'ሰራዊት ኤርትራ ዝሓዞም ግዝኣታት ባዕሉ ይፈልጦም እዩ' - ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ከውጽእ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ብምባል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሆርን ሪቪው ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣበይ ከምዘሎ ብዝምልከት ቢቢሲ ሕቶታት ኣቕሪቡሉ።

ንሱ ነዚ እንክምልስ፡ "ንሳቶም ዝሓዝዎ ግዝኣት ባዕልቶም ይፈልጡ እዮም" ኢሉ።

እቲ ኣምባሳደር ነቶም ግዝኣታት ብስሞም ከይጠቐሰ፡ "ብዝርዝር ንምዝራብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እዚ ዝጸንሐ ነገር እዩ፤ ኣብዚ ደረጃ እዚ፡ ብዛዕባኡ ይፈልጡ እዮም ምባል ይሓይሽ" ኢሉ።

ዓለምለኸ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መራኸቢ ብዙሃንን ብዛዕባ ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ምንባሩ ከቃልሓ ነይረን እየን።

ኣብቲ እዋን ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ዝርከቦም ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ይሳተፉ ኣለዉ ዝብል ኣበሃህላ "መሰረት ኣልቦ" ብምባል ብተደጋጋሚ ክነጽጕ ተሰሚዖም እዮም።

ቢቢሲ፡ ነቲ ቅድም ክብል ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘየለ ምዝራቡ ብምጥቃስ፡ ንኣምባሳደር ዲና "ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ድዮም ኣትዮም?" ክብል ሓቲቱዎ።

ንሱ እንክምልስ፡ "ምድፍፋእ ኣሎ፣ ዝነበረ ጉዳይ'ዩ። ምእታውን ምውጻእን ኣሎ። በዚ ደረጃ ምርኣይ ይሓይሽ፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ ቢቢሲ ነቲ ኣምባሳደር ሰራዊት ኤርትራ መዓስ ከምዝኣተወን ኣየኖት ከባቢታት ከምዝሓዘን ከነጽር ዝከኣል እንተዀይኑ ኣብ ዝተወከሰሉ፡ ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝዀነ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ግን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣየኖት ከባቢታት ከም ዝሓዘ ዝርዝር ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

"ኣዝዩ ከቢድ እዩ፤ ብዛዕባ እዚ ዝርዝር 'ስታቲስቲክስ' ነገር የብለይን።"

ካብ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለማዊ ትካላትን ዝወጹ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንፈደራል መንግስቲ ንምድጋፍ ኣብ ትግራይ ተዋፊሮም፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት፡ ገበናት ኲናት ሓዊሱ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ይሕብሩ።

ኣብቲ ኲናት ተሳትፎ ከምዝገበረ ጸኒሑ ዝኣመነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ክስታት ገበናት ኲናት ግን ኣይቅበሎን።

ምዕራባውያን ሃገራትን ዝተፈላለዩ ዓለማዊ ትካላትን ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክትስሕብ ብተደጋጋሚ ይጽውዑ፤ መንግስቲ ኤርትራ ግን ሰራዊቱ ኣብ ልኡላዊ ግዝኣቱ ከምዝርከብ እዩ ዝምጕት።

ኲናት ትግራይ ከብቅዕ ዝገበረ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝዀኑ ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ ኣስፊሩ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ናይሮቢ ዝተፈረመ ውዕል ኣፈጻጽማ እቲ ሰነድ፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ይዝከር።

ጐድኒ ጐድኒ ድማ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን ናብ ማሕበረሰብ ክጽንበሩን ዝብል ይርከቦ።

ድሕሪ ምፍራም እቲ ውዕል ሰላም፡ ሰብ-መዚ ትግራይ ሰራዊት ኤርትራን [ኣብ ሰሜን ምዕራብን ሰሜን ምብራቕን ትግራይ] ፡ ዕጡቓት ኣምሓራ ድማ [ኣብ ሰፊሕ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይን ከባብታት ፀለምትን ዝሓዙዎም ከባብታት፡ ጭውያ፡ ምምዝባልን ካልኦት ግፍዕታትን ከምዝቐፀሉ ብተደጋጋሚ ክኸሱ ፀኒሖም እዮም።

