ቻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ ኣፍካ ማይ ዘምዑግ ዓይንኻ ዘየኽድን ውድድር

ቻምፕዮን ኤርትራ 2024 ጽባሕ ሓሙስ ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር: ቀዳም 15 ሰነ ከኣ ብናይ ጽርግያ ውድድር ክካየድ’ዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ኣውሮጳዊ ውድድራት ምስ ዓበይቲ ዎርልድ ቱር፡ ኮንቲነንታል ጋንታታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝወዳደሩ ትስፉዋት ተቐዳደምቲ ዝወዳደርሉ ኮይኑ፡ ብኣግኡ መን ክዕወት ይኽእል ግምት ዘይትህበሉ ከቢድ ውድድር’ዩ።

እቲ ውድድር፡ ብኽልቲኡ ጾታ’ዩ ክካየድ።

ጁንየር ደቂ ኣንሰትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ከምኡ ከኣ ኤሊት ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ርሕቐት ተሰሪዕለን ቻምፕዮን ኤርትራ ዓመተ 2024 ንምዃን ክረጋገረጋ’የን።

ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ናይ ጁንየር፡ ትሕሪ 23 ዓመትን ናይ ኢሊትን ብናይ ግዜን ብናይ ጽርግያን ቻምፕዮን ኤርትራ ንምዃን ዓቢ ምትህልላኽ ከርእዩ ትጽቢት ኣሎ።

ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፤ ተመክሮን ዓይነታት ብሽክለታን ዘድልዮ ውድድር ስለዝኾነ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣብ ዓበይቲ ናይ ደገ ጋንታታት ዝወዳደሩ ተጻወትቲ’ዮም ክዕወትሉ ተራእዮም።

ዓሚ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ 2022 ቢንያም ግርማይ፡ 2021 መርሃዊ ቅዱስ ነዚ ውድድር ተዓዊተሙሉ ምንባሮም ዝዝከር'ዩ።

ዓሚ ተዓዋቲ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ክኸውን ዝኸኣለ ኣባል ኣመሪካዊት ጋንታ ትሬክ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ንዘርኣዮ ድንቂ ብቕዓት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ዓሚ ዝተጎናጸፎ ዓወት ሎሚ ዓወት’ውን ክደግሞ ከምዝኽእል ብብዙሓት ተገሚቱ ኣሎ።

ከም ብዓል ሄኖክ ሙሉብርሃን፣ ናትናኤል ብርሃነ፣ ቢንያም ግርማይን መርሃዊ ቅዱስ’ውን ንኣማንኤል ዘየቕስኑ ተቐዳደምቲ ከምዝኾኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ቅድሚ ሕጂ ብናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ

  • 2023፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር
  • 2022፡ ቢንያም ግርማይ
  • 2021፡ መርሃዊ ቅዱስ
  • 2020፡ ብምኽንያት ኮረና ውድድር ኣይተኻየደን
  • 2019: ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሁር
  • 2018: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2017: መኽሰብ ደበሳይ
  • 2016: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2015: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2014: ናትናኤል ብርሃነ
  • 2013: መትከል ክፍላይ
  • 2012: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2011: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

 

ናብቲ ቀዳም ዝካየድ ውድድር ንመለስ

ቀዳም 15 ሰነ ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር ካብ ባሕቲ መስከረም ተበጊሱ፡ ናብ ማይ ጭሆት ብምቅናዕ ካብ እንዳ ገብረትንሳኤ ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ብጎደና ናቕፋ ኣቢሉ፡ ናብ ጎደና ደንደን ተሓዊሱ ዓቐበት ፎርቶ ብምድያብ ብቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ጎደና ሰማእታት ብምውራድ ኣብ ሲቲ ፓርክ ናብ ሲነማ ሮማ ተጠውዪ ካብ ሽዳ ናብ ጎደና ብድሆ ተሓዊሱ ኣብ ባር ቶሪኖ ናብ ጎደና ፈልከት ብምእላይ ናብ ጎደና ሓርነት ተሓዎሱ ናብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝምለስ [ሓደ ዙር 11.1 ኪሎሜተር] ብሓፈሻ ልዕሊ 170ኪሎ ሜተር ተሰሪዕሎም ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ብዘይካ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘለዋ ጋንታታት ተጠርኒፎም ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ምስ ዓበይቲ ጋንታታት ኮይኖም ብደረጃ ዓለም ዓቢ ሽም ዘለዎም ተቐዳደምቲ ዝወዳደርሉ’ዩ።

እቲ ብተሌቭዥን ክወዳደሩ ዝርእዮም ፈታዊ ቅድድም ብሽክለታ ከኣ ነዞም ተቐዳደምቲ ንሓድሕዶም ክወዳደሩ ንምርኣዮም ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ንጎደናታት ኣስመራ ክመልኦ ትፅቢት ይግበር።

ኣብቲ ቀዳም ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ሽዱሽተ ኣባላት ኣብ ዎርልድ ቱር ዝወዳደራ ጋንታታት ኣለዋ።

ኣማንኤል ግብረእግዝኣብሄርን ን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ካብ ኣመሪካዊት ጋንታ ትሬክ፡ ቢንያም ግርማይ፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን መዋእል ግርማይን ካብ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ካብ ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን።

