ኤርትራ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣኺልዎ ድዩ ፈሪሱ? ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ንምፍጣር’ከ ተስፋ ኣሎዶ?

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ንመወዳእታ ግዜኡ ካብ ዝእከብ፡ ዝሓለፈ 28 መስከረም ሽዱሽተ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣበይ ኣተወ? ስለምንታይ’ዩ “ደስኪሉ”? ኣባላቱ ዝዀኑ ሚኒስተራትን ዝመርሕወን ሚኒስትሪታትን’ከ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣለው? ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም ኣለዉ።

ዕድመ ናይ ዝበዝሑ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሚኒስተራትን ጉዳይ ምትኽኻእን’ውን፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ካብ ዝለዓል ቀንዲ ስክፍታታት ኤርትራውያን ኰይኑ ኣሎ።

ሓላፍነትን ዕማማትን ካቢነ ከም ትካል እንታይ’ዩ?

ፈጻሚ ኣካል ሓደ ካብቶም ሰለስተ ወሰንቲ ኣዕኑድ ስርዓተ-መንግስቲ ኰይኑ፡ ብካቢነ ሚኒስተራት ዝምራሕ’ዩ።

ዝዀነ ተሓታትነት ዘለዎ፡ ንህዝቢ ዝውክልን መንግስቲ፡ ሓጋጊ፡ ፈራዲን ፈጻምን ብዝበሃሉ ሰለስተ ኣካላት’ዩ ዝቐውም።

እዞም ኣካላት እዚኦም ነናቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኰይኖም፡ ንሓድሕዶም እናተጠማመቱ ሚዛን ስልጣኖም ዝሕልዉ እዮም።

ክኢላ ፖለቲካዊ ስነ ፍልጠት ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል ከምዝብሎ፡ እቲ ኣሰራርዓ መንግስታዊ ቅርጺ ኣብ ደሞክራስያውያን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ “ማእከላውነት” ስልጣን ዝኣምና ንግስነታትን ዴሳውያን ሃገራት’ውን ዝስርሓሉ’ዩ።

“ካቢነ፡ ዝተፈላለየ ስራሕን ሓላፍነትን ዘለዎም ሚኒስተራት ዝእከብሉ ጽፍሒ ኰይኑ፡ ሚኒስተራት በብእዋኑ እናተኣከቡ መደባት ዝሕንጽጽሉን፡ ኣተገባብራኦም ዘዋሃህድሉን፡ ዘድሊ ገንዘባውን ሰብኣውን ካልእ ጸጋታት ሃገር ዘመቓርሕሉን ኣካል እዩ።

“ሽሕ'ኳ እቲ ሓጋጊ ኣካል ወይ ባይቶ ሕግታት ዝነድፍን ዘጽድቕን እንተዀነ፡ መብዛሕቱ እዋን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንድፊ ሕግታት ካብ ካቢነ ሚኒስተራት እዩ ዝነቅል። ብተወሳኺ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ንዝተፈላለዩ ዕማማት ዘገልግሉ ድንጋገታትን መምርሕታትን የውጽእን የጽድቕን። ሓደ ካብኡ ድማ ምውጻእ ፖሊሲታት፡ ከም ናይ ወጻኢ ዝምድናታትን፡ ፖሊሲ ቍጠባ፡ ወ.ዘ.ተ እዩ” ይብል።

ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረን፡ ድሕሪ ናጽነት ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰንሒትን ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ዝነበረን፡ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኰይኑ ዘገልገለ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ብወገኑ “ካቢነ ሚኒስተራት ህንጻ መንግስቲ ማለት’ዩ” ክብል ብምግላጽ፡ ምፍራስ ካቢነ ሃገራዊ ባይቶን ምፍራስ መንግስቲ’ዩ ዘመልክት ክብል ይገልጾ።

ኤርትራ፡ ብወግዒ ናጽነታ ከይኣወጀት ይዅን ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ብእግሪ-ተኽላ በዚ መትከል ፖለቲካዊ ስርዓተ-መንግስቲ ክትምራሕ ፈቲና’ያ።

እንተዀነ እቲ ትካላት ኣብ ክንዲ እናሓየለን እናዓበየን ዝኸይድ እናተዳኸመን እናፈረሰን እዩ ክመጽእ ጸኒሖም። ንኣብነት እቲ ልኡላውነቱ ዝሓለወ ክኸውን ዝግብኦ ፈራዲ ኣካል ካብ ፈለማኡ ስልጣኑ በቲ ፈጻሚ ኣካል ተገፊፉ ለሚሱ ይርከብ።

እቲ ተስፋ ዝተነብረሉ መሰጋገሪ ሓጋጊ ኣካል (ፓርላማ/ባይቶ) እውን ናብ ሃገራዊ ምርጫ ከይበጽሐ ካብ 2002 ምስ ፈረሰ ተመሊሱ ህይወት ኣይዘርአን።

እቲ እንኮ ተሪፉ ዝነበረ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካል (ካቢነ) ትልኽ ክብል ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 2018 ጀሚሩ ከም ኣገዳሲ ኣካልን ትካልን ተመሳሳሊ ዕጫ ዝገጠሞ’ዩ ዝመስል።

ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ 1992-1993

ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ኣብ መወዳእታ ግንቦት 1991 ንመላእ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ድሕሪ ምግባሮም፡ እቲ ንሜዳ ቃልሲ ኤርትራ ብሒቱ ዝነበረ ውድብ በይኑ “መንግስቲ” ምዃኑ ብምእዋጅ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ስልጣን ተቘጻጺሩ።

ኣብ ግንቦት 1992 “ናይ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣቃውማ ስልጣንን ንዕማማትን ንምውሳን ዝወጸ ኣዋጅ”፡ ቀንዲ ኣካላት ህዝባዊ ግንባር ከም ኣካላት መንግስቲ ኰይኖም ከምዘገልግሉ ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት ማእከላይ ሽማግለ እቲ ውድብ “ረፈረንደም ተጌሩ ክሳብ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝምስረት ኣብ ዘሎ መሰገጋሪ መድረኽ፡ ዝለዓለ ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ናይ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ሓጋጊ ኣካል” ክኸውን ተወሲኑ። ሓደ ካብ መዝነቱ ድማ ናይ ውሽጥን ደገን ፖሊሲታት “ምሕንጻጽን ምቍጽጻርን” እዩ ነይሩ። “ናጻ” ፍርዳዊ ኣካል ከምዝተመስረተ’ውን እቲ ኣዋጅ ይጠቅስ።

ብዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ዝምራሕ “ቤት ምኽሪ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ” ከምዝተመስረተ’ውን እቲ ሰነድ ኣስፊሩ’ሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ወይ ካቢነ ብሓለፍቲ 15 ክፍልታት፡ ፍትሒ፡ ቍጠባዊ ልምዓትን ምትሕግጋዝን፡ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ጉዳያት ወጻኢ፡ ምክልኻል፡ ኢንዱስትሪ፡ ሕርሻ፡ ፋይናንስ፡ ህንጻ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ዜናን ባህልን፡ ኣመሓደርቲ ናይተን ሽዑ ዝነበራ 10 ኣውራጃታት፡ ኣዘዝቲ 4 ኮራትን ኣዛዚ ሓይሊ ባሕርን ዝቘመ’ዩ ነይሩ።

ሕጋዊ ምልክታ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ

‘መሰጋገሪ መንግስቲ - መሰጋገሪ እዋን’ 1993- 1997

ኣብ ግንቦት 1993 ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ብህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ብወግዒ ቅድሚ ምእዋጁ ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝትክእ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዝምስረት ተገሊጹ።

ብ19 ግንቦት 1993 ኣብ ዝወጽአ ኣዋጅ ከኣ “ክሳብ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝቐውም፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነታትን ዘኽብር ናይ መሰጋገሪ እዋንን ናይ መሰጋገሪ እዋን መንግስትን” ከምዘድሊ ይጠቅስ።

እዚ መሰጋገሪ እዋን ብምርጫ ዝመጽእ ቅዋማዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ንኣርባዕተ ዓመታት ጥራይ ክጸንሕ’ዩ ተወሲኑ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ እቲ መንግስቲ፡ ብኣባላት ህዝባዊ ግንባርን ካብ ባይቶታት ኣውራጃታት ዝተወከሉን ዝቐውም መሰጋገሪ ሓጋጊ ኣካል (ሃገራዊ ባይቶ)፡ ናጻ ፍርዳዊ ኣካልን ፈጻሚ ኣካልን ዝቘመ’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ድሮ ወግዓዊ ምእዋጅ ናጽነት ዝቘመ “ቤት ምኽሪ” (ፈጻሚ ኣካል) ካብቲ ብግዝያውነት ዝነበሮ ኣቃውማ ፍሉይ ዝገብሮ ሓደ፡ ቍጽሪ ኣባላቱን ኣቃውማኡን “ብሕጋዊ ምልክታ” ክውሰን ምግባሩ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣዋጅ 1993 ብሃገራዊ ባይቶ ዝምረጽ፡ “ፕረዚደንት መንግስቲ ኤርትራ” ከምዝህሉ ይድንግግ። በዚ መሰረት ብ23 ግንቦት 1993 እቲ ሓድሽ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ ፈላሚ ኣኼባ ንዋና-ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፕረዚደንት ክኸውን መሪጽዎ። ኣብቲ ዝተዋህበ ስቱር ድምጺ፡ “ካብ 104 ብቑዓት ድምጽታት 99 ብምርካብ” ተዓዊቱ።

እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ “መጻኢ ዕድል ሃገርና ዘተኣማምን ምእንቲ ክኸውን፡ ሕጊ ከም ዝነግስ ምግባር፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ምምስራት፡ ንደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላት ውሕስነት ስለዝዀነ ልዕሊ ዝዀነ ካልእ ጉዳይ ንሰርሓሉ ሕቶ’ዩ” ክብል ኣብታ ምሸት ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት ድማ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝዀኑ “ሚኒስተራት” ብምምዛዝ ካቢነ መስሪቱ። ኣብ ሰነ ናይቲ ዓመት ዝወጽአ ሕጋዊ ምልክታ፡ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ኤርትራ ብ14 ሚኒስተራትን ብኣመሓደርቲ 10 ኣውራጃታትን ከምዝቐውም ኣፍሊጡ፤ ተሳታፍነት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብቲ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ተሪፉ።

