ደቡብ-ሱዳን፡ ስግኣት ኲናት ኣሎ - ርእይቶ ኤርትራውያን ኣብዚ ጉዳይ

እዛ ሓዳስ ሃገር፡ ኣብ 2011 ናጽነታ ምስ ረኸበት፡ ኣብ ካልኣይ ዓመታ እያ ኣብ ታሕሳስ 2013 ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሓ።

ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቍርቍስ፡ ኣብ 2016 ውዕል ሰላም ክሳዕ ዝፍርሙ ድማ እታ ሃገር ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኲናት ጸኒሓ።

እቲ ብፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ዝምራሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ብምክትሉ ዝምራሕ ድማ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን - ተቓዋሚ ሓይሊ ይበሃል።

ንወተሃደራዊ ክንፊ እቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ዝመርሕን ምክትል ሓላፊ ሰራዊት ደቡብ-ሱዳንን ጀነራል ጋብሪኤል ዱኦፕ ላም ብሰሉስ ክእሰር እንከሎ፡ ምኒስተር ነዳዲ ፑኦት ካንግ ቾል ድማ ንጽባሒቱ ፍርቂ ለይቲ ምስ ስድራኡን ሓለዋኡን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ተፈሊጡ።

ወሃቢ ቃል ናይቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ምእሳር ናይቲ ጀነራል፡ ነቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ኲናት ከብቅዕ ዘኽኣለ ስምምዕ ሰላም "ከቢድ ጥሕሰት" ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ሰበስልጣን ኣበይ ከም ዝተኣስሩን ከመይ ከም ዘለዉን ከም ዘይፈልጥ ጠቒሱ።

ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ-ቐትሪ ምኒስተር ሰላምን ዋና ጸሓፊ ሃገራዊ መሰጋገሪ ሽማግለን ስቲቨን ቻር ኩኦል ብሓይልታት መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ወሃቢ ቃል ፑክ ቦት ባሉኣንግ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ፑኦክ ቦት ባሉኣንግ፡ "እቲ ኵነታት ናብ ዝበኣሰ ከይዓርግ ዝከኣለና ንገብር ኣለና። እንተዀነ፡ እዛ ሃገር ናብ ኲናት ከም ዘይትምለስ ንምርግጋጽ፡ እቶም መሻርኽትና ፖለቲካዊ ድሌት ከርእዩ ኣለዎም፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሚካኤል ማኩይ ብወገኑ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጁባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር፡ ደቡብ-ሱዳን ናብ ኲናት ከም ዘይትምለስ ኣጽኒዑ ሒዙ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

እቶም ተቓወምቲ ድማ "ምስ ሕጊ ስለ ዝተጋጨዉ፡" ከም ዝተኣስሩ ተዛሪቡ።

ምኽንያት ምእሳር ናይዞም ሰበስልጣን ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ ዛጊት የሎን። ተዓዘብቲ ከም ዝብሉዎ ግና ምስቲ ኣብ 'ኣፐር ናይል' ዝተኻየደ ግጭት ምትሕሓዝ ከይሃለዎ ከም ዘይተርፍ ይገልጹ።

ኣብ መፋርቕ ለካቲት ናይዚ ዓመት፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ህዝቢ ደቡብ-ሱዳንን ተወለድቲ ንዌር ዝዀኑ ዕጡቓት ምልሻታትን ኣብ ግዝኣት ናስር ግጭት ተላዒሉ ነይሩ።

እቶም 'ዋይት ኣርሚ' ዝበሃሉ ጕጅለታት ምልሻ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ግጭት ድሕሪ ምእታዎም፡ ነታ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ናስር ከም ዝተቘጻጸሩዋ ገሊጾም ነይሮም።

እዞም ምልሻታት፡ ኣብቲ ኣብ 2013 ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ጐድኒ ምክትል ፕረዚደን ሪክ ማቻር ተሰሊፎም ዝነበሩ እዮም።

መንግስቲ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ንዓመታት ዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ንምቕያር ሓደስቲ ሓይልታት ናብ ናስር ንምውፋር መደብ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጹ እዩ እቲ ወጥሪ ተጋዲዱ።

ቢቢሲ ኣብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኵሎም ምስ ማቻር ርክብ ዘለዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዝርከቡ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

ንፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ዝድግፉ ገለ ኣባላት ሰራዊት፡ እቶም ብማቻር ዝምርሑ ሰበስልጣን ነቶም ዕጡቓት ደገፍ ከም ዝገብሩሎም ይኸሱ።

ነታ ኣብ ዶብ ደቡብ-ሱዳንን ኢትዮጵያን እትርከብ ከተማ ናስር ከም ዝተቘጻጸሩዋ ዝሓበሩ ምልሻታት 'ዋይት ኣርሚ'

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ነታ ኣብ ዶብ ደቡብ-ሱዳንን ኢትዮጵያን እትርከብ ከተማ ናስር ከም ዝተቘጻጸሩዋ ዝሓበሩ ምልሻታት 'ዋይት ኣርሚ'

