ኣባል ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ብሰኑይ 10 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝህሉ ሓድሽ ኲናት ንካርታ ሃገራት ዝቕይርን ከም ዝኸውን ምእማቱ'ውን ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቖጢዑ'ሎ።
እቲ ዝውላዕ ካልእ ኲናት ነዊሕ ከምዝኸውን ዝገለጸ ጀነራል ጻድቃን፡ "ደው ምስ በለ [ግን]፡ እዚ ሕጂ ንፈልጦ ጆኦግራፊ ሃገራት ብኸምኡ ኣይክቕጽልን'ዩ" ይብል።
ኣስመራ ሎሚ ብመገዲ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ ኣብ እዋን እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ንወደብ ዓሰብ ንምቁጽጻር ዕላማ ከምዝነበረ ገሊጹ'ሎ።
"እዚ ድማ ኣብ እዋን ሳልሳይ ወራር [2000] ተፈቲኑ'ዩ" ክብል'ውን እቲ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ይጠቅስ።
እቲ ከም ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ነቲ ዶባዊ ኲናት ዝመርሐ ጀነራል ጻድቃን ነታ ኣካል ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ዝኾነት ወደብ ዓሰብ ኣብ ትሕቲ ዋንነት ኢትዮጵያ ክትኣቱ ኣለዋ ዝብል መርገጺ ከም ዝነበሮን መርገጺኡ ከም ዘይቀየረን ኣብ ግንቦት 2020 ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ተዛሪቡ ነይሩ።
"ዓለምለኻዊ ናይ ኢንቫይሮመንት [ኣከባቢ] ውዕላት መሰረት ብምግባር" ከም ብሓድሽ ዝራኣየሉ መንገዲ የሰላስል ምንባሩ'ውን ጠቒሱ።
"እዚ ኣብ ሓንጎለይ እናተመላለሰ እንከሎ ኤርትራ ወሪራ... ስለዚ፡ ነዚ ባዕሎም ዝጀመርዎ ኲናት መበገሲ ገይርና ብምልኡ ነቲ [ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዓለምለኻዊ] ስምምዕ ከም ብሓድሽ ክረአ ዝገብር ዕድል ፈጢሩልና ስለ ዘሎ፡ ነቲ ዕድል ንጠቐመሉ' ዝብል ኣረኣእያ ነይሩኒ፡" ይብል እቲ ጀነራል።
"ስለዚ ኢትዮጵያ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሓይሊ ክትኰነሉ ዘኽእል ኵነታት፡ እንተ ተኻኢሉ ብሰላማዊ መገዲ፡ ብስምምዕ ክመጽእ ኣለዎ። እዚ እንተ ዘይኰይኑ ግን፡ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተ ዘይኰይኑ [ኵናት ምውልዑ] ኣይተርፎን'ዩ፡" ክብል'ውን ኣሚቱ ነይሩ'ዩ።
ኣንጻር እቶም ምስ ኤርትራ ርክብ ኣለዎም ዝባሃሉ ዝበዝሑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ተሰሊፉ ዘሎ ጻድቃን፡ ክልል ትግራይ ዳግማይ ናብ "ዓውደ-ውግእ" ከይትምለስ ዘለዎ ስግኣት ብምግላጽ "ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምሕዝነት ቀስ ብቐስ ብምንቁልቋሉ ናብ ኲናት ምእታው ዘይተርፍ'ዩ ዝመስል" ክብል'ዩ ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሪፖርተር ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝምጉት።
"ትግራይ ዓውደ-ውግእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክትከውን ኣይትኽንልን'ያ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ዓንቀጽ ግን ብዛዕባ ናብ ኲናት ዝመርሑ ምንቅስቓሳት ይዅኑ ተግባራት ዘቕረቦ ጭቡጥ መርትዖታት የለን።
ኤርትራ ብወገና፡ "ናይ መወዳእታ ምድላዋት" ይግበር ከምዘሎ ምጥቃሱ'ውን ብዛዕባ'ቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝድለ ዘሎ ዝበለቶ ኲናት ኣፍልጦ ከምዘለዎ ዝእምት'ዩ ክትብል'ያ መልሲ ሂባትሉ ዘላ።
"ጻድቃን ምናልባት ከይተፈለጦ ብዛዕባ እቲ ኲናት-ዝብህግ ኣጀንዳ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ኣቃሊዑ'ሎ" ይብል እቲ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ።
"ዋላ'ኳ ብዛዕባ ሰላም ንብዓት ሓርገጽ እንተኣፍሰሰ፡ ቀንዲ ሃቐንኡ ግን ነቲ ናይ ኲናት ኣጀንዳ ዘለዎ ጉጅልኡ ምጉስጓስን ምልዕዓልን'ዩ" ብምባል ብዛዕባ "ምሕጻር ናይቲ ኲናት" ምዝራቡ መርኣያ ምዃኑ'ያ ኣስመራ ትምጉት።
ጀነራል ጻድቃን ኣብ ጽሑፉ "ረብሓታት ትግራይ ነቲ ኲናት ብምውጋድ'ዩ ዝረጋገጽ፡ ዘይክኣል እንተኾይኑ ድማ ዕድመ ናይቲ ኲናት ምሕጻርን ህላወና ምርግጋጽን'ዩ" ይብል።
"ኲናት ንምውጋድ ዝግበር ጻዕርታት እንተፈሺሉ፡ ብኹሉ ኣገባብ (ወተሃደራዊን ዲፕሎማስያዊን) እቲ ኲናት ብዝቐልጠፈ ደው ክብል ንረብሓ ትግራይን ዞባን [ቀርኒ ኣፍሪቃን] ዘገልግል" ምዃኑ እቲ ብዓልስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዎ እምነት ኣነጺሩ።
ንሳላም ዘሎ ዕድላት ይጸብብ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ነባር ተጋዳላይ ህወሓት ዝነበረ ጻድቃን፡ "ግጭታት ንምውጋድ፡ ኩሉ መንገድታት ብህጹጽ ክድህሰስ ኣለዎ" ኢሉ።
"ምርጫይ ትግራይ ሰላም ክትመርጽ'ዩ። ዝተሳቐየቶ ይኣኽላ። ግና፡ ኣብዚ መራሕቲ ኣብ ክንዲ ልዝብ ጎነጽ ዝመርጽሉን፡ ደበና ኲናት ኣብ ዘንጸላለወሉን እዋን፡ ትግራይ ዓውደ-ውግእ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክትከውን ዘለዋ ዕድል ኣዝዩ ግሁድ'ዩ" ብምባል ዘለዎ ስግኣት ኣፍሊጡ'ሎ።