ኤርትራ ግን፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓይልታታ ኣብ ልኡላዊ መሬቶም ከምዘለዉ'ያ ክትገልጽ ጸኒሓ። ነቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐርብ ክስታት ድማ፡ ነቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብሓይሊ ዝሓዞ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ዝተዋህባ ቦታታት ዝምልከት'ዩ ብምባል'ያ ኣስመራ ትምልስ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ብሕጊ ዝተዋህቦ ግዝኣታት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ዝተታሕዘ ከባቢታት ኢትዮጵያ እንተልዩ ዘጻሪ ኣካል ብምቛም ክምርምሮ ምዃኑ ምስወከልቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኣብዚ ቕነ ኣብ መርበብ መርበብ ሓበሬታ 'ሆርን ሪቪው' ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኢትዮጵያ" ከምዝርከቡን ከምኡ'ውን መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ጕጅለታት ይድግፍ ከምዘሎን ይኸስስ።

እቲ ኣምባሳደር፡ ኣብቲ "At 34, Time to Tend to Matters at Home?" ዝብል ጽሑፉ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቘሙ ዕጡቓት ካብ ምድጋፍ ክቝጠብ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብረሉ'ውን ጸዊዑ።

ብዛዕባ መንነት ናይቶም ፕረዚደንት ኤርትራ ይድግፎም እዩ ዝበሎም ዕጡቓት ጕጅለታት ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ዝተሓተተ ኣምባሳደር ዲና ፡ "ንሳቶም ይፈልጡ እዮም" ብምባል፡ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ጥራይ ከምዘድልየን ተዛሪቡ።

"ክልቲአን ሃገራት ዘድልየን ሰላም፡ ምክብባርን ሓቢርካ ምንባርን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ዝፍጸም ምድፍፋእ ግን ናብ ውግእን ግጭትን እዩ ዝመርሕ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላም ምፍጣር ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ኣገዳሲ እዩ።"

እቲ ኣምባሳደር ኣብ ተመሳሳሊ ጽሑፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ "ልኡላዊ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ተቘጻጺሩ ክነብር ኣይክእልን'ዩ" ክብል ጽሒፉ።

ዲና ሙፍቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ልኡላዊ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ንምውጻእ እንታይ ክግበር ኣለዎ ተባሂሉ ምስተሓተ፡ "እቲ ኵነታት ንማንም ዝጠቅም ኣይኰነን" ኢሉ።

"ሕጂ ዘድሊ ኵሉ ሰብ ህድእ ኢሉ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ምግባር እዩ፤ ከምኡ እንተዘይኰይኑ ሓይሊ፡ ኲናት፡ጸቕጢ ጽቡቕ ኣይኰነን። ንሃገር ይዅን ንህዝቢ ኣይጠቅምን እዩ" ብምባል ኣገዳስነት ሰላም ኣስሚሩሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ደርባ ቃላት ዝረአ ዘሎ ዀይኑ ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድናታት ዘመልክት እዩ።

ነቲ ብፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተሰምዐ ቃል፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባትሉ ነይራ።

ዓይሻ መሓመድ ብቐዳም 31 ግንቦት 2025 ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ "ሃገር ኢልካ ንኽትጽውዐን ዘጸግማ ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክንድ'ዚ ክዛረባ ምፍታነን ዝተለምደ ባህሪ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡" ክትብል ናብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ዝመስል ምላሽ ሂባ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብወገኑ ኢትዮጵያ ብልቓሕ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብን ንድኻታት ሃገራት ዝግበር ድጐማን'ያ ትነብር ክብል ቀጥታዊ መልሲ ሂቡ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ናይ ሰልፊ ብልጽግና ደገፍቲን/ዘለፍቲ ዝዀነ ናይ ኤርትራን ኵሉ ኤርትራዊን ኣብ ምክፋእ ተጸሚዶም ኣለዉ" ይብል ሚኒስተር የማነ ኣብ ኤክስ ዘውጽኦ መግለጺ።

ኣምባሳደር ዲና፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ፈጢሩ ዘሎ ምክሳስ ስዒቡ፡ ስግኣትን ኣብ ባይታ ናብ ኲናት ከብጽሕ ዝኽእል ምንቅስቓሳትን ኣሎ ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ ብቐጥታ መልሲ ኣይሃበሉን።

እንተዀ ኲናት ከምዘየድሊ ገሊጹ።

"ንዘመናት ርኢናዮ ኢና፣ ፈቲንናዮ ኢና። ደሓር ከኣ ኲናት ነዚ ዞባ ኣዕናዊ እዩ፤ ፕሮፖጋንዳዊ ይኹን ወተሃደራዊ ኲናት ኣየድልን እዩ" ኢሉ።