ወሃቢ ቓል ናይ ሪክ ማቻር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ መንጎ ምልሻታትን ሓይልታት ጸጥታን ዝተኻየደ ግጭት፡ መሪሕነት ሃገራዊ ሰራዊት ብውዕል ሰላም ዝቕየድ እንተ ዝነብር "ክእለ ምተኻእለ ነይሩ፡" ክብል ይወቅስ።

እዚ ኣብ ደቡብ-ሱዳን ተተኺሉ ዘሎ መንግስቲ፡ ብመሰረት ውዕል ኣዲስ ኣበባ (2018) ዝቘመ መሰጋገሪ መንግስቲ ኰይኑ፡ ነቲ ስልጣን፤ መንግስቲ ሪፖብሊክ ደቡብ-ሱዳን (GRSS)፡ ተቓዋሚ ሓይሊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን (SPLM-IO)፡ ኣብ ቀይዲ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ሓይልታት ኪዳን ተቓውሞ (SSOA)ን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባትን ተላፊኖም ዘቘምዎ እዩ።

ቀዳማይ ዕማም ናይዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ድማ ንደቡብ-ሱዳን ብውህደት ዘመሓድር መንግስትን ውሁድ ሃገራዊ ሰራዊትን ንምቛም እዩ።

ኣብ መንጐ እቲ ቅድሚ መሰጋገሪ እዋን ዝነበረ መንግስትን ብኻልኣይ ደረጃ ዝርአ ተኻፋሊ መንግስቲ ዝዀነ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን - ተቓዋሚ ሓይሊን እዩ ብተደጋጋሚ ጎንጺ ክለዓል ዝርአ።

ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን እቲ ኣብ ናስር ዝተራእየ ግጭት ናብ ካልእ ከባቢታት ክልሕም ተኽእሎታት ከም ዘሎ ኣጠንቂቐን እየን።

ኣብ ደቡብ-ሱዳን ንዓሰርተ ዓመታት ዝተቐመጠ ኤርትራዊ መሃንድስ ኵነታት ጁባ ከመይ ከም ዘሎ ኣብ ተወከስናዮ፡ "እቲ ንጥፈታት ንቡር እኳ እንተ'ሎ፡ ስግኣታት ግን ኣሎ። ንኡስ ምንቅስቓስ ሰራዊት'ውን ተመልኪተ ኣለኹ፡" ክብል ገሊጹ።

እቲ ኵነታት ናብ ኲናት ከምርሕ ይኽእልዶ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ "ኣይመስለንን፣ እቲ መንግስቲ ናብ ሰላም ዝደፍእ ዘሎ ይመስል። በቲ ዘለዎም ፖለቲካዊ ባህሊ ናብ ዘተ እንተ መጺኦም ክፈትሑዎ ይኽእሉ እዮም፡" ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

ቀጺሉ፡ "ኵሎም ኣብቲ መንግስቲ ስልጣን ስለ ዝተማቐሉ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈልየ ኵነታት እዩ ዘሎ። ኣብ መንጎኦም ከተግብሩዎ ዝተሰማምዕሉ ውዕል ኣለዎም። ምምቕቓል ስልጣንን ምውህሃድ ሰራዊትን ኣካዪድካ ናብ ምርጫ ምኻድ ንዅላቶም ዘዋጽኦም ይመስልኒ፡" ይብል።

"እንድሕር ናብ ጐንጺ ከይዶም ግን ኣዝዩ ክፉእ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው ዘሎ ህዝቢ፡ በቲ ዝሓለፈ ኲናት ብዙሕ ተጐዲኡ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ኣብ ሱዳን ምስ ዘሎ ግጭት ተሓዊሱ ነዚ ዞባ ናብ ከቢድ ሽግር ከውድቘ እዩ፡" ይምልእ።

ብተደጋጋሚ ኣብ ግጭት ክኣትዉ ዝርኣዩ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን

ምንጪ ስእሊ,AFP

መግለጺ ስእሊ,ብተደጋጋሚ ኣብ ግጭት ክኣትዉ ዝርኣዩ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን

በቲ ኣብ 2013 ዝተወልዐ ኲናት 400,000 ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤተ-ንብረቶም ተመዛቢሎም እዮም።

ጸሓፊ በይነመንግስታዊ ውድብ ልምዓት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ወርቅነህ ገበየሁ፡ እዚ ኣብ ደቡብ-ሱዳን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ፡ ልጓምን ዘተን ክግበር ጸዊዑ።

ኤምባሲታት ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ኖርወይ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ግዝኣት 'ኣፐር ኒል' ዝተፈጸመ ክሳራ ህይወት ዘስዓበ ተጻብኦ ኰኒኖም።

እቶም ኤምባሲታት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ በቲ ማእሰርቲ ወተሃደራውያን መኮንናትን ሲቪላውያን ሰበስልጣን ስክፋታኦም ድሕሪ ምግላጽ፡ "ኣብ ጁባ ዝመደበሮም መራሕቲ፡ ንሰላማዊ ዘተ ዘለዎም ተወፋይነት ከርእዩን ንረብሓ ደቡብ-ሱዳን ቀዳምነት ክህቡን ኣለዎም፡" ኢሎም።