እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ዝጸንሑ ቈልዑን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ትረድኦም መርከብ ረኺቦም።
እዞም ካብ ሊብያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝዀኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ ተዓቚቦም ህጹጽ ረዲኤት ክረኽቡ ክምሕጸኑ ዝቐነዩ'ዮም።
ኣብቲ ብዙሓት ስደተኛታት ዘሕለቐ ባሕሪ ህይወት ንምድሓን ዝተዋፈረ 'ሲ ዋች ኢንተርናሽናል' ዝባህለ ማሕበር ግብረሰናይ ከምዝበሎ፡ እቶም ስደተኛታት ትማሊ ምሸት ናብ ናብታ ንምድሓን ስደተኛታት ዝተዋፈረት መርከቡ ከምዝተሰጋገሩ ሓቢሩ።
"ኣውሮራ ዝተባህለት መርከብና ነቶም 32 ኣብ መደበር ጋዝ ዝጸንሑ ኣውጺኣቶም ኣላ። ሃገራት ህይወት ንምድሓን ዕሽሽ ኣብ ዝበላሉ ሕጂ'ውን ሲቪላውያን ማሕበራት ግደአን ክጻወታ ተገዲደን ኣለዋ" ይብል እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ።
'መዲተራንያ ሰይቪን ሁማንስ' ዝተባህለ ካልእ ህይወት ኣብ መድሓን ዝተዋፈረ ማሕበር'ውን እቶም ስደተኛታት ብሰላም ካብቲ ዝነበርዎ ተገላጊሎም ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፡ ሰብመዚ ሃገራት ኣውሮጳ ክቕበልኦም ተማሕጺኑ።
"ሕጂ ዝወርድሉ ወደብ'ዩ ዘድልየና ዘሎ" ክብል ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ'ሎ።
ሓያለ ተሓለቕቲ ትካላት፡ እቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ስደተኛታት ህጹጽ ደገፍ ክረኽቡን ናብ ቱኒዚያ ከይውሰዱን ጸቕጢ ክገብራ'የን ጸኒሐን።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዝዘርግሕዎ ቪድዮ፡ "ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ሰማዕቲ ትግርኛ ኣሕዋትና፡ ኣብዚ ንሕና ብጥምየትን መከራን ቁርን ንመውት ኣለና" ክብሉ ተማሕጺኖም ነይሮም።
"በጃኹም ሓግዝና፡ ርድኡና፡ ኣብ ዝተወሰነ ሰዓት እንተዘይተረዲእና፡ ኣንሕና ክንመውት ኢና ፍሉጥ'ዩ" ክብል ይስማዕ ሓደ ካብኦም ኣብቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ።
ማሕበር ግብረሰናይ 'መዲተራንያ' ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ሓደ ካብኦም ድሮ ሞይቱ ከምዘሎን እቶም ንስክላ ካብ ሞት ዝደሓኑ'ውን ብኽቱር ጥምየትን ቀዝሒን ተሰኒፎም ከምዝነበሩን ይጠቅስ።
"ሓደ ካብኦም ድሮ ሞይቱ'ሎ፡ ዝበዝሑ ድማ ሓሚሞም ኣለዉ፡ ማይ ይኹን መግቢ የብሎምን፡ ንህቦብላ ባሕሪ ዝተቓልዑ'ዮም። ተወሳኺ ግዜ ከነጥፍእ የብልናን" ክብል ሰብመዚ ኤውሮጳ ህጹጽ ደገፍ ብምግባር ንምደሓኖም ክጓየዩ ጸዊዑ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ,Mediterranea Saving Humans
ሰራዊት ቱኒዝያ ንኸምዚኦም ዝመሰሉ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ስደተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ከምዘይገብር ዝነቐፈ እቲ 'መዲተራኒያ ምድሓን ሰባት' ዝተባህለ ማሕበር፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ቱኒዝያ ከይጥረዙ'ውን ተማሕጺኑ።
"በጃኹም ሓግዝና፡ ብጥምየትን ብቝርን ንመውት ኣለና፡ ረአዩዋ፡ ኣሕዋትና ብጥምየት ሞይቶም፡ ብቑሪ ሞይቶም፡ መዓት ሰብ. . ." ይብል እቲ ናይ ርድኡና መልእኽቲ።
እቲ ብዓቢ ትካል ነዳዲን ጋዝን ብሪጣንያ (ብሪቲሽ ፐትሮልዮም) ዝውነን 'ሚስካር ኦይል ፕላትፎርም' (Miskar Oil Platform) ተባሂሉ ዝጽዋዕ መደበር፡ ኣብ ማእከላይ መዲተራንያን፡ ኣብ መንጐ ቱኒዝያን ኢጣልያዊት ደሴት ላምፐዱዛን ዝርከብ'ዩ።
"ካብ ሊብያ ዝሃደሙ ቈልዑ፡ ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ኣብ ሚስካር መደበር ነዳዲ ምስበጽሑ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ኣጋጢምዎም ንኣርባዕተ መዓልታት" ሓዲግ ከምዝተረፉ እቲ ማሕበር ይጠቅስ።
መሸፈኒ ዘይብሉ ብምዃኑ ድማ እቶም ስደተኛታት ንንፋስ፡ ቁሪ፡ ዝናብን ጸሓይን ዝተቓልዑ'ዮም።
ብሰንበትን ብሰኑይን ሓንቲ ሲቪላዊት ነፋሪት ኣብ ልዕሊኦም እናዘንበየት ትከታተሎም ምንባራ ካልእ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ዝተዋፈረ 'ሲ ዎች ኢንተርናሽናል' ዝተባህለ ማሕበር ሓቢሩ።
እቲ ዝነበርዎ ቦታ ደገፍ ዝረኽብሉ ብዘይምዃኑ፡ ሰብመዚ ኤውሮጳ ህጹጽ ደገፍ ክገብርሎም እቶም ተሓለቕቲ ትካላት ክጽውዑ'ዮም ጸኒሐም።

ምንጪ ስእሊ,Sea-Watch International
ኣብቲ ቪድዮ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደ ጸቢብ ናይ ሬተ ባይታ ተጸቓቒጦም ደቂሶም፡ ገሊኦም ብድኻም ዝተሰነፉ ይመስሉ፡ ገለ ድማ ኮፍ ኢሎም ይረኣዩ። ማዕበል ባሕርን ንፋስን ከወናጨፍ'ውን ይስማዕ።
"ካብ ሊብያ ካብ ንብገስ ሓሙሽተ መዓልቲ ጌርና ኣለና፣ ኣብ ባሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ጌርና ኣለና። ሕጂ ጎማ ነፊሱና ተገምጢልና ኣብቲ ኣብ መንጎ ቱኒዝያን ኢጣልያን ዝርከብ ናይ ጋዝ ፋብሪካ ኢና ዘለና" ይብል እቲ ኣብቲ ቪድዮ ክዛረብ ዝስማዕ መንእሰይ።
"ደቂኣንስትዮ ኣሓትና'ውን እኔአዋ፡ ብሕማም ብሰዓል እኔአዋ. . .ሓደራ ሓደራ ንእሽቶይ ዕድል'ዩ ዘለና፡ በጃኹም ሓግዙና።"
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ይፍለጥ።
እቶም ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ሃገራቶም ዘሎ ግጭት፡ ውግእ፡ ኲናት፡ ግዱድ ውትህድርናን ምግሃስ መሰላትን ሃዲሞም'ዮም ውሑስ ዑቕባ ንምርካብ ናብ ኤውሮጳ ክውሕዙ ዝረኣዩ።

ምንጪ ስእሊ,Mediterranea Saving Humans