ስድራ ናይቲ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተቐትለ ኤርትራዊ፡ ተሕልፎ ዘላ ሰቖቛ

ነቶም ዶብ ካብ ዝሰግሩ ኣትሒዞም ዝተቐንዘዉ ስድራቤታት ድማ ኣመና መሪር።

ሃኒባል፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ፣ ክሳድ ዒቃ ምስ ራማ ትግራይ ኣብ ዝዳወብ ከባቢ፡ ኣብ ዳምባ ምጭ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ሩባ መረብ ንሱን ደቁ ዓዱን ጥሪቶም ዘስትይሉ፡ ዝጓስየሉ ምድሪ እምበር ደምን ኲናትን ዘኸትል 'ትሓልፍያ' ዝበሃለሉ መሬት ምዃኑስ ኣፍልጦኦም ድሩት እዩ ነይሩ።

ምስ ዝዀነ ሰብ ከይተማኸሩ 'ንኺድ ንኺድ' ተበሃሂሎም ብዋዛ ዶብ ምስ ሰገሩ ግን ጽቡቕ ነገር ኣይገጠሞምን።

ሽዑ ንሽዑ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ሰባት ወዲቘም ኣብ ስደት ናብ ዘለው ቤተሰቦም ደዊሎም ነብሲ ወከፎም ሰለስተ ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ ተሓቲቶም። እቲ ገንዘብ ክሳብ ዝኽፈል ከኣ ኣብ ከም ሓውሲ ማሕቡስ ናይቶም ኣሰጋገርቲ ክጸንሑ ተገዲዶም።

እቲ ዝተሓተቱዎ ኣሽሓት ዶላራት ኣብ ዕድመኦም ሰሚዖሞ ኣይፈልጡን እዮም። ክብደቱን ብዝሑን እውን ብዙሕ ኣይተረደኦምን።

ነቶም ካብ ዘምጽኡ ኣምጺኦም ክኸፍሉ ዝሕተቱ ዝነበሩ ኣባላት ስድራ ግን ዘሰምብድ እዩ ነይሩ።

መሬት ካብ እትህቦም ፍርያት፡ ጓስዮምን ሓሪሶም ዝናበሩ ስድራታት 12 ሽሕ ዶላር ማለት ዝርካቦም ጥሪት ሸይጦም እውን ዘይከፍሉዎ ሕቶ እዩ።

ግን ካብቶም ኣብ ስደት ዝጸንሑ ኣሕዋት፡ ቤተሰብን መቕርብን ምስ ተኸፍለሎም ንኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ኣብቲ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድሕድ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምምዝጋብ ኣቋሪጹ እዩ ነይሩ።

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብርሃም ተስፋይ፡ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ተሰሊፋ ስለዝተዋግአትን ወተሃደራታ ሰብኣዊ ግህሰት ፈጺሞም ተባሂሎም ስለዝኽሰሱን፡ "ትግራይ ንኤርትራውያን ስግኣት ክትከውን ዘይትጸበዮ ኣይኰነን" ይብል ።

ንሱ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከቢድ ግፍዒ የጋጥሞም ከምዘሎ ይሕብር።

እቶም 12ሽሕ ዶላር ዝተኸፈሉ ኣሰጋገርቲ ግን ንሃኒባል ራብዓይ ርእሱ ንኣዲስ ኣበባ ኣእትዮም፡ "ሕጂ ናብ ዝደለኹሞ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም!" ኢሎም ኣሰናቢቶሞም።

ምርጫ ስለ ዘይነበሮም፡ ቅድሚ ውግእ ትግራይ ኣብ መዓስከራት ምስ ዝነብሩ ዝነበሩ፡ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ተጸጊዖም ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ኣሕዋቶም ብዝለኣኸሎም ገንዘብ ህይወቶም ክመርሑ ጸኒሖም።

ሃኒባል ወረቐት ስለ ዘይነበሮ፡ ከይግፈፍ ብምስጋእ ካብ ገዛ ይወጽእ ኣይነበረን።

ኣዲስ ኣበባ ናይ መወዳእታ መዓልቦኡ ስለዘይኰነት 'ካብኡኸ ናበይ?' ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህሪያዊ እዩ። ግን ንጹር ምላሽ ኣይነበሮን።

ምናልባት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ምምዝጋብ ይጅምር ይኸውን እሞ ኣብ ዩኤንኤችሲኣር ተመዝጊብና ናብ ውሑስ ቦታ ንሰጋገረሉ እዋን ክንጽበ፤ ኣብ ኢትዮጵያ እንተዘይተኻኢሉ ከኣ ዳግማይ ዘይሕጋዊ መገዲ ተኸቲሎም ናብ ዩጋንዳ ክኣትው'ሞ ብሕጊ ክምዝገቡ እዩ ነይሩ ትጽቢቶም።

እቲ ናይ አእምሮ ሻቕሎትን ጭንቀትን ግን ኣብቶም መንእሰያት ጥራሕ ኣይኰነን።

ኣብቶም ንቐለቦምን መጓዓዝያኦም ገንዘብ ዝሕውልሎም ኣሕዋቶምን መቕርቦምን'ውን እዩ።

ናይቶም ወለዶም ዘዕበዩን ኣብ ምጕባዞም ደቆም ዝገደፉዎም ወለዲ እውን ካልእ ሻቕሎት ኣሎ።

ግፋ ሃኒባል

ብ22 ታሕሳስ 2024 ግን ስደትን ጭንቀትን ከይኣክል ካልእ ክስተት ኣጋጢሙ።

ሃኒባል ካብቲ ዝተዓቑበሉ ስድራ ጫማ ክገዝእ ናብ ድኳን ምስ ወጽአ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ካብ ጐደና ተገፊፉ ኣብ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ካልኣይ ንቑጣ ተታሒዙ።

ኣብኡ መንበሪ ወረቐት የብልኩምን ተባሂሎም ምስ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ብዘይ ዝዀነ ይዅን ሕቶ ንወርሒ ተኣሲሩ። ሽዑ መግቢ ይኣትዎም ስለዝነበረ፡ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለው ቤተ ሰብ፡ መንበሪ ወረቐት ብዘለዎም ዓበይቲ ሰባት ኣቢሎም መግቢን ዘድልዮ ነገራትን የብጽሑሉ ከምዝነበሩ ይሕብር ሙሴ ሓው ንሃኒባል።

ድሕሪ ቅሩብ፡ እቶም ወረቐት ዘይብሎም ገንዘብ ከፊሎም ይወጽኡ ምስ ሰምዐ ከኣ ገንዘብ ከፊሉ ከውጽኦ ተጓይዩ ነይሩ፤ ግን ኣይሰለጠን።

ኣብ ኢትዮጵያ ግዳያት ዝዀኑ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

እቶም ሓደ ፍታሕ ክረኽቡ ክሓቱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብ22 ጥሪ ካብቲ ማእሰርቲ ክሃድሙ ምስ ፈተኑ፡ ዝናብ ጠያይቲ ተኻዕዩዎም ብዙሓት ወደቑ።

ካብቶም ብጠያይት ዝተሃርሙ 13 መንእሰያት እቶም ሰለስተ ግን ኣዝዮም ተሃስዮም ነይሮም።

ብፍላይ እቶም ክልተ ግዜ ኣይሃቡን ኣብ ንኡስ ዕድመኦም፡ ኣብ ዕሸል ዕድመኦም ተቘጽዮም። ሞቶም ግን ዛጊት ንስድራ ቤት ኣይተነግረን።

ደሃይ ንእሽቶ ሓው ዝጠፍኦ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበር ሙሴ ሰሎሞን ኣይደቀሰን።

ንኹፉእ'ኳ ኣሕሊፉ እንተዘይሃቦ ኣይቀሰነን ነይሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከቡ መቕርብን ፈተውትን ደሃይ ሓው ከጣይቕ ፈቲኑ።

ካብቶም ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ፖሊስ ከይተረፈ፡ "ሓውኻ ደሓን ኣሎ ንክዳውንቱ ዝኸውን ገንዘብ የድልዮ ኣሎ!" ስለዝተባህለ፡ ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኰይኑ ሓው ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ከዛርቦ እናተተስፈወ ዝተባህሎ ገንዘብ ይሰድድ ነይሩ።

ዳሕራይ ግን "እሞ በጃኹም እባ ድምጹ ኣስምዑና!" ክብል ሓቲቱ ምስ ረብረበ፡ ከምኡ ሓው አሕዋቶም ምስ ዝጠፍኡዎም ክልተ ሰባት ኰይኖም ጠበቓ ቆጺሮም ደሃይ ኣሕዋቶም ክረኽቡ ፈቲኖም።

እቲ ጠበቓ ቤት ማእሰርቲ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ናብ ቤት ፍርዲ ግቡእ ክሲ ምስ መስረተ ቤት ፍርዲ ብወገኑ፡ ትእዛዝ ከምዝሰደደደ ሰነዳት የመልክቱ።

ጠበቓኦም ብሓገዝ ቤት ፍርዲ ምስ ዝወከሎም ዓማዊሉ ብኣካል ክዘረራብ ሕቶ ምስ ኣቕረበ'ዩ ከኣ፡ "እቶም እትሓተሎም ዘሎኻ ቘልዑ ብህይወት የለውን። ክሃድሙ ምስ ፈተኑ ተሃሮሞም ሞይቶም እዮም። ሬሳኦም ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ተታሒዙ ኣሎ!" ዝብል ምላሽ ዝተዋህቦ።

እቲ ጠበቓ ነቶም ክጣበቐሎም ዝቐጸሩዎ ስድራ፡ እቲ ካብ ሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተዋህቦ ምላሽ ንስድራ ቤት ሓቢሩ ስርሑ ከምዝወድአ ነገሮም።

በዚ ኣገባብ ከኣ ደሃይ እቶም "ብህይወት ኣለው፤ ግን ጉዳዮም ኣብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ እዩ ተታሒዙ ዘሎ" ክበሃሉ ዝጸንሑ መንእሰያት ብግፍዒ ከምዝተቐትሉ ተነግረ።

"13 ሰባት እዮም ተሃሪሞም። ካብኦም ሃኒባል ሓወይ ኣፍ ልቡን የማናይ ኢዱን ተሃሪሙ። እቲ ካልኣዩ ከኣ ኣብ ኢዱን እግሩን ተሃሪሙ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዮም ዓሪፎም። እቲ ሳልሳይ ግን ሕክምና ከይረኸበ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ሰሚዕና። እቶም ዝረተፉ 11 ከኣ ብዘይ ረድኤት ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ከም ዘለዉ ሓበሬታ ረኺብና" ክብል ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዘለው ሰባት ከምዝሓበሩዎ የረድእ።

ሊብያ ዘሎ ሓው

ስደተኛታት ኣብ ጀልባ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

እቲ መርድእ ነቶም ሎሚ ወይ ጽባሕ ደሃይ ውላድና ክንሰምዕ ኢና ኢሎም ብተስፋ ክጽበዩ ዝጸንሑ ስድራ ዝጽወር ኣይነበረን።

ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ምዕባይ ሃኒባል ደድሕሪ ሒደት ሳምንቲ ብነጋዶ ሰባት ተታሊሉ ካብ ኤርትራ ንሱዳን ካብኡ ተጨውዩ ንሊብያ ኩፍራ በጺሑ ነይሩ።

ሓደ መዓልቲ ካብ ሊብያ ናብ ሙሴ ስልኪ ተደዊሉ፡ ደሃይ ንእሽቶ ሓው ዘይነበሮ ሙሴ እናተጠራጠረ ነታ ጻውዒት ስልኪ ምስ ተቐበላ፡ ካልእ ኣውያት ናይ ዝፈልጦ ሰብ ተቐበሎ።

'ኣድሕነኒ' ዝብል ድምጺ ናትናኤል ሓው እዩ ነይሩ።"ሸሞንተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእቲ ዶላርን ሕጂ ትሰድድ!" ትእዛዝ ተቐበለ። "እንተዘይኰይኑ ንሓውኻ ክንቈራርጾ ኢና!" እቲ ምፍርራሕ ቀጸለ።

ሙሴ ዝገብሮ ኣይነበሮም። ተለቂሑ ተለቓቒሑ ንሓው ንግዚኡ ካብ ማሕቡስ እቶም ምሕረት ዘይብሎም ጨከናት ገላገሎ።

ግን ነባሪ ፍታሕ ኣይኰነን። ውሑስ ናብ ዝበሃል ምድሪ ክበጽሕ ብማእከላይ ባሕሪ ክሰግር ኣለዎ።

መገሻ ማእከላይ ባሕሪ ክሳብ ዝጅምር ክሰግሮ ዘለዎ ናይ መዝርዓን ደላሎን ክፍሊትን ሃድን ካልኦት ነጋዶ ሰባትን ኣባላት ጸጥታ ሊብያን እውን ኣሎ።

ንሱ ሰጊሩ ጉዕዞ ባሕሪ ምስ ጀመረ እውን፡ ብኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ተታሒዝካ ንድሕሪት ምምላስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምንክርታትን ኣሎ።

ካብኡ እንተድሒንካ ከኣ ምናልባት ተጻብኦ ማዕበል ባሕሪ እውን ኣሎ። ዕድል ጌርካ ንቑጽ መሬት ሰጊርካ ንኤውሮጳ እንተኣተኻ እውን ፖሊሲ ስደተኛታት ሃገራት ምዕራብ ኣዝዩ ስለዝኸረረ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተባሂልካ ንድሕሪት ምምላስ እውን ካልእ ሓደጋ እዩ።

ብዝዀነ ግን ሙሴ ንስድርኡን ንሃኒባል ሓውን ደሃይ ናትናኤል ሓቢሩ ኣረጋግኦም።

እቶም ኣብ ሓደ መኣዲ ዓብዮም፡ ንሓድሕዶም ከይተነጋገሩ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሰጊሮም ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ ሰባት ዝኣተው ምዕባይን ምንኣስን አሕዋት፡ ሃኒባልን ናትናኤልን ሓዲኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዲኦም ኣብ ትራብሎስ ሊብያ ኰይኖም ስቓይ ጕዕዞኦም ይዘናተው ነይሮም።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ትራብሎስ ሊብያ ኰይኑ ብማእሰርቲ ንእሽቶ ሓው ሃኒባል ክሻቐል ዝቐነየ ናትናኤል፡ ካብ ጭንቂ ኩፍራ ሊብያ ዘድሓኖን ብቐጻሊ ዝቕልቦን ተስፋ ዝህቦን ሙሴ ሓው እዩ ተነጊሩዎ።

እቲ ኣብ ትራብሎስ ኰይኑ ዝሻቐል ዝነበረ ሓው እውን ክፈልጥ ስለዝነበሮ፡ ሙሴ ኣብ ከባቢ ሓው ብዝርከቡ ሰባት ከርድኦ ፈቲኑ ምስላጥ ምስ ኣበዮ፡ ፈለማ ናትናኤል ኣብ ገዛ ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጸ እቲ ዘጋጠመ ኣብ እዝኑ እዩ ነጊሩዎ።

"ካብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብወረ ወረ ከይትሰምዖ ኢለ እየ። ሕማቕ ኣጋጢሙና ኣሎ። ሓውና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብጥይት ተቐቲሉ ዓሪፉ ኣሎ። ስድራ ፈሊጦም እዮም። ንስኻ ኸኣ ተረጋጋእ!" ክብል ኣርዲኡዎ።

"እቲ መርድእ ንሰማዒ ኰነ ንነጋሪ ዝጽወር ኣይኰነን። ኤርትራውያን ኣብ ስደትና ዘጋጥመና ዘሎ ሽግርን መከራን ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኰነን፡ ፈጣሪ ባዕሉ ምሕረቱ ይልኣኸልና!" ክብል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣበርሃም ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ፈቐድኡ ዘጋጥም ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ታሪኽ ከምዘይርስዖ ይዛረብ።

ጉዳይ ሬሳ

ድሕሪ እቲ መርድእ እምበኣር ጉዳይ ሬሳ እዩ ዝመጽእ።

ካብቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኰይኖም ንሃለዋት ሃኒባልን እቶም ምስኡ ዝዓረፉ ሰባትን ዝከታተሉ ሰባት ናብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ከይዶም ምስ ሓተቱ ሬሳ እቶም መንእሰያት ኣብኡ ከምዘሎ ስለዝተነግሮም እዮም ንስድራ ቤት ኣርዲኦምዎም።