“ፕረዚደንት ኣብ ዘይህልወሉ ሚኒስተር ውሽጣዊ ምምሕዳራት ከም ፕረዚደንት የገልግል” ዝብል ንኡስ ዓንቀጽ’ውን ኣብቲ ሰነድ ሰፊሩ’ሎ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ለካቲት 1994 ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ እቲ ኣዋጅ ምምሕያሽ ተገይሩሉ ነይሩ።

ቀንዲ ካብቲ ኣብ መጋቢት 1994 ዝተገብረሉ ምምሕያሻት ድማ እቲ “ቤት ምኽሪ” ዝብል ሓረግ ተሰሪዙ “ካቢነ ሚኒስትራት” ብዝብል መጸውዒ ፈጻሚ ኣካል ክትካእ ደንጊጉ።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ ሕጋዊ ምልክታ ድማ ቁጽሪ ሚኒስትሪታት 16 ከምዝዀነ የነጽር።

እቶም ሚኒስትሪታት፡ ዞባዊ ምምሕዳራዊ (ውሽጣዊ ምምሕዳራት ዝነበረ)፡ ምክልኻል፡ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ፍትሒ፡ ወጻኢ ጉዳያት፡ ዜናን ባህልን፡ ፋይናንስን ልምዓትን፡ ንግድን ኢንዳስትሪን፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ህንጻ፡ ጸዓት ማዕድን ሃብቲ ማይን፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ መጓዓዝያን ቱሪዝምን እዮም ነይሮም። ብዓል መዚታትን ኮሚሽናትን ከኣ ካልኦት ተወሰኽቲ ኣካላት መንግስቲ ኰይኖም ይዓዩ።

“ካቢነ ሚኒስተራት መንግስቲ ኤርትራ ብኣቦ መንበርነት ፕረዚደንት ኤርትራን ብዅሎም ሚኒስተራት መንግስቲ ኤርትራን ይቐውም” ይብል እቲ ምልክታ።

ኣብ ዓንቀጽ 46 ናይቲ ምስተነድፈ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ “ሞይቱ” ዝተባህለ ሃገራዊ ቅዋም 1997 ግደ ካቢነ ሚኒስተራት “ስርሓት መንግስቲ ኣብ ምምራሕን ምውህሃድን ምክትታልን ናብ ሃገራዊ ባይቶ ዝቐርብ ሃገራዊ ባጀት መንግስቲ ኣብ ምጽናዕን ምድላውን፡ ብሃገራዊ ባይቶ ዝቐርብ ንድፊ ሕግታት ኣብ ምጽናዕ ንምድላውን፡ ፖሊስታትን ውጥናትን ኣብ ምጽናዕን” ምዃኑ ይጠቅስ።

ፕረዚደንት ኢስይያስ ኣብ ኣኼባ ሚኒስተራት

ኣኼባ 2018፡ ምኽንያትን ሳዕቤንን ምፍራስ ካቢነ ሚኒስተራት

ኣብ እዋን ግዝያዊ መንግስቲ (1992-1993) ዝነበረ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣመሓደርቲ ኣውራጃታትን ዘጠቓለለ ቤት ምኽሪ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ዘይመልእ ግዜ ስሩዕ ኣኼባታት ከካይድ ተደንጊጉ ነይሩ።

“እቲ ቤት ምኽሪ “ኣብ ሸሽዱሽተ ሰሙን ምዱብ ኣኼባኡ የካይድ። ከከም ኣድላይነቱ ከኣ ብመጸዋዕታ ዋና ጸሓፊ ወይ ብጠለብ ክልተ ሲሶ ኣባላቱ ህጹጽ ኣኼባታት ኪገብር ይኽእል” ይብል እቲ ሽዑ ዝወጽአ ኣዋጅ ምቛም ናይቲ ግዝያዊ መንግስቲ።

ብመሰረት ኣብ 1994 ዝወጽአ ኣዋጅ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ድማ፡ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣብ “ሸሽዱሽተ ሰሙን” ኰይኑ ክቕጽል ተወሲኑ።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝወጽአ መመሓየሺ ኣዋጅ ግን ስሩዕ ኣኼባታት ናይቲ ደሓር ካቢነ ዝተባህለ ፈጻሚ ኣካል ኣብ ክንዲ ኣብ ሸሽዱሽተ ሰሙን ኣብ “ወወርሒ” ክካየድ ጸዲቑ።

ኣብ ግብሪ ግን ኣኼባታት እቲ ቤት ምኽሪ ይዅን ካቢነ ሚኒስተራት ብመሰረት ዝተደንገገሉ ብስሩዕ ኣብ ግዚኡ ይካየድ ከምዘይነበረ’ዮም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበር ዝገልጹ።

ብፍላይ ካብ 2001 ንድሓር፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዊን ዝበሎ እዋንን ቦታን ኣኼባታት ካቢነ ክጽውዕ ተራእዩ’ዩ።

ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብፍላይ ክሳብ 2008 ኣብ ዝነበረ እዋናት ንሚኒስተራት ምስ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስርሒታት (እዝታት) ሓዊሱ “ስሉሳዊ” ኣኼባታት የካይድ ነይሩ። እቲ ስሉሳዊ ኣኼባታት፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ፡ ድባርዋን ባረንቱን ምክያዱ ዘይንቡር ተርእዮ’ዩ ነይሩ።

ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ወግዓዊ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ካብ ሓውሲ ስሩዕ ናብ ፍጹም ዘይስሩዕን ሳሕቲ ዝግበር ፍጻመን ኰይኑ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ ጠቕሊሉ ተሪፉ።

ንመወዳእታ ግዜ ዝተገብረ ኣኼባ ካቢነ ቅድሚ 6 ዓመት ኰይኑ እቲ ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ’ዩ ነይሩ።

ኣምባሳደር ዓብደላ ከምዝብሎ፡ እቲ ኣኼባ ዘይልሙድ ወጥሪ ዝተራእየሉ ምንባሩን፡ ጠንቂ ናይቲ ጉዳይ ወዲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ “ተመኵሮ ንክወስድ” ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ ምምጽኡን እዩ።

በቲ ኵነታት ዝተቘጥዑ ገለ ሚኒስተራት ንተሳትፎ ናይቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ወግዓዊ መንግስታዊ ኣጋጣሚታት ዝተቐልቀለ ኣብርሃም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተቓወምዎን፡ እቲ ፕረዚደንት ነዲሩ ኣኼባ ረጊጹ ከምዝወጽአን “እሙን ሓበሬታ” ከምዝረኸበ’ዩ ኣቶ ዓብደላ ዝገልጽ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብርሃም ኢሳይያስ ምስ ኣቦኡ ኣብቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ ውግዓዊ ጽንብል ምፍራም ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣብ ምኽፋት ዶባት ምስቶም ሰበ ስልጣናት ስለዝተራእየ ኣዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

“እዚ ኣይኰነን እቲ ምኽንያት ዝብሉ እንድሕሪ ዀይኖም ይዛረቡ። ተቢዑ ይዛረብ [እቲ ፕረደዚንት]፡ ኖእ እዚ ዝተባህለ ኣይኮነን ሓሶት’ዩ፤ እቲ ምኽንያት ካልእ’ዩ፡ እዝን እዝን’ዩ ኢሉ ይዛረብ። ወይ እቶም ካልኦት’ውን ኣብታ [ኣኼባ] ዝነበሩ ሚኒስተራት፡ ‘ከምኡስ ኣይበልናን’ ዝብልዎ እተንሎ ኸኣ ክንሰምዕ ቅሩባት ኢና” ይብል ዓብደላ።

ብመሰረቱ ግን፡ እቲ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ኣኼባ ምድስካል ምልካዊ ባህሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ምድኻም እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሚኒስተራትን ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

እቶም ኣባላት ካቢነ ንምልካዊን ውልቃዊን ኣካይዳ እቲ ፕረዚደንት ከም መመኽነይታ ከምዝጥቀምሉ’ውን ኣምባሳደር ዓብደላ ይዛረብ።

“ሕጂ፡ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ እንተ ዀይኑ ተዳኺሞም’ዮም፤ ግዜ ነዊሑ ብዘይ ስራሕ፡ ዕድመ’ውን ከይዱ፡ ከም ግቡእ’ሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ምስግጋር ክግበር ዝነበረሉ’ዩ።

“ግን ምስግጋር የለን፡ ንሶም ኣብኣ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ፡ በቲ ሞራል የለን፡ በቲ ዕድመ’ውን ደፊኦም’ዮም፡ ስለዚ ኵሉ ተደማሚሩ ዳርጋ ህላወኦም’ውን ለሚሱ’ዩ፤ ዋላ ህዝቢ’ውን ዝረስዖም’ዮም ክትብል ትኽእል፡”ይብል ኣምባሳደር ዓብደላ።

ዶ/ር ኣዳነ ብወገኑ፡ “ነዞም ንእስነቶም ኣብ ቃልሲ ናጸነት ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፉን፡ ተረፍ ጥይት ዝኾኑ ጀጋኑ ኣባላት ካቢነ ሚንስተራትን ካልኦት መራሕትን፡ ‘ፈራሓት‘ዮም’ ኢልካ ምጥቃን፡ ፍጹም ነቲ ናቶም ልቦናን ሓልዮትን ዘይርዳእን ነቲ ዘለውዎ ኩነታት ኣብ ግምት ዘየእተወ” እዩ ክብል ይምጉት።

“ነፍሲ ወከፎም እንተ ሪኢኻዮምን፡ ድሕረ-ባይቶኦም ብደቂቕ ኣንተኣጽኒዕካዮን፡ ዕምቆት ሃገራውነትን ሓልዮት ህዝቦምን ክትስሕቶ ኣይትኽእል ኢኻ”።

ብኣንጻሩ፡ ምፍራስ ካቢነ ሓላፍነት ክወስደሉ ዘለዎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝኾነ’ዩ ዶ/ር ኣዳነ ዘረድእ። “ፕረዚደንት ኢስያስ ነቲ ካቢነን ንኻልኦት ኣገደስቲ ትካላዊ ቅርጽታት ሃገርን ህግደፍን ዘልመሰሉ ምኽንያት፡ መተኣኻኸቢ መተሓታተቲ ባይታ ንኸይከውን ንምግባር ኮይኑ ይርኣየኒ”።

ሃለዋት ሚኒስተራትን ሚስትሪታትን ኣብ ምንታይ ይርከቡ?

መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ፈለማ 2002 ጀሚሩ ብዘይ ወግዓዊ ኣዋጅ ብግብሪ ድሕሪ ምፍራሱ፡ እቲ እንኮ ተሪፉ ዝነበረ ኣካል መንግስቲ ካቢነ ሚኒስተራት’ዩ ነይሩ። እቲ ካብ ፈጻሚን ሓጋጊን ኣካላት “ናጻ” ከምዝኸውን ዝተነግረሉ ፍርዳዊ ኣካል ድሮ ናጽነቱ ብፕረዚደንት ከምዝተገፈፈን፡ ዘይሻራዊን ርትዓዊን ፍትሒ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ከምዝበጽሐ ይፍለጥ- ኣሽሓት ሰባት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማእሰርቲ ምስዋር መርኣያ ነይቲ ክውንነት’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ትካላት ኣለዋ ዝበሃላ 17 ሚኒስትሪታት፡ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሕርሻ፡ መሬት ማይን ኣከባብን፡ ዜና፡ ጥዕና፡ መጓዓዝያን መራኸቢታትን፡ ጸዓትን ማዕድንን፡ ትምህርቲ፡ ፋይናንስ ሃገራዊ ልምዓትን፡ ፍትሒ፡ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ንግዲ፡ ህንጻ፡ ቱሪዝም፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ዞባዊ ምምሕዳርን ምክልኻልን እየን።

ሓያለ ካብዚአን ብዘይ ሚኒስተር ካብ ዝጸንሓ ዓመታት ኣሕሊፈን ኣለዋ።

ንኣብነት ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2013 ዝተፈተነ ወተሃደራዊ “ዕልዋ” መንግስቲ’ ናብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ድሕሪ ምስግጋሩ፡ ንምኒስትሪ ምክልኻል ክሳብ ሕጂ ሚኒስተር ኣይተመደበሉን።

ነቲ ኣብ 2019 ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምስንካሉ ናብ ስርሑ ዘይተመልሰ ሚኒስተር ስብሓት ዝትክእ ሰብ’ውን ኣብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ኣይተመደበን።

ሚኒስተር ትምህርቲ ሰመረ ርእሶም’ውን ካብቲ ደሪቡ ሒዝዎ ዝነበረ መዝነት ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መጋቢት 2022 ድሕሪ ምምላሱ ብሰንኪ ዘለዎ ናይ ጥዕና ጸገም ካብ ስራሕ ቦዂሩ ምህላዉ ይግለጽ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣገዳሲ ሚኒስትሪ ብውክልና ብታሕተዎት ሰብመዚ’ዩ ዝመሓደር ዘሎ።

ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር’ውን ተመሳሳሊ ዕጫ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ይፍለጥ። እዚ ሚኒስትሪ’ዚ ንውሽጣዊ ህዝባዊን ጂኦግራፊያዊን ናይ ምምሕዳርን ምውህሃድን ሓላፍነት ዝተዋህቦ ስለዝዀነ እቲ ዝዓበየ ኣገዳስነት ዘለዎ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ’ዩ ሚኒስተር ናይቲ ትካል ከም ‘ምክትል’ ፕረዚደንት ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ።

እንተኾነ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ሚኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ፡ ካብ ዓይኒ ህዝቢን ወግዓዊ ኣኼባታትን ካብ ዝኽወል ዓመታት ኰይኑ ኣሎ።

ኣምባሳደር ዓብደላ ግን፡ እቶም ኣብ ቦታኦም ኣለዉ ዝብሃሉ ንባዕሎም “ስማውያን” ጥራይ ስለዝዀኑን እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኵሉ ጉዳያት ገባርን ሓዳጊን ንሱ ባዕሉ ዝለዝዀነ ብኩራት ናይ ገሊኦም ሚኒስተራት ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን ክብል ይምጕት።

መብዛሕትኦም ሚኒስተራት ብዕድመ ዝደፍኡ ኰይኖም ኣብ ክሊ ዕድመ መወዳእታ 70ታት ከምኡ’ውን 80ታት ዝርከቡ’ዮም።

ዕድመ ናይቲ ናብ 80 ዓመት ዝጽጋዕ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን እንተዀነ ኣብታ ሃገር ከዘራርብ ጀሚሩ’ሎ።

ገለ ካብኦም ካብ 1993 ጀሚሮም ሚኒስተራት ኰይኖም ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ እዮም። ካብኦም ሚኒስተር ህንጻ ኣብርሃ ኣስፍሃ፡ ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ተስፋይ ገብረስላሰ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሓሽም ክጥቀሱ ይኽእሉ።

እቶም ዝተረፉ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ሚኒስተራት፡ ኣረፋይነ በርሀ (ሕርሻ)፡ ዶ/ር ገርጊስ ተኽለሚካኤል (ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን)፡ ኣስካሉ መንቀርዮስ (ቱሪዝም)፡ ኣምና ኑርሑሴን (ጥዕና)፡ ተስፋስላሰ ብርሃነ( መጓዓዝያን መራኸቢታትን)፡ ልኡል ገብርኣብ (ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን)፡ ነስረዲን ሳልሕ (ንግድን ኢንዱስትሪን)፡ ከምኡ’ውን የማነ ገብረመስቀል (ዜና) እዮም።

ተካኢ መሪሕነት ይፍጠር ኣሎ’ዶ?

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ,yemane gebremeskel/twitter

እቲ እዋናዊ ስክፍታ ፈጢሩ ዘሎ ካልእ ዓቢን ኣገዳስን ሕቶ፡ መተካእታ ናይቶም ብሞት ዝተፈልዩ፡ ብሕማምን ስንክልናን ዓዲ-ውዒል ዝዀኑን ዕድመ ዝደፍኡን መራሕቲ ዝትክእ ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ብኸመይ’ዩ ክፍጠር ዝብል’ዩ።

ኣብ 1993 ኣብቲ እዋን ዋና-ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባርን ግዝያዊ መንግስትን ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ውድብ “መሽሚሹ” ስለዝዀነ “ሓድሽ ደም” ከምዘድሊ ብምምጓት ሓያል ድፍኢት ኣካይዱ ነይሩ።

ነቲ “መኣዝኑ ኣጥፊኡ” ዝበሎ መሪሕነት ንምትካእ ድማ ሓድሽ-ወለዶ መሪሕነት ናብ ላዕሊ ንምድያብ ተንቀሳቒሱ። በዚ መሰረት፡ ኣብ 3ይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ከም በዓል ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ዘሎ የማነ ገብርኣብ፡ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ስዉር ማሕዩር ዝርከቡ ሓምድ ሕምድን ዓብደላ ጃብርን ዝርከብዎም ሓደስቲ መራሕቲ ናብ ፈጻሚ ኣካል መጺኦም።

እቲ ዘገርም፡ እቶም ዝተተክኡ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ከይተረፉ ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርበዓታት ዝነበሩ ምዃኖም’ዩ።

ኣቶ ዓብደላ ኣደምን ዶ/ር ኣዳነን ዝሰማምዕሉ እንተሎ፡ እቲ ናይ ሽዑ ምትኽኻእ ብወገን ኢሳይያስ ውልቃዊ ስልጣን ናይ ምድልዳል ሃቐና ዝነበሮ ምንባሩ’ዩ። ነቶም ክብድህዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን (ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት) ንምእላይ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ።

“ሓቂ’ዩ እቲ ሕመቕ [ነይሩ] ኣብ ኵሉ፡ ካባይ ጀሚርካ ክሳብ ኵሎም ካልኦት ብሓደ ሸነኽ፡ ብኻልኣይ ሸነኽ ፖለቲካዊ ብስለት’ውን የለን፤ ትሑት’ዩ፡ ንቕሓት ኣይነበረን፤ ኣብ ውትህድርና ዝነበርና ተጋደልቲ ኢና፤ እዚ ኵሉ ደማሚርካ ንሱ ነቲ ኵነታት ተጠቒሙሉ’ዩ።”

“ [ሽዑ] መሪሕነት ጠስጢሳ’ያ ተባሂሉ፤ ኵሉ ሰብ ዝፈልጦ’ዩ ኣብቲ እዋን’ቲ። እቲ ዝገርም ግን ነታ መሪሕነት ዝመርሓ ንሱ’ዩ፤ ንሱ ግን ኣይጠስጠሰን። እሞ ከመይ ጌራ’ያ ትጥስጥስ ንሱ እንተዘይጠስጠሰ? ንሱ ሓያል ምስኮነ እታ መሪሕነት ከኣ ሓያል’ያ ክትከውን ዘለዋ፤ ብባህሪ ከምኡ’ዩ” ይብል ዓብደላ።

ምትኽኻእ ብመትከል ጸቡቕ ምዃኑ ዝዛረብ ዶ/ር ኣዳነ’ውን እቲ ናይ ሽዑ ለውጢ ጣቋ ከምዘይነበሮ’ዩ ዝዛረብ። “ኣቲ ‘ሓድሽ ደም’ ዝብል ብሂል፡ ከም መትከል ጽቡቕ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ክትግበር’ውን ኔርዎ። እንተዝትግበር፡ ወዲ ኣስታት 80 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብጓል 30 ወይ 40 ዓመት ዝዀነት ኤርትራትዊ መራሒት ተተኪኡ ምረኣናዮ ኔርና” ዝብል ዶ/ር ኣዳነ “ንሱን ናቱ ዕድመ ዘለዎም መራሕትና፡ ኣብዚ እዋን መዕረፉን መማኸሩን ኔሮም። ግን እቲ ዘሎ ካልእ እዩ” ይብል።

ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ኸኣ ሕቶ ምስግጋር ስልጣን ናብ ሓድሽ ወለዶ እዋናውን ክውንነታዊን ብድሆ ኰይኑ መጺኡ ኣሎ።

ካልእ ይትረፍ ዕድመ ናይዞም ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ ኤርትራ ንበይኑ ስልጣን ናይ ምስግጋር ጠለብ ዝሓትት ምዃኑ ክልቲኦም ዝሰማምዕሉ እዋናዊ ፖለቲካዊ ክውንነት እታ ሃገር’ዩ።

ኣምባሳደር ዓብደላ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብወገን ፕረደዚንት ኢሳይያስ ሓደስቲ መራሕቲ ብምፍጣር ናይ ምስግጋር መደብ ይዅን ተበግሶታት ክወስድ ኣይርአን ይብል። ብሰንኩ ድማ እታ ሃገር ሓደጋ ፖለቲካዊ ሃጓፍ ከጋጥማ ዓቢ ተኽእሎ ከምዘሎ የመልክት።

