ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሓተትቲ ዑቕባ ተቐቢላ

ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራትራውያን ዝበዝሕዎም፣ ዜጋታት ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾኑ 113 ሓተትቲ ዑቕባ ከምዝተቐበለት ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

እቶም ብ14 ሰነ፣ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዝገዓዙ፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብኦም ሓተትቲ ዑቕባ፣ ኣብ ጋሾራ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መጽንሒ ማእከል ክዕቖቡ‘ዮም።

ርዋንዳ፣ ካብ መስከረም 2019 ኣትሒዙ ካብ ሊብያ ዝገዓዙ 2355 ሓተትቲ ዑቕባ ክትቕበል እንከላ፣ ዝበዝሑ ካብኣቶም በብግዜኡ ናብ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ሃገራት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ተጣይሶም ‘ዮም።