እታ ታሪኽ ዓወት ካብ ሰውራ ኣፍሪቃ ናብ ባይቶ ሽወደን እትብል መጽሓፍ፡ ንድሕረ ባይታ ኣርሀ፡ ልደቱን ኣተዓባብያኡን፡ ኣብ ንእስነቱ ዝሓደሮ ሃገራዊ ጽልዋን ተሳትፎኡ ኣብ ቃልሲን፡ ዓቕመ ኣዳም ቅድሚ ምብጽሑ፡ ብስርዓት ሃይለስላሰ ዝወረዶ ማእሰርትን ስቅያትን፡ ብዝሰንኩ ኣብ ልዕሊ ገዛእቲ ዝሓደሮ ጽልእን መንፈስ ቃልሲን፡ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ተጸንቢሩ ዘሕለፎ ህይወት፡ ተመኵሮኡ ንዝተፈላለዩ ገጻት ውግእ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ - ብፍላይ እቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ከባብን መታሕትን ዝወረደ ምምዝባል፡ ቅትለትን ዓመጽን፡ ራስያን ዝምታን ንብረትን ጥሪትን፡ ጾታዊ ዓመጽን ኢሰብኣውነትን፡ ስደት፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝረኸቦ ትምህርትን ፖለቲካውን ማሕበራውን ተመኵሮን ካልእን እተዘንቱ መጽሓፍ እያ።
ንምዃኑ እዚ ሕጂ ታሪኹ ኣብ መጽሓፍ ተሰኒዱ ዘሎ ኣርሀ መን እዩ? ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ምስኡ ዝገበሮ ዕላል ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ኣርሀ ሓመድናካ፡ ኣብ መስመር ኣስመራ ከረን ኣብ እትርከብ፡ ንእሽቶ ግን ከኣ ብምህርቲ ጸባን ፍረታትን ካብ እትፍለጥ ከተማ ዒላበርዕድ ኣስታት 7 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ "ይቐር" ዝተበሃለት ቍሸት'ዩ ተወሊዱን ዓብዩን።
ስድራ ኣቦይ ሓመድናካ ከም ኵሎም እቶም ኣስታት 40 ስድራቤታት እታ ቍሸት ብሕርሻን መጓሰን ይነባበሩ። ኣቦይ ሓመድናካ፡ ኣብ ርእሲቲ ናይ ማሕረስ ንጥፈታቶም ኣብ ዒላበርዕድ ኣብ ዝነበረ ዓቢ ኩባንያ ጥልያን ይሰርሑ ነይሮም። ኣርሀ ወዶም፡ ግብረ ክህነት ተማሂሩ ክቕሽሽ እዮም ዝደልዩ ነይሮም፤ ወዶም ግን መምህር ክኸውን ይትስፎ ነይሩ።
ኣርሀ ወዲ 10-12 ዓመት ኣቢሉ እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ወረታት ይሰምዕ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ኤርትራ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተወሪራ፡ ዓድታት ይነዳ፡ ጥሪት ይሕረዳ፡ ህዝቢ 'ደጋፊ ወንበዴ' እናተባህለ ብዓመጽ ይቕተልን ይብተንን ስለዝነበረ፡ ኣርሀ ኵሎም ዓበይትን ንኣሽቱን መንእሰያትን ቈልዑን ኤርትራውያን እቲ እዋን፡ በቲ ዝፍጸም ዝነበረ ዘስካሕክሕ ተግባራት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ይሓስቡን የስተንትኑን ነይሩ።
