቕሞም ናብ ውሑስ ዝበሉዎ ይእለዩና፡" ብምባል ምሕጽንታኡ የቐርብ።
በረኸት ብወገኑ፡ "ካብ ህይወትካ ምስኣን ዝኸፍእ ስግኣት ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን እየ። ሰብኣውነት የብሎምን፣ በሉዎም እንድሕር ተባሂሎም ድማ ዓይኖም ኣይሓስዩን እዮም። ኣኪብኩም ኣብ እሱርቤት ክትዳጕኑዎም ኣለኩም። ክሃድሙ እንተ ፈቲኖም ድማ ብጥይት እተውዎም ስለ ዝበሉዎም ብኻራ ወይ ብጥይት ንህረም፡" ይብል።
ቀጺሉ፡ "ካብዚ ክንሕባእ ድማ ካብ ገዛ እንተ ዘይወጺእና ብጥሜት ምማት ኣሎ፡" ብምባል፡ ጨኒቑዋም ከም ዘሎ እዩ ብምስቝርቋ ዝገልጽ።
ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ዝሓሸ ህይወት ንምድንዳይ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝገብሩዎ ጕዕዞ ባሕሪ፡ ሊብያ ቀንዲ መሳግሮ ኰይና ጸኒሓ እያ።
ሕጂ ግን እዞም ስደተኛታት ኣብዛ 'ምድራዊት ሲኦል' ብምባል ዝገልጹዋ ዘለዉ ሊብያ ተኸቲሮም፡ መዋጽኦ ስኢኖም ናይ ርድኡና ድምጺ የቕርቡ ኣለዉ።