እቶም ሴም ፍጹምን ሄኖክ ፎቶን ዝተባህሉ ክልተ ጥርጡራት፡ ኣብ ዞባ ሉኩሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይኖም፡ ምስኦም ኣብ ሓደ ዞባ ንዝነብር፡ ተወልደ ሃኒባል ዝተባህለ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ንዝርከብ ከምኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሓደ ባር ኣብ ባእሲ ከምዝቐተልዎ‘ዮም ተኸሲሶም።
ብ07 ሓምለ፡ ኣብ ጎደና ኪቡሊ ኣብ ዝርከብ ባር፡ መስተ እናሰተዩ ብዘልዓልዎ ባእሲ፡ እቶም ክልተ ኤርትራውያን ጥርጡራት ንመዋቲ ኤርትራዊ መሳድድቶም፡ ብናይ ቢራ ጠርሙዝ ኣብ ርእሱ ከምዝሃረምዎ‘ዩ ጸብጻብ ፖሊስ ዘመልክት።
መዋቲ ከቢድ ሓደጋ ምስ ወረዶ፡ እቶም ጥርጡራት ባዕላቶም ንሳምባያ ናብ ዝተባህለ ሆስፒታል እኳ እንተብጽሕዎ፡ ብኡ ንብኡዩ ህይወቱ ሓሊፉ።
እቶም ጥርጡራት፡ ኣብ ከተማ ካምፓላ፡ ካባላጋላ አብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ተቐይዶም፡ መርመራ ይካየደሎም ኣሎ።
ስእሊ፦ ካብ ፖሊስ ኡጋንዳ