መጸዋዕታ መጽዩኒ'ሎ" ኤርትራዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓሊ ሱሌማን

ኤርትራዊ ተጻዋታይ ጋንታ ከነማ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓሊ ሱሌማን ምስ GAIS ዝተባህለት ጋንታ ሽወደን ንኽጻወት ኣብ ውሽጣዊ ስምምዕ(ምርድዳእ) ከምዝበጽሐ ብምርግጋጽ፡ ብተወሳኺ "ካብ ግብጺ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞሮኮን እውን መጸዋዕታ መጺኡኒ ኣሎ። ነዚ ናይ ሽወደን ዕድመ ግን ኣቐዲመዮ ኣለኹ።" ክብል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣፍሊጡ።


ዓሊ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝበለጸ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኮይኑ እውን ተረቑሑ ኣሎ። ብዘይካዚ ንብሉጽ ተጻወቲ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምእካብ ድምጺ ካብ ካልኦት ዝተረቑሑ ተጻወቲ ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ ይመርሕ ከምዘሎ ውጽኢት መውሃቢ ድምጺ የረጋግጽ።