እንተዀነ እሞ ሞቶም ካብ ተረጋገጸ፡ ስድራ ኣብ ዓዲ ይጽበዩ ስለዘለው፡ "ደቅናን አሕዋትናን ኣብ ዓዶም ሓመድ ኣዳም ከነልብሶም ሬሳ ሃቡና" ምስ በሉ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ትቐብሩዎም ጥራሕ እንተኼንኩም ኢኹም ትወስዱዎም" ብምባል ከምዝኽልከሉዎም ሓው መዋቲ ሙሴ ሰሎሞን ይገልጽ።

ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ሬሳ ኣብ ሆስፒታል ናይ ዝጸንሓሉ፡ ንመዓልቲ 1200 ብር ተጸብጺቡ ከምኡ እውን ናይ መሬት ናይ መቓብር ክትከፍሉሉ ኢኹም ኢሎም ከምዘጻበቡሎም ይሕብር።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ሬሳ መወትቲ ንዓዲ ከይዱ ክቕበር ናይ ደገፍ ደብዳበ እኳ እንተጸሓፈሎም ፍታሕ ከም ዘይረኸቡ ሙሴ ይሕብር።

ብኸምዚ ሰሓቦ ጉተቶ ሓመድ ኣዳም ከይለበሰ ዝጸንሐ ሬሳ መወትቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እቶም ምምሕዳር ብዝወሰኑዎ ኣገባብ ከምእተቐብሩ ጸኒሑ ዝሰዓበ ሓበሬታ የረጋግጽ። መዓስ ከምዝተቐብሩ ግን ኣይተፈልጠን።

ጉዳይ ሬሳ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ዕሸል ሓው ዝተጐድኦ ሙሴ ሰሎሞን፡ "ደጊም ሃኒባል ሓወይ ኣይምለስን እዩ። እቲ ካብ ዓዱ ካብ ዝወጽአላ ዕለት ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ዝወረዶ ግፍዕን መከራን ክሳብ እታ ብጭካነ ብዝተተኰሰ ጥይት ህይወቱ ዝሓልፍ ዝወረዶ ግፍዕን መከራን ካልኦት አሕዋት ክመሃርሉን ኣብ ህይወቶም ጥንቃቐ ንኽገብሩን ትምህርቲ ንኪኸውን እየ ዝዛረብ ዘለኹ" ይብል።

"እዛ መተካእታ ዘይብላ ህይወትና ክብርቲ እያ። ግን ኣብዚ እዋን እዚ ንህይወት ከም ተራ ነገር ከም ዕጨ እምኒ ዝርእዩዋ ሕልና ዘይብሎም ሰባት ብብዝሒ ንርኢ ኣሎና። ናይ ፍትሕን ሰብኣዊ ሕቶን ጉዳይ ስለዝዀነ እቶም ንጹሃት ሰባት ዘጥፍኡ ዘለው ሰባት ብሕጊ ክሕተቱን ክቕጽዑን ኣለዎም" ክብል ኣብርሃም ተስፋይ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን መልእኽቱ የመሓላልፍ።

ኣብ ጉዳይ ሃኒባልን ምስኡ ዝተቐትሉ መንእሰያትን ብዝምልከት ከኣ፡ ፈለማ እቶም ናይ ቤት ማእሰርቲ ሓለፍቲ እቲ ቀታሊ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከምዘሎን ኣብ ዝዀነ እዋን ክንከሶ ከምእንኽእል ተሓቢርና ኔርና እኳ እንተበሉ፡ ዳሕራይ ግን እቲ ዝተኰሰሎም ሰብ ሓደ ጥራሕ ምንባሩን ንሱ ከኣ ከምዝሃደመን ከምዝተሓበሩን ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቲ ኩነታት ከምኡ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርትን ሕክምናን ደሃይ ሃኒባል ዝገብር ዝነበረ ቤተሰብ ሃንደበት ካብ ገዝኡ ብፖሊሲ ተታሒዙ ከምዝተወስደ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብርሃም ተስፋይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ ንፋስ ስልክ ላፍቶን ካብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ግን ምላሽ ኣይተረኽበን።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘጋጥም ዘሎ ኣልማማ ማእሰርቲ፡ ምስርጣይ፡ ግህሰትን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ብግዴታ ናብ ሃገሮም ምጥራዝ ከምዘተሓሳሰቦ፡ ትካል መሰላት ኣምነስቲ ኣብ ቀረባ ብዘውጽኦ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ።