እንግሊዝ፡ ኣብ ጐደናታት ብዝተኻየደ ከቢድ ዕግርግር 25 ሰባት ተኣሲሮም

እቲ ዘጋጠመ ባእሲ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍን ተቓወምትን ዝተፈጥረ ባእሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ገለ ሓበሬታታት ግን ኣሎ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ደቡብ ዮርክሻየር ከተማ ሸፊልድ ድሕሪ’ቲ ብቀዳም ኣብ ጐደናታት ዝተኻየደ ሰፊሕ ባእስን ዕግርግርን፡ ብገበናት ዓመጽን ሕንፍሽፍሽ ምፍጣርን ዝተጠርጠሩ 25 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ ፍጻመ ብቀዳም 25 ግንቦት 2024 ብኣቈጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ 2፡25 ኣቢሉ ኣብ ጐደና ዉድቦርን ከም ዘጋጠመ ፖሊስ ደቡብ ዮርክሻየር ገሊጹ።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ 22 ሰባት ተሃሪሞም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን፡ ካብዚኦም እቶም 10 ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉን ፖሊስ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ብርክት ዝበሉ ኣጽዋራት፡ ኣብቲ ዕግርግር ኣገልጊሎም ክዀኑ ይኽእሉ ኢሉ ከም ዝኣመን ፖሊስ ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ’ሎ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ዝተወሰነ ጕጅለ ንኽልተ ኣብ ጐደና ዉድቦርን ወዲቘም ዝነበሩ ግዳያት ክሃርሙ እንከለዉ የርኢ።

ዛጊት እቶም ባእስን ዕግርግር ዘካየዱ ሰባት መንነቶምን ምኽንያቶም’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ፖሊስ፡ “ብተደጋጋሚ ዓመጽ ዝመልኦ ገበናት” ብዝብል ጥርጣረ 25 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተውን መርመራ ይካየደሎም ከም ዘሎን እዩ ገሊጹ ዘሎ።

መርማሪ ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ,OLI CONSTABLE/BBC

መግለጺ ስእሊ,ኣብቲ ቦታ ተዋፊሩ መርመራ ዘካይድ ዘሎ ሓይሊ ፖሊስ፡ ነቲ ጐደናታት ዓጽዩ ዕቱብ ተፍትሽ የካየድ ኣሎ

እቲ ዘጋጠመ ባእሲ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍን ተቓወምትን ዝተፈጥረ ባእሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ገለ ሓበሬታታት ግን ኣሎ።

ኣብ መንጐ እዞም ጕጀለታት ኣብ ዝተፈላለየ ብደገፍቲ መንግስቲ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳ፤ ኣመሪካ፡ ካናዳ፤ እስራኤልን ካልእን ኣብ ዝውደብ ፈስቲቫላትን ጽንብላትን ደማዊ ባእስን ዕግርግርን ክርአ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብዚ፡ መበል 33 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝበዓለሉ ዘሎ ቅንያት ድማ ተመሳሳሊ ኵነታት ከየጋጥም ኣብ ገለ ከተማታት ውጥረት ሰፊኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እዚ ኣብ ሸፊልድ ዘጋጠመ ኵነታት እውን ካብኡ ዝፍለ ከም ዘይኰነ ዝተፈላለዩ ሓበሬታት ይወጽኡ'ኳ እንተለዉ ቢቢሲ ግን ዛጊት ኣየረጋገጾን።

ቅምሶታት ትእክብ ዘላ መኪና ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ,OLI CONSTABLE/BBC

መግለጺ ስእሊ,ሓበሬታ ዝእክብ ዘሎ ፖሊስ መሰኻኽር፡ ወይ ድማ ንምርመራ ፖሊስ ሓገዝቲ ሓበሬታ ወይ ቪድዮ ዘለዎም ሰባት ድማ ምስ ፖሊስ ከተሓባበሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።

በቲ ዝተፈጥረ ኵነታት ባእሲ ሓበሬታ ዝበጽሖ ክፍሊ ኣገልግሎት ድሕነት ኣብቲ ቦታ ብህጹጽ ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ።

ፖሊስ፡ ክልተ ካብቶም ዝተሃረሙ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ከም ዘለዉ እውን ሓቢሩ።

ኣብቲ ቦታ ተዋፊሩ መርመራ ዘካይድ ዘሎ ሓይሊ ፖሊስ፡ ነቲ ጐደናታት ዓጽዩ ዕቱብ ተፍትሽ የካየድ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ መስመር ትራም ገበን ዝተፈጸመሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝተገመተ ኣጽዋር ከም ዝረኸቡ ኣባላት መርመራ ገበን ሓቢሮም።

ብዘይካ’ዚ ኣባላት መርመራ ገበን ነቲ ቦታ ንምፍታሽን ሲሲቲቪ ዝሰነዶ ኣሳእል ኣኪቦም መርመራታቶም ይቕጽሉ መራሒ እቲ ጕጅለ መርመራ ሳይሞን ዋንለስ ገሊጹ።

ንሱ፡ “ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታትን ኣብቲ ከባቢ ጽዑቕ ህላወ ፖሊስ ክትዕዘቡ ኢኹም። ዝዀ ሰብ ዝዀነ ስክፍታ ወይ ሕቶ እንተሃልይዎ በጃኹም ደው ኢልኩም ንመኮንናትና ኣዘራርቡም፣ ንዓኹም ንምሕጋዝ እዮም ኣብኡ ተዋፊሮም ዘለዉ” ክብል ህዝቢ ክተሓባበር ተማሕጺኑ።

ነቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ዝምልከት መሰኻኽር፡ ወይ ድማ ንምርመራ ፖሊስ ሓገዝቲ ሓበሬታ ወይ ቪድዮ ዘለዎም ሰባት ድማ ምስ ፖሊስ ከተሓባበሩ ጻውዒት ቀሪቡ’ሎ።