ተስፋየ ገብረኣብ፡ ቅድሚ ግዜኡ ዝሓለፈ ፍሉጥ ደራሲ

ተስፋየ፡ ኣብ ምድረ ኦሮሞ፡ ቢሾፍቱ (ናዝሬት) እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ወለዱ ተዛረብቲ ትግርኛ እኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ቤቱን ሻርዕን ኣፉ ዘጽረየሉ ቋንቋ ግን ኣምሓርኛን ኦሮሞን እዩ። ካሪኩለም ትምህርትን ብኣምሓርኛ ዝበዝሕ ዘንብቦ መጻሕፍቲ እውን ናይ ኣምሓርኛ እዩ። ስለዝዀነ ነቲ ካብ ቍልዕነቱ ምስኡ ዝዓበየ ፍቕሪ ስነጽሑፍ ብኣምሓርኛ እዩ ዝገልጾ።

ንተስፋየ ብጽሑፋቱ እምበር ብኣካል ርእዩዎ ዘይፈልጥ፡ ድሕሪ ሞቱ ግን ታሪኹ ከዘንቱ ናብ ኤርትራን ሰፊሕ ክፋል ኢትዮጵያን እናተመላለሰ " ናይ ኣድኣ ጸሊም ዋላኻ" ዘርእስታ ናይ ዝኽሪ መጽሓፍ ዝጸሓፈሉ፡ ደራሲ፡ ጉቺ ሽመልስ" ተስፋየ ንፉዕ ጸሓፋይ ምንባሩ የዘንቱ። እቲ ካብ ቍልዕነቱ፡ ዛንታታት ወላዲቱ እናሓተተ ናይ ስነጽሑፍ ፍቕሩ እናወርጸጸ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ዘብጽሖ ተስፋየ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ልክዕ ኣብዚ ቅንያት'ዚ ንዅሉ እቲ ጀማሚርዎ ዝነበረ መደባት ራሕሪሑ ካብዚ ዓለም ብሞት ተሰናቢቱ።

ብኽቱር ፍቕሪ ስነጽሑፍ፡ ንፕሮፖጋንዳ ዘገልግል ውዕሎ ኲናት ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኸዘንቱ ብ300 ብር ተቘጺሩ ኣብ ኮር 603 ዝተመደበ ተስፋየ፡ ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ደብረ ታቦር ኣብ ዝተገብረ ውግእ ቆሲሉ ብሰራዊት ህወሓት ተማሪኹ።

ዕድል ገይሩ ግን ኣብ ጉጅለ ባህሊ ህወሓት ከገልግል ፍቓደኛነቱ ስለዝርኣየ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ኣብ መንግስቲ ኢህወደግ ሓላፊ ፕረስ ኰይኑ፡ ዝተፈለላየ ዓንቀጻትን "ተራሮች ያንቀጠቀጠ ትውልድ" [ኣኽራናት ዘንቀጥቀጠ ትውልዲ] ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብቕጽታት እትጸሓፍ ንዝነበረት መጽሓፍ ኣሰናዲኡ።

ኣብ ጕዕዞ ግን ምስ ሓያሎ ሰበስልጣን እቲ ስርዓት ስለዘይተቓደወ፡ ተወሊዱ ንዝዓበየላ፡ ብዓቕሙ ንዘበርከተላ ኢትዮጵያ ሕቘኡ ሂቡ ኣብ ኬንያ ዑቕባ ሓቲቱ ክነብር ፈቲኑ ክሳብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ሞት ክሳብ ዝተሃላለኾ ከኣ፡ (ያልተመለሰው ባቡር፡ የቡርቃ ዝምታ፡ የቢሾፍቱ ቆሪጦች፡ የጋዜጠኛው ማስታወሻ፡ የደራሲው ማስታወሻ፡ የስደተኛው ማስታወሻ፡ የጀሚላ እናት፡ የኑረነቢ ማህደር፡ ጃንሆይና ደርግ ያልተነገሩ መራር ታሪኮች፡ የቲራቮሎ ዋሻ፡ ቀይ ዘመን) ዝብላ መጻሕፍትን ኣዝዩ ብዙሕ ዓንቀጻትን ጽሒፉ።