“ጉባኤ ክገብሩ’ዮም፡ ሓደስቲ መራሕቲ ከምጽኡ’ዮም ዝብል ሓደ ሓደ ወረታት ትሰምዕ ኢኻ። እዚ ግን ብመንግስቲ ኢሳይያስ ብወግዒ ዝተገልጸ ኣይኰነን፡ ሰባት የውርይዎ፡ ካበይ ከምዘምጽእዎ ኣነ ኣይፈልጥን።”

“ኣብ ስልጣን ሎሚ ክርአ ዝግብኦ እቲ ድሕሬና ዘሎ ካልኣይ ወለዶ’ዩ፤ ግን ከም መስርሕ ክሳብ ሕጂ ኣይርአን’ዩ ዘሎ። ኢሳይያስ’ውን ካብ ኵሉ በዚን በትን ንረኽቦ ሓበሬታት ብዙሕ ብዛዕባ ምስግጋር ግዱስ ኣይመስልን’ዩ። ግን እቲ ሓደጋ ድማ፡ እቲ ከባቢና ንርእዮ ኣለና፡ ኢትዮጵያ በሎ ሱዳን፡ ጽልውኡ ኣሉታዊ’ዩ። ንሕና ኸኣ ካብኦም ዋላሓንቲ ንፍለ ኣይኰናን ብኣቃውማ።”

“ስለዚ ብግቡእ ለውጢ እንተዘይመጺኡ ዓቢ ሓደጋ’ዩ ንኤርትራ፤ ነቲ ኣብ ከባቢና ሰፊኑ ዘሎ [ኵነታት] ኣብ ግምት እንተ ኣእቲኻ ድማ ኣዝዩ ዘፍርሕ’ዩ ክብሃል ይክኣል” ክብል የጠንቅቕ።

“ንሕና፡ እቶም ለውጢ ንደሊ፡ ዓቲብና ነዚ ጉዳይ ሒዝና ክንሰርሕ እንተኽኢልና፡ ምናልባት እዚ ዝመጽእ ክልተ ዓመት ዕድል ኣለና፡ ክልተ ሰለስተ ዓመት እንተሓሊፉ ግን ሽዑ ዋላ ወርቂ ዝዀነ ሓሳብ እንተምጻእና ግዜ ሓሊፉ’ዩ” ይብል ዓብደላ።

በቲ ኵነታት ተስፋ ከምዘይቈርጽ ዝገልጽ ዶ/ር ኣዳነ፡ “ኣብዚ ብሕልፊ እዞም ኣብ ወጻኢ ኴንና ኵነታት ሃገርና ንከታተል ብልዑል ስክፍታ ንዘራረበሉ ኣርእስቲ እዩ። ምስካፍናን ምዕላልናን ጽቡቕ እዩ፡ ክንቅጸሎ ኣሎና። ከምኡ ክንገብር ከለና ግን ወድዓውነት ክንስሕት የብልናን” ኢሉ።

“እወ፡ ኣብዚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዙሓት ሃገር ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ንኽስከሙ ዓቕምን ተኽእሎን ዝነበሮምን ዝነበረንን ብስደት ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ወጻኢ ኣለዉ። ኰይኑ ግን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብኣገልግሎት ድዩ ብስሩዕ ትምህርትን ኣብ ዝተፈላላዩ ጽፍሕታት ትካላት መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሰርሑን፡ ምስ ልዑል ክእለቶም መስዋእቲ ዝኸፍሉ ዘለው ብዙሓት ሃገራውያን ኣለዉ።

“ንገሊኦም ህግደፍ እዩም ኢልካ ይዝለፉ፣ ሃገር ገዲፎም ንስደት ብዘይ ምውጽኦም፡ ከም ደገፍቲ እቲ ስርዓት ኰይኖም ይርኣዩ ይዀኑ። ጾር ሃገር ተስኪሞም ዘለዉ ብልዑል ሃገራውነት ‘ሃገር ምስ መን ክንገድፋ’ ኢሎም፡ ጽባሕ ከምዝወግሕ ኣሚኖም፡ ኣብ ዓሚቚ ጽምዶ ዘለዉ ኣሕዋታናን ኣሓትናን፡ መንእስያትን ኣለዉ” ይብል ዶር ኣዳነ ብልዑል ተስፋ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ዝተፈለላየ ደረጃ ዝትምህርቶም ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ናብ ስደት ከምዝወሓዙ ዝገልጽ ዶ/ር ኣዳነ፡ ምትካል ግዝኣተ-ሕጊ መሰረታዊ ምዃኑ ይዛረብ።

“[መንግስቲ] ናይ መሪሕነት ሃጓፍ ንኸይፍጠር ክሰርሕ ይግባእ” ክብል ኵሉ ዝምልከቶ ኣካል ብሓላፍነት ክሰርሕ ይምሕጸን።

ምሻም፡ ምውራድን ምቅይያርን ሚኒስተራት

ድሕሪ’ቲ ኣብ 1994 ዝወጸ ኣዋጅ፡ ቍጽሪን ሓላፍነትን ሚኒስትሪታት ክውስኽን ክጐድልን ምጽንሑ ይፍለጥ። እቲ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ካቢነ ናይ ምምዕርራይ እማመ ድሕሪ ምንዳፉ፡ በቲ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ (ኣብ ንጡፍ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ) ይጸድቕ ነይሩ።

