ባይቶ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምጥያስ ዝዓለመ እማመ ኣጽዲቑ

ባይቶ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምጥያስ ዝዓለመ እማመ ደጊፉ ።

እቲ እማመ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ዜጋታት ንምትእንጋድ ምስ ሳልሰይቲ ሃገር ስምምዕ ክትገብር ይጽውዕ።

ብመሰረት እቲ እማመ፣ እታ ሳልሰይቲ ሃገር ንኤርትራውያን ከተአንግዶምን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘድሊ ሰነዳት ናይ ምርካብ ሓላፍነት ክትወስድን እያ።

እቲ ባይቶ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዝብል ውሳኔ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ተቐባልነት ስለ ዘይረኸበ ንምትግባሩ ከምዘይተኻእለ ገሊጹ።

ስዊዘርላንድ ብመንገዲ ሚኒስተር ስደተኛታት ኣቢላ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፣ ምስ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብምትሕብባር ሓተቲ ዑቕባ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ናብ ዝርከባ ማእከላት ንምስግጋር ዕላማ ከምዘለዋን ንግዚኡ ግን ንበይና ተካይዶ ዝነበረት ዝርርብ ምስ ርዋንዳ ደው ከምዘበለቶ ገሊጻ ኔራ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት