ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተሳተፉ ኣባለት እቲ ቤት ምኽሪ፡ ናብ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሕቶ ከቕርቡ ዕድል ረኺቦም ነይሮም።
እዞም ኣባላት፡ ምስ ሰላምን ድሕንነትን፣ ቁጠባን ዲፕሎማሲን እታ ሃገር ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት እዮም ኣልዒሎም።
ከም ወትሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መልሱን መብርሂኡን ኣብ ክልተ ከፊሉ ንኣባላት ባይቶ ኣቕሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ፡ ኣብ’ቲ ዕትብ ዝበለ ምላሹ፡ "[ካልኦት] ሃገራት ንኢትዮጵያ ክወርራ ይኽእላ እየን" ዝብል ስክፍታ ዘለዎም ሰባት ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ንጸጥታ ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
"ሎሚ ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ክወርር ዝኽእል ኣካል የለን። እንተመጸኡ ድማ፡ ንምምካት እኹል ዓቕሚ ኣለና።
"ክፍተት ስለዝነበረና፡ ካብ ደገ እንገዝኦም ዝነበርና ኣጽዋራት፡ ባዕልና ከነፍሪ ጀሚርና ኣለና። ሰባት ኣይንትንክፍን ኢና፡ እንተ ተንኪፎምና ግን ኣይንምሕሮምን፤ ዘፍርሕ የብልናን" ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ‘ወራር’ ብቐጥታ ዝተተሓሓዝ ሕቶን ስግኣትን እኳ እንተዘየልዓሉ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን "ኣይትሻቐሉ፡ ዝኾነ ወራሪ እንተመጺኡ ኣሕፊርና ክንመልሶ ኢና፡ ንዝኾነ ሰብ ግን ቀዲምና ኣይንትንክፍን ኢና" ክብል ተሰሚዑ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣቢይ ምስ ሶማልያ፣ ኤርትራን ግድብ ህዳሴን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።
ኣብዪ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ድሕሪ ዝበጽሐቶ ስምምዕ፡ "ኢትዮጵያ መሬት ሶማልያ ከትወስድ ተስማሚዓ ዝብል ተረኻታት ክፍጠር እዩ ተፈቲኑ፤ ን50 ዓመት ውዕል ክራይ ኢና ፈሪምና፤ ናይ 50 ዓመት ሊዝ መሬት ብኸመይ'ዩ መሬት ምምንጣል ዝኸውን?" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ወደብ ናይ ምርካብ ስምምዕ፡ ንሶማልያ ዘቖጠዐ ዀይኑ፡ ኣብ ምንጐአን ዝጸንሐ ርክባት ሓርፊፉ ይርከብ።
እቲ ወጥሪ ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ ከም በዓል ግበጺ ዝበላ ምስ ኢትዮጵያ ምስሕሓብ ዘለወን ሃገራት ጐቲቱ ዘምጸአ ኣጀንዳ ዀይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መራሕቲ ግብጺ ሶማልያን ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ንኢትዮጵያ ዘነጻጸረ ምዃኑ ዝተነግረሉ ስሉሳዊ ስምምዕ ምፍራሞም ይዝከር።
ኣብዪ ኣብ መብርሂኡ፡ "ምስ ሶማልያ ዝኾነ ካልእ ኣጀንዳ የብልናን፡ ኣጀንዳና ቁጠባናን ህዝብናን እናዓበየ ምምፅኡ ጥራይ እዩ፤ ዓበይቲ ስለ ዝኾንና ንሕና እንተፈሪስና፡ ኩሉኹም ክትጠፍኡ ኢኹም ዝብል እዩ ሕቶና” ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ወደብ-ኣልቦ ዀይና ዝጸንሐት ‘ኢትዮጵያ ብቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ በሪ ክህልዋ ግድን እዩ’ ዝብል ቅዋሙ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
"ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነቕ ዘይብል ሃገራዊ ረብሓ [ሕቶ] ኣለዋ፤ ናብ ቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ ሰላማዊ መንገዲ ከምዘድልያ ጻውዒት፡ ዓለም ትሰምዕ እያ ዘላ። ኣብዚ ጉዳይ ንዋዘ ዘለና መሲሉ ዝስመዖ ወይ ድማ ዕሽሽ እንብሎ ዝመስሎ እንተሎ ጌጋ እዩ" ብምባል መሊሱ መርገጺ መንግስቱ ኣስሚሩሉ ኣሎ።
ካልእ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልዒሉ መብርሂ ዝሃበሉ ጉዳይ፡ ብቐጥታ ምስ ኤርትራ ዝተኣሳሰር እዩ።
"ምስ ኤርትራ ብዝተኣሳሰር ገለ ወረታት ይስምዑ እዮም። ንሕና እንደልዮ ሰላም እዩ። ዝኸፍአ ነገር ክሳብ ዘይተፈጸመ፡ ብናትና ተበግሶ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣሕዋትና እንፍጽሞ ነገር የለን" ኢሉ።
ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣብ ክረምቲ 2018 ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ኩነተ-ኲናት ዝቕይር ሃንደበታዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ ኣስመራ ተፈሪሙ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ኣብዪን ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ ብሓባር ኣንጻር ህወሓት ተዋጊኦም እዮም።
እንተኾነ ግን እቲ ኲናት ኣብ ፈለማ ሕዳር 2022 ብስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ምባሉ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ባህ ከምዘየበሎ'ዩ ዝንገር።
ኣብ 2023 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝሃቦ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘቖጥዐ ተመሳሳሊ መግለጺታት'ውን ነቲ ዝነበረ ዝምድናን ክብጻሕ ተጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ምዕባለን ትጽቢታትን ሓላሊኽዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።