እዚ ካብ ለንደን ጦብላሕታኡ ዘካፈለና ሃያሲ፡ ሓደ ፈታዊኡ "የኑረነቢ ማህደር" ዘርእስታ መጽሓፍ ካብ ኣስመራ ምስለኣኸሉ'ዩ ምስ ተስፋየ ገብረኣብ ተላልዩ። ብመጽሓፉ ስለዝተደነቐ ከኣ "እንሆ ብፖለቲካ ዘይምወል፡ ካብ ማሕዩር ትረኻ ሓራ ከውጽኣና ዝኽእል ሓቀኛን ተባዕን ደራሲ መጺኡልና" ኢሉ ከምዝወደሶ ይነግር።

ተስፋየ ግን ናይ ብሓቂ ኣዘራራቢ ጋዜጠኛን ደራስን እዩ ነይሩ። እቲ ድሕሪ ሕልፈቱ ንዅሉ መጻሕፍቱ ኣንቢቡ፡ ንኣሕዋቱን መተዓብይቱን ኣዘራረቡ፡ ንታሪኽ ህይወቱን ኣብ ስነጽሑፍ ዝነበሮ ፍቕርን ዘበርከቶ ዕዮን ክምርምር ዝተተባብዐ ደራሲ ጉቺ ሽመልስ ከምዚ ክብል የዘንቱ።

ተስፋየ ምስ ዓረፈ፡ ተወሊዱ ኣብ ዝዓበየሉ ቢሾፍቱ፡ ኣብ እንዳ ሓዉ ናይ ሓዘን ዳስ ተተኺሉ፤ ንዕኡን ስድራኡን ዝፈልጡ በጻሕቲ፡ ገጾም ክኸድኑን ጽንዓት ይሃብኩም ክብሉን ይመላለሱ ነይሮም። ሓደ ምሸት ክልተ ሰባት መጺኦም ናብ ይርጋኣለም ሓው ቀሪቦም፡ "ሓውኻ እንቋዕ ሞተ!" ኢሎሞ ከይዶም።

ነዚ ጉዳይ እዚ ምስ ሰምዐ'ዩ ደራሲ ጉቺ፡ "እዞም ሰባት እንታዎት እዮም? ስለምንታይ ብሞት ተስፋየ ክሳብ ክንድኡ ተሓጒሶም? እንታይ ምኽንያት ኣለዎም?" ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ነታ ኣዳኣው ጸሊም ዋላኻ ዘርእስታ ንታሪኽ ህይወት ተስፋየ እተዘንቱ መጽሓፍ ከምዝጸሓፈ የዘንቱ።

ተስፋየ ገብረኣብ፡ ምስ ሰበስልጣን ኢህወደግ ብዝነበሮ ቅርበትን ዝሓደሮ ቅሬታን ተሰዲዱ ነዊሕ ኰለል ከምዝበለ ታሪኹ የረድእ። ኣብ ስደት ኰይኑ ከኣ የጋዜጠኛ ማስታወሻ ብዘርእስታ መጽሓፍ ንባህሪያት ስርዓት ኢህወደግ ዘቃልዕ ዛንታ ጽሒፉ። ብደፋር ጽሕፈቱ ዝፍለጥ ተስፋየ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ደራሲ ምንባሩ እዩ ዝንገረሉ።

ክኢላታት ጸሓፍቲ ንዓለምና ክልውጡ ይኽእሉ'ዮም ዝብል እምነት ዘሕደረ እዚ ኣድናቒ ተስፋየ "ዕድመ እንተዝህቦስ ብዛዕባ ዛንታ ኤርትራ ክንደይ ኰን ምጸሓፈ?" ክብል የስተንትን።