ኣብ ርእሲኡ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምሸት ምሸት ናብ ቍሸቶም እናመጽኡ ብዛዕባ ተግባራት ገዛእቲ ኢትዮጵያ የስተምህሩ ስለዝነበሩ፡ ኣርሀ፡ ወዲ 12 ዓመት እንከሎ ምስኣቶም ተላልዩን ሻሂ ሰትዩን።
እቶም ተቓለስቲ፡ እቲ ህዝቢ ንዕላማኦም ተረዲኡ ኣብ ጐድኖም ንኽስለፍን በብዓቕሙ ናይ መግብን ገንዘብን ሓገዝ ክገብረሎምን ይደልዩ ነይሮም። እቲ ህዝቢ ብተግባራት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ስለዝተማረረ ከኣ ነቶም ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ ይድግፎም ነይሩ።
ወዲ 13 ዓመት ተምሃራይ መባእታ ዝነበረ ኣርሀ፡ ካብታ ዝምሃረላ ዝነበረ ከተማ ዒላበርዕድ፡ እቶም ተጋደልቲ ዝለኣኽዎ ቡን፡ ሽኮር፡ ሽጋራን ክዳውንትን ገዚኡ የብጽሓሎም፤ ንዕላማን መትከልን ቃልሶም ዝገልጽ ዝህብዎ ጽሑፋት ከኣ ሓቢኡ ኣብቲ ከተማ ይብትኖ ነይሩ።
ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንጥፈታቱ ስለዝፈለጡ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣሲሮም ብሕሱም ገሪፎምዎ።
"እቲ ሽዑ ዘጋጠመኒ ዘስካሕክሕ'ዩ። ኣፍንጫይ ክሳብ ዝደሚ ተተበራርዮም ከም ሕሱም ቀጥቂጦምኒ። ዳሕራይ ካብታ ንእሽቶ ትሕተ መሬት ኣውጺኦም፡ ብዙሓት እሱራት ናብ ዝነበሩዎ ክፍሊ ኣእትዮምኒ፤ ኵሎም ዓበይቲ እዮም ነይሮም። ኣነ ጥራሕ እየ ቘልዓ ነይረ" ይብል ኣርሀ በቲ ኣብ ቍልዕነቱ ዘሕለፎ ከቢድ ስቓይ እናስካሕከሐ።
ዳሕራይ ግን ብጻዕሪ ወላዲኡን ዕድመኡን ተፈቲሑ። ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ግን ከቢድ ጽልኢ ኣንጻር መግዛእቲ ኣማዕቢሉ ወጺኡ። "ነቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ቅድሚኡ እውን ይጸልኦም ነይረየ'ሞ፡ ሽዑ ግን ዝያዳ ጸላእኩዎም፡" ኢሉ የዘንቱ።
ብዝወረዶ ግፍዒ ተዳሂሉ እውን ስቕ ኣይበለን። እኳ ደኣ ንጥፈታቱ ብሕቡእ ካብቲ ዝነበሮ ንላዕሊ ኣበሪኹዎ።
ካብ ቤት ማእሰርቲ ብኽንደይ መከራ ዘውጽእዎ ወላዲኡ ንጥፈታቱ ደው ንኸብልኳ እንተመኸርዎ ንሱ ግን ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበሮን። ብኽያትን ሻቕሎትን ወላዲቱ ይዅን ምኽሪ ኣዝማድን ቤተሰብን ንድሕሪት ኣይመለሶን።
ኣብ 1968፡ ገና ወዲ 15 ዓመት እንከሎ፡ ኣብ በዓለ ፋሲካ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ጸሎትን ቤተ ክርስትያንን ናብ በረኻን ተጋደልትን ከይዱ ኣብ ተሓኤ ተጸንቢሩ። ኣርሀ ናብ ተጋደልቲ ተጸንቢሩ ምስ ተሰምዐ፡ ኣቦኡ ክመልሱ ተነጊሩዎም። ንሱ ግን "ኣይምለስን እየ!" ኢሉ ኣቕበጸ፤ ብሰንኩ ወላዲኡ ተኣሲሮምን ተሳቕዮምን።
"ኣቦይ ጥራይ ዘይኰነስ መላእ ህዝቢ እታ ሃገር ይሳቐ ስለዝነበረ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ዓዲ ምምላስ፡ ኣንጻር መግዛእቲ ክቃለስ ወሲነ። ንዓይ'ኳ ንእሽቶ ቈልዓ ብጭካነ ዘሳቐዩኒ፡ ኣብ ወላዲየይ በጺሖም ንሕስያ ከምዘይገብሩ ይርድኣኒ ነይሩ። ስለዝዀነ ክቃለሶም ክጋደል መሪጸ" ይብል።
ኣብ 1975፡ ኣርሀ ኣብ ውግእ ከምዝተሰውአ ኣብቲ ከባቢ ስለዝተወርየ፡ ኣቦኡ ብዙሕ ሓዚኖም ነይሮም። ስለዝዀነ ኣርሀ ዕድል ገይሩ ናብ ዒላበርዕድ ብለይቲ ተሓቢኡ ኣትዩ፡ ምስ ኣሕዋቱን ስድራኡን ተራኺቡ ተመሊሱ። በዚ ከኣ እታ መላእ ስድራ ተሓጒሳ።
"እቲ ብሰንከይ ከቢድ መከራ ዝረኸበን ስርሑ ዝሰኣነን ወላዲየይ ብኣይ ኣይተቘጥዐን። በንጻሩ ተሓቢኑ፤ ብዓይኑ ስለዝረኣየኒ ከኣ ኣዝዩ ሕጕስ ነይሩ" ኢሉ ይዝክር።
ኣርሀ ናብ ቃልሲ ምስተሰለፈ፡ ግቡእ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲዱ ናብቶም ኣዝዩ ሓደገኛ ተልእኾታት ዝፍጽሙ ዝነበሩ ጕጅለ መስዋእቲ ተጸንቢሩ። ኣብ ብዙሕ ከቢድ ውግኣት ተሳቲፉ፡ ብዙሓት ብጾቱ እውን ስኢኑ።
"ኣብ ውግእ ንገዛእ ነብሰይ ክከላኸል ነቶም ክቐትሉንን ከጽንቱንን ዝመጽኡ ጸላእተይ ብብረት ገጢመዮም እየ። ኣብ ውግእ ከኣ ክትቀትልን ክትቅተልን ንቡር እዩ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቓለሳይ ኔልሰን ማንዴላ ይዅን ፍልስጤማዊ ያሲር ኣራፋት ከም ግብረ ሽበራውያን እዮም ዝረኣዩ ነይሮም። ግን ንሳቶም ተቓለስቲ ሓርነት እዮም ነይሮም። ኣነን እቲ ዝተቓለስኩ ውድባት ሰውራ ኤርትራን እውን ከምኦም ኢና ነይርና" ብማለት ቃልሱ ንጹር ከምዝነበረ ይገልጽ።
"ኣነ ከምቶም ካልኦት ንሓርነት ዝተቓለስኩ ተጋዳላይ እየ። ኤርትራ ከኣ በቶም ክቡር መስዋእቲ ንምኽፋል ዝተወፈዩ ደቃ እያ ሓራ ወጺኣ!"
ኣርሀ ኣብቲ ዝቃለሰሉ ዝነበረ ውድብ ተሓኤ "ዘይተመለሰ ሕቶን ምስ ሓደ ሓደ ኣባላት ዘይምርድዳእን" ስለዝነበሮ ኣብ 1977 ንሱዳን ኣትዩ።
ካብቲ ቃልስን ውድብን ግን ኣይተፈልየን። ካብኡ ቀጺሉ ናብ ሃገረ ሽወደን ኣትዩ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ክነብር ጀሚሩ።
ብዛዕባ መሰሉ ክዛረብን ክሓትትን ስለዝኸኣለ ከኣ ንፈለማ እዋን ዳግማይ ዝተወልደ ኰይኑ ከምዝተሰመዖ ይገልጽ።
ቀልጢፉ ነገራት ዝቕበል ንጡፍ ተምሃራይ ስለዝነበረ፡ ኣብ ስደት ቀልጢፉ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሽወደን ክሳተፍ ጀሚሩ።
"ኣብ ፖለቲካ እየ ተወሊደ፤ ብዘይ ብኡ ድማ ክነብር ኣይክእልን። ኣብ 1988 ኣባል ሶሻል ዲሞክራት ፓርቲ ኰይነ። ንፖለቲካውን ቍጠባውን ኵነታት እታ ሃገር ክፈልጦን ክርድኦን ጀሚረ" ይብል።