እቲ ሚኒስተራት ናይ ምምዛዝ ስልጣን ዝተዋህቦን ነቲ ካቢነ ዝመርሕን ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምቅይያር ሚኒስተራት ክገበር ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ዝዓበየ ምቅይያር፡ ድሕሪ ሳልሳይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ኣብ መጋቢት 1994 ዝተኻየደን ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐን’ዩ። ገለ ካብቶም ሽዑ ዝተቐየሩ ሚኒስተራት፡ እቲ ካብ ምክልኻል ናብ ጉዳያት ወጻኢ ዝሰገረ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ከምኡ’ውን እቲ ካብ ጉዳያት ወጻኢ ናብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ዝሰገረን ፕረዚደንት ኣብ ዘይህልወሉ ከም ፕረዚደንት ዝሰርሕ ዝነበረን ሚኒስተር ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎን እዮም። ክልቲኦም ገዳይም መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ኰይኖም ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ማሕዩር ተሰዊሮም ይርከቡ።

ሎሚ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎን ሓደ ካብ መራሕቲ ተቓውሞ ዝዀነን መስፍን ሓጐስ’ውን ሽዑ’ዩ ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ተመዚዙ። እንተኾነ ምስ ፕረዚደንት ብዝነበሮም ዘይምስምማዕ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምግልጋሉ’ዩ ብፍቓዱ ካብ መዝነቱ ክወርድ ተገዲዱ።

እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ምቅይያር ኣብ 1997 ዝተፈጸመ’ዩ። ኣብዚ’ውን እቲ ብምትእትታው ፕረዚደንት ዘይዕግበት ዝነበሮ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጴጥሮስ ሰለሙን ናብ ሃብቲ ዓሳ ተቐዪሩ።

ሚኒስተር ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ዝነበረ ሃይለ ወልደትንሳኤ’ውን ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተቐዪሩ ክሳብ 2000 ሰሪሑ። ኣብ እዋን ዶባዊ ኲናት ኢትዮጵያን-ኤርትራን ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ተጸሚዱ ብምንባሩ’ዩ ብፍሉይ ዝዝከር። ንሱ’ውን ሓደ ካብቶም ካብ መስከረም 2001 ጀሚሩ ኣብ ስዉር መዳጐኒ ምስኣተዉ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ 11 ኣባላት ጕጅለ-15 እዩ።

ሕጂ ኣብ ወጻኢ ተሰዲዱ ዝነብር ዘሎ ገብረስላሰ ዮሴፍ ኣብ 1997 ንኣቶ ሃይለ ብምትካእ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ተሸይሙ፤ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ተሰናቢቱ።

ኣብታ ታሪኻዊት ዓመተ 2001 ምስ ተቓውሞታት ጕጅለ-15 ብዝተሓሓዝ ዝተኻየደ ምቅይያራት’ውን ዓቢ ኣገዳስነት ዝነበሮ’ዩ።

ገለ ካብቲ ሽዑ ዝተራእየ ለውጥታት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ሃይለ ‘ድሩዕ’ ናብ ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2005 ዝዓረፈ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ናብ ጉዳያት ወጻኢ ምቕያሮም’ዩ።

ከም ምክትል ፕረዚደንት ዝርአ ዝነበረ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ’ውን ጠቕሊሉ ካብ መዝነት ዝተሰናበተሉን መንግስታዊ መኪናኡ ዝተሓድገሉን’ዩ ነይሩ።

ኣብ 2009 ከኣ ካልእ ግምት ዝወሃቦ ምቅይያር ተኻይዱ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ዝነበረን ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ፈተነ ዕልዋ 2013 ብዝተሓሓዝ ኣብ ማእሰርቲ ተሰዊሩ ዝርከብ ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ ናብ ጸዓትን ማዕድንን፡ እቲ ካብ 1993 ኣትሒዙ ነቲ ቦታ ሒዙዎ ዝጸንሐ ሚኒስተር ተስፋይ ገብረስላሰ ድማ ናብ መሬት፡ ማይን ኣካባቢን ተቐይሮም።

ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነት ዝነበረት ኣስካሉ መንቀርዮስ ቦታኣ ንሳልማ ሓሰን ኣረኪባ ናብ ቱሪዝም ክትሰግር እንከላ፡ ኣምና ኑርሑሴን ድማ ካብ ቱሪዝም ናብ ጥዕና ተቐዪራ።

ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት’ውን በብእዋኑ ምቕያር፡ ምውራድን ምሻምን ሚኒስተራት ቀጺሉ’ዩ። ንኣብነት ነቲ ኣብ 2005 ዝዓረፈ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ንምትካእ ኣብ 2007 ካብ ትምህርቲ ዝተሰጋገረ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ 2012 ዝተፈጸመ ምውራድ ኣብዚ ዓመት ዝዓረፈ ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ብርሃነ ኣብርሀን ንዕኡ ዝተክአ ሓድሽ ሚኒስተር ብርሃነ ሃብተማርያም፤ ኣብ 2013 ዝተገብረ ምቕያር ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ካብ ምክልኻል ናብ ጸዓት ማዕድንን፡ ከምኡ’ውን ካብ ንግዲን ኢንዱስትሪን ሰጊሩ ነተን ክልተ ዝነበራ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ክመርሕ ሓድሽ ስልጣን ዝተዋህቦ ዶ/ር ገርጊስ ተኽለሚካኤል ይጥቀሱ።