እታ ዝተላእከትሉ መጽሓፍ ብ2017 ዝተሓትመት 'ማህደር ኑረነቢ' ዘርእስታ መጽሓፍ ኰይና ብዛዕባ ወራራት ጣልያንን እንግሊዝን ኣብ ዞባና እተዘንቱ፣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኸኣ ፍሉይ ኣተኵሮ ዘለዋ መጽሓፍ'ያ። መንቀሊ መጽሓፉ ብሓፈሻኡ፡ ካብ ሓደ ብሌን ዝመወለዱ ሰብ ብዝተረከቦ ዕቝር ሰነዳት ታሪኽ ኰይኑ ዛንታ ሓደ ስድራቤት - ንኣርባዕተ ወለዶታት ዝኸደ ዛንታ እዩ።

"ነታ መጽሓፍ ከንብባ ምስ ጀመርኩ ምሒር ተመሲጠ ካብ ቀዳማይ ገጽ ክሳብ መወዳእታ ገጽ ንኸንብባ ግዜ ከም ዘይወሰደትለይ እዝከረኒ" ኸኣ ይብል። በቲ ሽዑ ኣብ ሚድያታት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ይዅን ወጻኢ ሃገራት ብዛዕባ ደራሲ ዝቐርቡን ዝዝርግሑን ዝነበሩ ዛንታታት፡ ቃለመጠይቓት ይዅኑ ሓተታታት ተገዲሱ ኸኣ ክሳብ ግዜ ስንብታኡ ይከታተሎም ነበረ።

ተስፋየ ገብረኣብ

ምንጪ ስእሊ,TESFAYE GEBREAB/FB

ኣይጸንሐን፡ ዕቑር ዓቕሚ ደራሲ ኣዝዩ ግዙፍ ምዃኑ ኣስተብሂሉ ኸኣ 'እዚ ሰብ'ዚ ንዓና ኤርትራውያን ናብ ሓደ ምዕቡል ደረጃ ስነጽሑፍ ኰብኲቡ ከሰጋግረና'ዩ' ዝብል ተኣማምነት ከም ዘሕደረሉ ይዝክር። ተገዲሱ ኸኣ ንድሕረ-ባይታ ተስፋየ ገብረኣብ ፈቲሹ ምስ ተረድኦ ብባህርያቱ - ምቕላለኡ፡ ፍሕሽውነቱ፡ ኣቕዋሙ፡ ርእሰ-ተኣማምነቱ ዀነ ትብዓቱ - ተወሳኺ ኣድናቘት ኣንበረሉ።

እታ ተስፋየ "የኑረነቢ ማህደር!" ዘርእስታ ናብ እንግሊዝኛ፡ ትግረን ዝተተርጐመት መጽሓፍ፡ ንገለ ተቓለስቲ ኣበዋት ኣጓንያ ንገሊኦም ዘድመቐት ናይ ፈጠራ ስራሕ እያ ብምባል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነቕፉዋ እውን ኣይተሳእኑን።

ይዅን እምበር ታሪኽ ሓደ ሕብረተሰብ ብቐጻሊ ክንገርን ክብርበርን ስለዝግባእ ተስፋየ ዝሰርሖ ስራሕ ብሉጽ እዩ ኢሎም ዘሞጒሱዎ ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።

እዚ ዓሰርተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ጐብለል ቅዲ ኣጸሓሕፋኡ ፍሉይ፡ ቀንዲ ዘተኵረሎም ዛዕባታት ከኣ ጉዳያት ኢትዮጵያን ኦሮምያን ነበሩ። ይዅን'ምበር ኣብ ክሊ ኤርትራውያን ከኣ ኣዝዩ ውሩይ ነበረ።

ተስፋየ ንሰበስልጣን ከይፈርሐ፡ ዝመስሎን ዝተራእዮን ንኽጽሕፍ ድሕር ዘይብል ጋዜጠኛ/ደራሲ እዩ ዝብሉዎ እውን ኣለው። ይዅን እምበር ተስፋየ ኣብ ምልካዊ ምሕደራ ጋዜጠኛታት ኰነ ጸሓፍቲ ብናጽነት ክጽሕፉ ከምዘይክእሉ ስለዝፈልጥ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ማእሰርትን ሽርበትን ዜጋታት ደፊሩ ኣይጸሓፈን።

እቲ ብጸያፍ ትግርኛ - ብመልሓስ ዕባይ-ኢትዮጵያ - ዝዛረብ ዝነበረ ተስፋየ፡ ኣብ ቢሾፍቱ / ኢትዮጵያ ብ 28 ነሓሰ 1968 ካብ ኤርትራውያን ቤተሰብ ተወሊዱ (ቢሾፍቱ ኣብ መሬት ኦሮምያ ከተማ ናዝሬት ምዃኑ'ዩ) ብ24 ታሕሳስ 2021 ኣብ ናይሮቢ ዓረፈ፤ ኣብ መቓብር ሓዝሓዝ ኣስመራ ድማ ተቐቢሩ።

ተስፋየ ኣብ ምዕባለ ስነጽሑፍ ኢትዮጵያ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ብዙሓት መዘናታቱ ጸሓፍቲ ዝምስክርሉ ውሕሉል ጸሓፋይ እዩ። 'ከምኡ'ውን፡ ሞት ተሃዊኹ ወሲዱዎ'ምበር፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምዕባለ ስነ-ጽሑፍ ብዙሕ መበርከተ ነይሩ።

እቲ ኣድናቕን ሃያስን መጻሕፍቲ ተስፋየ ገብረኣብ፡ ኣብ ኤርትራ ሓባራዊ እምበር ውልቃዊ ዛንታ ምጽሓፍ ብዙሕ ኣይተለምደን። እዚ ማለት ናይ እኩብ ወይከኣ ናይ ሓባር መልክዕ ኣትሒዝካ ነቲ ታሪኽ ዘለዎ ውልቀሰብ ከኣ ካብ ስእሊ ኣውጺእካ 'ዩ ዝትረኽ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ዝዝውተር ቅዲ ኣጸሓሕፋ ማለት'ዩ።

''ንኣብነት ብገድሊ ኤርትራ'ምበር ብተጋዳላይ ናይ ምጽሓፍ ደረጃ፡ ጠቐስታ መንግስቲ ዘይብሉ ጽሑፍ ምቕራብ ገና ኣይተለምደን ክበሃል ይከኣል። ናይ ደራሲ ተስፋየ ኣቀራርባ ግን ፍልይ ይብል፣ ንውልቀ ሰባት ኣቐዲሙን ኣብ ማእከል ዛንታ ኣእትዩን'ዩ ዝጽሕፍ" ክብል ብኣድናቘት ይገልጾ።

ርግጽ'ዩ፡ ኤርትራ ካብ ሓጹር ሳንሱር ስነጽሑፍ ገና ስለ ዘይተናገፈት ህላወ ሽቝረራ ዘይክሓድ ሓቂ'ዩ። ወሲኹ እቲ ሃያሲ 'ብልጫታት ተስፋየ ግን ካብቲ ሽቝረራ ናጻ ኰይኑ ናይ ምጽሓፍ ሜላ ስለ ዘኻዕበተ ቀልጢፉ ንኣንበብቲ ክስሕብ ክኢሉ'ዩ' ብምባል ይምስክረሉ።

"ደራሲ ተስፋየ ናጻ መንፈስ ዝዓሰሎ፡ ብሃዋህዉ ፍርሂ ዘይተጸምደ፡ እቲ ዘርእዮ ዝነበረ ትብዓት ይምስክረሉ'ዩ ክበሃል ይከኣል" ይብል እቲ ዘዕለልናዮ ወሃብ ርእይቶ።