እቲ ንናጽነት ዝተገብረ ኤርትራዊ ቃልሲ ብኣጽዋር እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣብ ሽወደን ዝተሳተፎ ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ግን ኵሉ ብዝርርብ እዩ ዝካየድ። እቶም ሰባት እኹል ትምህርቲ ዝቐሰሙን ግቡእ ንቕሓት ዘጥረዩን ስለዝዀኑ፡ ኵሉ ነገር ተኸባቢርካን ተጸዋዊርካን እዩ ዝካየድ። ፍጹም ዝተፈልየ ፖለቲካ ብምንባሩ ከኣ ኣዝዩ ከምዝተመሰጠ ይዛረብ።
እቲ ካብ ድፋዓትን ጫካታትን ኤርትራ ወጺኡ ዘይፈልጥ ዝነበረ ኣርሀ፡ ኣብ ሽወደን ባህሎምን ቋንቋኦምን መሊኹ ድልየታት ከባቢኡ ፈሊጡ ኣባል ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራሲ ሽወደን ኰነ። ካብ 2010-2018 ኣብ ስቶክሆልም ከም ኣባል ባይቶ ተመርጸ። ኣባል ፓርላማ ሽወደን ኰይኑ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳያት እታ ሃገር ተዋሲኡ።
ንሽወደን ወኪሉ'ውን ከም ኣህጉራዊ ተዓዛቢ ኰይኑ ኣብ ሩስያ፡ ቱርኪ፡ ቤላሩስ፡ ዩክረይን፡ ጆርጅያ፡ ኪርጊስታን፡ ኣልባንያ ካልኦት ሃገራትን ኣገልጊሉ።
ብተወሳኺ፡ 57 ተሳተፍቲ ሃገራት ዘለዎ ኣብ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣውሮጳ (OSCE) ተመሪጹ ኣብ ፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ፡ ቍጠባውን ከባቢያውን፡ ዲሞክራሲ፡ ስትራተጂታት ፖሊስ፡ ጸረ-ሽበራን ከምኡ'ውን ሰብኣዊ መዳያት ዘጠቓለለ ውድብ ተሳቲፉን መደረታት ኣስሚዑን።
ምስ ብዙሓት መራሕቲ ዓለምን ጸለውቲ ሰባትን ተዋሲኡን ሰሪሑን። ኣብ እዋኑ ንሱ ጥራይ ጸሊም ሰብ ከምዝነበረን ኣብ ብዙሓት ዞባታት ዓለም ዓሚቝ ርድኢት ስለዝነበሮ ድማ ብዙሕ ኣቓልቦ መራሕቲ ሃገራትን ተሳተፍን ክረክብ ክኢሉ።
"ንውልቃዊ ህይወት ዝኸውን ግዜ ኣይነበረንን፤ ኣብ ርእሲ'ቲ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣብ ሽወደን ንማዕርነትን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብምንጣፍ እየ ዝፍለጥ። ኣንጻር ግብረ-ዓመጽ ይቃለስ እየ። ግህሰት ንኸይፍጸም ዝከላኸል ስርዓት ክዝርጋሕ ጽዒረ። ብሓጺሩ ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓታት ዝሰርሕ ማሽን እየ ተቐይረ፤ ትርፊ ግዜ ኣይነበረንን" ብምባል ከኣ ማዕረ ክንደይ ብስራሕ ጽሙድ ከምዝነበረ የረድእ።
ቅድሚኡ' ግን ኣብ 2004 ኣርሀ ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ውህደትን ማዕርነትን ጀንስ ኦርባክ ኰይኑ ሰሪሑ።
"ኣነ ኣብ 2004 ናብ መንግስቲ ሽወደን ዝተጸንበረ ናይ መጀመርታ ጸሊም ሰብ እየ ነይረ" ይብል።
ኣባል ባይቶ ኣብ ዝነበረሉ ምስ ፍልስጤማውያን፡ ኩርዳውያን፡ ሶማልያውያን፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን ኰይኑ፡ ፍትሒ ዘይረኸቡ ማሕበረሰባት ፍትሒ ንኽረኽቡ ኣብ ምጕስጓስን ምሕጋዝን ንነብሱ ወፍዩ ሰሪሑ።
