ፖሊስ ብሪጣንያ ምስ ዕግርግር ኤርትራውያን ብዝተሓሓዝ 22 ሰባት ይሃድን ኣሎ

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ዝተወሰኑ ጕጅለ ኣብ ጐደና ዉድቦርን ወዲቖም ዝነበሩ ክልተ ግዳያት ክሃርሙ እንከለዉ ዘርኢ ምስሊ'ውን ተዘርጊሑ ነይሩ።

ምስዚ ብዝተሓዝ ዛጊት 18 ሰባት ብዓመጽ ስርዓት ኣልቦነት፡ ምሓዝ ሓደገኛ ኣጽዋር ከምኡ'ውን ጉድኣት ብምውራድ ናይ ገበን ክሲ ተመስሪቱሎም ከም ዘሎ መግለጺ ፖሊስ ይሕብር።

18 ሰባት ብዓመጽ ስርዓት ኣልቦነት፡ ምሓዝ ሓደገኛ ኣጽዋር ከምኡ'ውን ጉድኣት ብምውራድ ናይ ገበን ክሲ ተመስሪቱሎም ከም ዘሎ መግለጺ ፖሊስ ይሕብር

ምንጪ ስእሊ,Handout

መግለጺ ስእሊ,18 ሰባት ናይ ገበን ክሲ ተመስሪቱሎም ከም ዘሎ መግለጺ ፖሊስ ይሕብር

ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወም ጕጅለ ነቶም ብፓኪስታናውያን ዝውነን ኣደራሽ ጽምብል ናጽነት ዘካይዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዒላማ ዝገበረ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ሽዑ ኣብ ጐደናታት ዝተኻየደ ሰፊሕ ባእስን ዕግርግርን፡ ገሊኦም ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ዝሓዙ ኣስታት 200 ሰባት ናይ ክልቲኡ ጕጅለ ከም ዝነበሩ ፖሊስ እቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ኣብ ጥቓ እቲ ኣደራሽ ደው ኢለን ዝነበራ መካይንን ዕንወት በጺሑ።

ብመሰረት እቲ ወሃቢ ቃል፡ "ብዙሓት" ሰባት ከም ዝተጐድኡን፡ ገለ ብኸቢድ ዝተሃርሙ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን ገሊጹ።

ኣብ ሃድን ፖሊስ ብሪጣንያ ዝርከቡ ኤርትራውያን

ምንጪ ስእሊ,Handout

መርማሪ እቲ ገበን ሊ ዊልሰን፡ እቲ መርመራ "ብፍጥነት ክኸይድ" ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።

"ብተግባራቶም ተሓተትቲ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ቅድሚ ቤት-ፍርዲ ክሳብ ነቕርብ፡ መርመራታትና ክንቅጽል ኢና፡" ክብል ከኣ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መበል 33 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝበዓለሉ ቅንያት ኣብ ሓድሓደ ከተማታት ወጥሪ ሰፊኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ እስራኤልን ካልእን ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝውደብ ፈስቲቫላትን ጽንብላትን ደማዊ ባእስን ዕግርግርን ክርአ ጸኒሑ እዩ።