ንደራሲ ብተወሳኺ ክገልጾ ኸሎ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡ "ኣብ ከይብሉኒ ወይከኣ ፖለቲካዊ ዕንክሊልን ሓድሕዳዊ ቍርቍስን ስለ ዘይትንክፎ ግዲ ኰይኑ፡ ኣብ ሓቂ ተመርኲሱ፡ ነቲ ዛንታኡ ኣብ ቅዲ ምዕቡላት ጸሓፍቲ ኣትሒዙ፡ ሓረጋቱ ብናጻ ከም ዝውሕዙ ናይ ምግባር ዓቕሚ ነይሩዎ'ዩ ምባል ምግናን ኣይኰነነ።"

ባዕሉ ተሰፋየ ኣብ ቃለመጠይቕ ከም ዝበሎ፡ ናቱ ስምዒትን ፍልጠትን ክቕስቅሱን ከበራብሩን ዝኸኣሉ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ፍቕሪ ስነጽሑፍ ዝሸመምዎ ናይ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዓበይቲ ጸሓፍቲ ሩስያ - ከም በዓል ፍዮዶር ዶስቶዮቪስኪ - ሓጸርቲ ዛንታት ዝጽሕፍ ዝነበረ ዓቢ ጸሓፊ፡ ሚካኤል ለርሞቶቭ - ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ዝሞተ ፍሉጥ ደራሲ፡ ኢቫን ጋንካሮቭ - ኖቨለኛ ... ዘኣመሰሉ ኰይኖም ካልኦት ከም በዓል ፑሽኪን፡ ቶልስቶይ 'ውን ከም ዝነበሩ ይጠቅስ። እዞም ዝተጠቕሱ ሩስያውያን ጸሓፍቲ ንዓለሞም ብሓይሊ ስነጽሑፍ ክልውጡ ዝኸኣሉን ኣብ ታሪኽ ሩስያ ነቕ ዘይብል ቦታ ዘለዎምን ታሪኽ ዝገደፉን ጸሓፍቲ'ዮም።

ንትብዓት ደራሲ ብዘርኢ ጕዳይ ሓደ ኣብነት ምቕራብ ይከኣል። ደራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረሉ እዋን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይፈርሐ ንታሪኽ ህዝቢ ኦሮሞ ብምምርማር መምዩ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸሙ ኣድልዎ ይዅን ግህሰት ድምብርጽ ከይበሎ ኣብ ሓቀኛ ታሪኻዊ ትንታነ ዝተመርኰሰ ሓተታ ከቕርብ ብምኽኣሉ ብዙሕ ምስጋና ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻኡ፡ ምስጋና ህዝቢ ኦሮሞ ኸኣ ብፍላይ ረኺቡ'ዩ።

ደራሲ ተስፋየ ገብረኣብ ኣብ ትዕይንቲ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ምስ መጸ ብዙሓት ብጽቡቕ ስለ ዝተቐበሉዎ ብዛዕባኡ ሓደ ፍሉይ ነገር ከም ዝነበረ ሰባት ኣስተብሃልሉ ክበሃል ይከኣል። እታ ብዛዕባ ኤርትራ ብኣምሓርኛ ዝተጻሕፈት ጸኒሓ ኸኣ ናብ ትግርኛ ምስ ተተርጐመት (ከምኡ'ውን ናብ እንግሊዘኛን ካልኦት ቋንቋታትን) ብዙሓት ሰባት፡ እንኮላይ ናይ መንግስቲ ሰባት ኣድናቘቶም ብዝተፈላለዩ መንገድታት ገለጹ።

ንኣብነት ኣብታ መጽሓፍ'ቲኣ ከም በዓል ፕሮፈሰር ኣስመሮም ለገሰ፡ ጸሓፋይ ተኪኤ በየነ፡ ሚኒስተር ኣስካሉ መንቀርዮስ ዘኣመሰሉ ... ከምኡ 'ውን ካልኦት ሰባት ሓጺር ግን ኣድማዒ ርእይቶኦም ብምስፋር ኣድናቘቶም ገሊጾም'ዮም።

ኰይኑ ድማ ተቐባልነት ደራሲ ክዓቢ ከኣለ። ከምቶም ኣብቲ መጽሓፍ ዝሰፈሩ ርእይቶታት ኣንበብቲ ምስ እነንብብ ተስፋዬ ክሳብ ክንደይ ጸላውን ብሩህ ተስፋ ከም ዝነበሮን ክንግንዘብ ንኽእል። እቲ ዝረኸቦ ምስጋና ኸኣ ደራሲ ብዝያዳ ንኽምዕብል መንገድታት ከም ዝፈጠረሉ ብዙሕ ምሕሳብ ዘድልዮ ጕዳይ ኣይኰነን።

ማህደር ኑረነቢ

ብዛዕባ ኤርትራውያን ጸሓፍቲ 'ኸ እንታይ በለ?

ተስፋዬ ኣብ ሻባይት - መንግስታዊ ማዕከን - ብ17 ለካቲት 2018 ዝሃቦ ቃለመጠይቕ 'ኤርትራውያን ታሪኾም ብግቡእ ንኽጽሕፉ ገና ብማንካ ኣየልዓሉሉን" ከም ዝበለ ዝዝከር'ዩ።

ተስፋየ ገብረኣብ ዝተመስገነላ ጕዳይ ኣስሚርና ክንጠቅስ ንኽእል። እዚ ኸኣ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዳይረክተር ናይ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ኰይኑ ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንብዙሓት ጸሓፍቲ ናጻ `ኰይኖም ንምጽሓፍ መገዲ ከም ዝፈጠረሎም ይዝንተወሉ'ዩ።

እቲ 'ብዛዕባ ሓቀኛ ታሪኽ ንኽጽሕፍ ሕልናይ ይቕስበኒ'ዩ" ዝበለ ተስፋየ፡ ገለ-ገለ ኤርትራውያን ደረስቲ ብምስጋና ድሕሪ ምጥቃስ እቲ ዝሰዓበ ርእይቶኡ ናብ ነቐፌታ ለወጦ።

"ታሪኽ ናይ ምጽሓፍ ዓቕሚ ዘለዎም ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣለዉ። ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፉ ንግዳውያን መጻሕፍቲ ክትርጕሙ ክርኢ ኣይወሓጠለይን። ብጽርግያታት ኤርትራ ክትሓልፍ ታሪኽ እናዓንቀፈካ ኢኻ ትኸይድ። እቲ ናብ ጸሓፍቲ ኤርትራውያን ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ እምበኣር ንሱ'ዩ፣ ንሓቀኛ ታሪኽ ኤርትራ ኢደይ-ኢድካ ክበሃልሉ ከም ዘለዎ ከዘኻኽሮም እደሊ" ይብል ተስፋየ።

ኣብ ኤርትራ ዝተኸሰቱ ፍጻመታት ኣዝዮም ብዙሓት'ዮም። ኣበሃህላ ተስፋየ፡ ታሪኽ ኤርትራ ብብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ብእኡ ኸኣ ከም ዘይተወድአ 'ዩ ዘመልክት።

እቲ ዘዛረብናዮ ሃያሲ ስነጽሑፍ "ተስፋየ ታሪኽ ኤርትራ ገና ኣይተጻሕፈን ክብል ከሎ፡ ቅድሚ ገድሊ ኤርትራ ዝተኻየዱ ቃልስታት፡ ኣብ ውሽጢ ገድሊ ዝነበሩ ጸገማት፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰቱ ግናያት ፍጻመታት ይሓስብ ከም ዝነበረ ርግጸኛ'የ" ይብል።