ህይወትናን ንብረትና ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ ክብሉ ኤርትራውያ ነበርቲ መዓስከር ኣለምዋጭ ገሊጾም

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጾም።

እቶም ዜጋታት ምስ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፣ ካብ ምቕታል ህይወት ኣትሒዙ፣ ምጭዋይ፣ ስእነት መሰረታዊ ነገራትን መዓልታዊ ዘጋጥም ዝምታን ዝኣመሰለ ገበናት፣ ውሕስነትን ድሕነትን ዘይብሉ ሕሱም ናብራ ከሕልፉ ኣገዲድዎም ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ መዓስከር ልዕሊ ኣስታት 21 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩ ዝሓበሩ እቶም ዜጋታት፣ ዓቕሚ ዘለዎም ኣሽሓት ብጾቶም፣ ገንዘብ እናኸፈሉ ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ከምዝገዓዙ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ እዋን‘ዚ፣ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 15 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብቲ መዓስከር ከምዘለዉ‘ውን ጠቒሶም።

ብረት ዝሓዙ ዕጡቓት፣ ናብቲ መዓስከር እናኣተዉ፣ ዝደለይዎ ንብረት ይዘምቱን፣ ንተራ ስደተኛታት የፈራርሁን ከምዘለዉ‘ውን ብኣብነታት ዘርዚሮም።

ናብቲ መዓስከር ካብ ዝግዕዙ፣ ዛጊት ልዕሊ 12 ሰባት፣ ብዕጡቓት ተቐቲሎም ህይወቶም ስኢኖም ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ‘ውን ንድሕነቶም ዝሕሉ ኣካል ብዘይምህላዉ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም ኣስሚሮም።

ኣብቲ ዞባ ምስ ዘሎ ግጭት ተተሓሒዙ፣ ንሓያሎ ኣዋርሕ መሻርፍ ከምዘይበጽሖም ብምምልካት፣ ኣብዚ ቀረባ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሸውዓተ ኪሎ እኽሊ ምዕዳል ከምዝጀመረ‘ውን ኣረዲኦም።

ኣብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ጎንደር፣ ከባቢ ዳባት ዝተደኮነ መዓስከር፣ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR እኳ እንተሎ፣ ኣብ ድሕነቶም ይኹን ጠለባት መሰረታዊ ነገራት ኣብ ምምላእ ዝገብሮ ብዙሕ ከምዘየለ ‘ውን እቶም ኤርትራውያን ኣዘኻኺሮም።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ራድዮ ኤረና