"ኣብ ዝዀነ ቦታ ዝፍጸም በደል ኣብ ኵሉ ቦታ ስግኣት ፍትሒ እዩ፤ injustice anywhere is a threat to justice everywhere," ብዝብል እምነት ተመሪሑ፡ ብደረጃ ዓለም ምስ ውጹዓት ጕጅለታት ብምትሕብባር ሰሪሑ።
ኣርሀ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብተወፋይነት እዩ ዝሰርሕ። ኣብ ሽወደንን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዘለውሉ ዓዲ ክዋስኡን መራሕቲ ክዀኑን ከምኡ'ውን ተጣበቕቲ ፍትሕን ማዕርነትን ክዀኑ ተመኵሮኡ የካፍል እዩ።
ኣርሀ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ውሉዳትን እዩ። በዅሪ ውላዱ ቢንያም 40 ምንኣሱ ኣዳል 38፡ እታ ሕሳስ ልደ ድማ ሰርጎ 33 ዓመት ገይሮም ኣለው። ደቂ ደቁ ክርኢ ስለዝበቕዐን፡ ብስድራኡን በቶም ኣብ ኵሉ ንጥፈታቱ ዝሕግዝዎ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ሕጕስ እዩ።
"ኣብ ቅድሚት ተሰሪዕካ ኣንጻር ሓይልታት ሕመቕ ምቅላስ ቀሊል ኣይኰነን። ካብ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ናይ ሞት ምፍርራሕ በጺሑኒ እዩ። ስድራቤተይ ፈሪሖም ነይሮም፤ ሕጂ'ውን ቅሩብ ፍርሒ ኣለዎም። ግን ዓቢ ደገፍ ኣለና። ከምቲ ወለደይ ዝስምዖም ዝነበረ ይፈርሑ እዮም፤ ግን ድማ ሕቡናት እዮም" ይብል - ኣብ ቃልሲ ኵሉ ሳዕ ብድሆታት ከምዘሎ ብምግላጽ።
ኣርሀ፡ ኤርትራ ናጻ ምስ ወጽአት ኣብ 1993 ናብ ኤርትራ ከይዱ ንወላዲኡ ቅድሚ ሞቶም ክርእዮም ዕድል ብምርካቡ ሕጕስ እዩ። ምስ ኣሕዋቱን ስድራኡን ከኣ ንወርሒ ጸኒሑ ናብ ሃገረ ስደቱ ተመሊሱ።
ሕጂ'ውን ኣርሀ፡ ዋላ'ውን ናጽነት ኤርትራ እንተተረኽበ፡ ነቲ ኣብ ንእስነቱ ዝተጋደለሉ ፍትሕን ዲሞክራስን ይቃለስ ኣሎ፤ ሓላፍነት ናይቶም ካብ ጐድኑ ዝተፈልዩ ብጾቱ ይስመዖ እዩ። ንሓንሳብ እውን ስለምንታይ ንሳቶም ተሰዊኦም ኣነ ብህይወት ተሪፈ ዝብል ስምዒት ከም ዘሸግሮ ይዛረብ።
"ኣብ ዕድመይ፡ ንእስነት ኣየስተማቐርኩን። ንቃልሲ ናጽነት ካብ ቍልዕነተይ እየ ተጸምቢረዮ። ገና ኣብ በረኻ ተዓሊመ ብረት ከይዓጠቕኩ፡ ኣብ 13 ዓመት ዕድመይ ግዳይ ማእሰርትን ስቅያትን ኰይነ። ስለዚ እቲ ፍትሓዊ ሕልሚ ሰማእታትና ክሳብ ዝረጋገጽ ገና ክቃለስ እየ፡" ይብል።
ኣብታ ብዙሕ ዝተማህረላን ዘፍረየላን ሃገረ ሽወደን ኰይኑ፡ ተዘክሮ ቍልዕነቱን ቃልሱን እናኸስተንትን ወትሩ ናብቲ ዝተቓለሰሉ በረኻታት ኤርትራን ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ብጾቱ እዩ ዝምለስ። ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ከኣ እቲ ኣብ ቍልዕነቱ ዝተሳቐየ ዝተጋደለን ከርተት ዝበለን ገና ካብ ቃልሲ ዘየዕረፈ ኣርሀ ይረኣዮ።