ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ብምጥሓላ 8 ሰባት ሞይቶም

እታ ጀልባ ካብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶርያን ኢራንን ዝመጹ ኣስታት 60 ሰባት ከምዝነበሩዋ ተሓቢሩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብዓስርተታት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ኣሳፊራ ትጕዓዝ ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ሽዱሽተ ህጻናትን ሓንቲ ነፍሰጾር ሰበይትን ዝርከብዎም 12 ሰባት ድሕሪ ምማቶም ዝዝከር እዩ።

ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ፡ ኣብቲ ብሰንበት ዝተገልጸ ፍጻመ፡ እታ ጃልባ ናብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ኣምብለተውዝ ገጻ ክትከይድ ከምዝተራእየት'ኳ እንተገለጸ፡ ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ግን ካብ ባሕሪ ሓገዝ ክህቡ ኣይከኣሉን።

ኣብ ጸገም ምስ ኣተወት ድማ ናብ ኣኻውሕ ተደፊኣ ከምዝተመቓቐለት ተገሊጹ። ኣብቲ ገማግም ባሕሪ፡ ህጹጽ ኣገልግሎት ን53 ሰባት ክንክን ከምዝገበረን፡ ሸሞንተ ከምዝሞቱ ከምዘረጋገጸን ሓለዋ ባሕሪ ገሊጹ። ንሓደ ህጻን ሓዊሱ ሽዱሽተ ሰባት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ብሪጣንያ ነዚ ፍጻመ ብምርግጋጽ፡ ሰብመዚ ፈረንሳ ነቲ ምላሽን መርመራን ይመርሕዎ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ደቪድ ላሚ፡ ኣብዚ መትረብ "ተወሳኺ ህይወት ከምዝጠፍአ ምስማዕ ዘስካሕክሕ እዩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ምስ ኣውሮጳውያን መሻርኽቲ ብምትሕብባር ነቶም ሰባት ዘሰጋግሩ ጕጅለታት ንምምካት ዝሓንጸጾ መደብ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ምስ ምምጻእ ህዱእ ኵነታት ኣየር በዚ መትረብ ተደጋጋሚ ናይ ምሕላፍ ፈተነታት ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ትማሊ ሰንበት ኣስታት 801 ሰባት ንቻነል ዝሰገሩ ኰይኖም እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት ካልኣይ ዝለዓለ መዓልታዊ ድምር ምዃኑ ግዝያዊ ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ይሕብር።

ሰብመዚ ባሕሪ ፈረንሳ፡ ብዝሓለፈ ዓርብን ቀዳምን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 200 ሰባት ከምዝደሓኑ ሓቢሮም።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳን ካልኦት ቀዳሞት ምላሽ ዝሃቡን ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ ጀላቡ ዝነበሩ ሰባት ኣድሒኖም - ሓንቲ 61፡ ካልእ 55፡ ካልኦት ክልተ ድማ ነፍሲ ወከፈን 48ን 36ን ሰባት ዝሓዛ ጀላቡ እየን።

ኣብ ውሽጢ እቲ መዓልቲ ዝተገበሩ 18 ፈተነታት ምስጋር ድማ ብሰበስልጣን ክትትል ተገይሩሎም።

ነቶም ሸሞንተ ዳሕረዎት ግዳያት ሓዊስካ፡ ኣብዚ ዓመት ብድምር 45 ሰባት ኣብቲ ኣብ መንጐ ፈረንሳን እንግሊዝን ሞይቶም። እዚ ድማ ካብ 2021 ጀሚሩ ዝለዓለ ቍጽሪ ምዃኑ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 23 ሽሕ ሰባት ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ኣለዉ።