ኣብ ኮንቲነንታል ጋንታታት ዝወዳደሩ’ውን ትሽዓተ ተቐዳደምቲ ኣብቲ ቀዳም ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር ዳንጋይዶ ዳንጋኻ ክብሃሃሉ’ዮም።

ምስ ማሊዥያዊት ጋንታ ትራንጋኑ ፖሊጎን ዝወዳደሩ መርሃዊ ቅዱስን መትከል እዮብን፡ ዳዊት የማነን ዩኤል ሃብተኣብን ካብ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ፡ ናትናኤል ብርሃንን ጴጥሮስ መንግስን ካብ ቱርካዊት ጋንታ በይኮስ፡ ምስ ኲው36.5 ዝወዳደር ናሆም ዘርኣይ፡ ምስ ፊሊፒናዊት ጋንታ ሰቨን ኢለቨን ዝወዳደሩ ኣኽሊሉ ገብረህይወትን ኤቨን የማነን።

ከምኡ ከኣ ምስ ናይ ዩሴኣይ ጋንታ ብምዃን ዝወዳደር ዘሎ ናይ ዓሚ ቻምፕዮን ኤርትራ ዓወት ኣማን።

ኣርማ ሃገራዊ ፈሰረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ

ቢንያም ግርማይ ክሳብ መወዳእታ ትውዕል ጉጅለ እንተፀኒሑ፡ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ብዘለዎ ብቕዓት፡ ብዓቢኡ ካብ ደቂ ጋንትኡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን መዋእል ግርማይን ደገፍ ክረክብ ስለዝኽእል ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ከምዘለዎ ብብዙሓት ግምት ተዋሂብዎ ኣሎ።

እንተኾነ ኣብ ታሪክ ቻምፕዮን ኤርትራ ብቀጽበታዊ ውድድር ክዛዘም ሳሕቲ’ዩ ዝርአ።

ዓምን ቅድሚ ዓምን እንተሪኢና፡ ኣብ 2022 መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሃዲሞም ብምውዓል’ዮም ብዘይ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ኣትዮም።

ዓሚ’ውን ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ንሓድሕዶም እናተሓላለዉ ጸወታ ክዛዘም 4 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ዓወት ኣማንን ጴጥሮስ መንግስን ብምህዳም ብዘይ ተጻቓጺ ቀዳማይን ካልኣይን ብምዃን ኣትዮም።

ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር’ውን እቲ ካልእ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ዝግመት ተቐዳዳማይ’ዩ፡ ኣማንኤል ሎሚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ጂሮ ዲ ኢታሊ ዘርኣዮ ብቕዓት ርኢኻ፡ ነቲ ኣብ 2014 ዝተጎናጸፎ ቻምፕዮንነት ኤርትራ ቀዳም ድሕሪ 10 ዓመታት ክደግሞ ግዚኡ’ዩ ዘብል’ዩ።

2018 ከምኡ ከኣ 2022 ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ክኸውን ዝኸኣለ መርሃዊ ቅዱስ’ውን ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ብምዃን ምስቲ ኣብ ኣብ 2011፡ 2012 ከምኡ ከኣ 2016 ሰለስተ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ክመዓራረ ዘኽእሎ ብቕዓት ሒዙ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዙር ጃፓንን ዙር ቱርክን ብዘርኣዮ ብቕዓት ኣመስኪሩ’ዩ።

እቲ ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾነን ኣብ ገልጎል፡ ዓቐበትን ቅጽበታዊ ውድድርን ድንቂ ብቕዓት ዘለዎ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስታና ሄኖክ ሙሉብርሃን’ውን ጸወታ ኣብ ምንባብ ብዘለዎ ዓቕሚ ዘለዎ ህሉው ብቕዓተን ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ውድድር’ዚ ንምዕዋት ዘይንሕፍ ተጻዋታይ’ዩ።

ኣብዚ ውድድር፡ ካብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዝዕወቱ ኣብ ወጻኢ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከምዝውሃቦም ብፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ መበጽዓ ዝለስተኣተወሎም፡ እቶም ናይ ዞባ ማእከል ተቐዳደምቲ ነቶም ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ቅሳነት ከምዘይህብዎም'ውን ይግመት።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት’ውን ከም ኣኽሊሉ ኣረፋይን፡ ጵጥሮስ መንግስ፡ ዩኤል ሃብተኣብ፡ ሄብሮን ብርሃነን ክልኦትን ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ናይ ጽርግያ ውድድርን ዓቢ ምትህልላኽ ከርእዩ ተስፋ ይግበር።

ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኤርትራ ዝዀኑ

  • 2023፡ ዓወት ኣማን
  • 2022፡ መርሃዊ ቅዱስ
  • 2021፡ ዳዊት የማነ
  • 2020፡ ብምኽንያት ኮቪድ ኣይተኻየደን
  • 2019፡ ናትናኤል ብርሃነ
  • 2018፡ መርሃዊ ቅዱስ
  • 2017፡ ሜሮን ኣብርሃም
  • 2016፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2015፡ ናትናኤል ብርሃነ
  • 2014፡ ኣማንኤል ገብረእግዚኣብሄር
  • 2013፡ ሜሮን ተሾመ
  • 2012፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2011፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት