ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሳ

ዝሓለፈ ዓመት [2024]፡ ኣብ ልዕሊ "ትካላት ደሞክራስን ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ሰብኣዊ መሰላትን መትከላትን" ሓያሎ ብድሆታት ዝወረደሉ ዓመት'ዩ ክብል ዳይረክተር ኣፍሪቃ እቲ ትካል ማውሲ ሴጉን ገሊጹ።

ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ኬንያ

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝተኸሰተ ወሰኽ ግብሪ ዝርከቦ ሕጊ ፋይናንስን ብልሽው ምሕደራን ብዝተላዕለ ተቓውሞ መንእሰያት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ እናተዘርገ ከም ዝመጽአ ይገልጽ።

"ሰበስልጣን ነቲ ሰልፊ ተቓውሞ ዝደረኹ፡ ማሕበረ-ቍጠባዊ ማሕንቘታት ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ንመራሕቲ ተቓውሞታት፡ ደለይቲ ፍትሕን ኣፈራሪሖም፡ ኣሲሮምን ኣከላቢቶምን፡" ይብል።

ካብ ሰነ ጀሚሩ ብውሕዱ 60 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 82 ሰባት ድማ ከም ዝተጨውዩ ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ የመልክት።

ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስዎች፡ "ምልክታት ስቅያት ዝርኣዮም ሬሳታት ሰባት ኣብ ሩባታት፡ ኣግራብ፡ ኣብ ዝተዃዕቱ ጐዳጕዲ ከምኡ'ውን መካነ-መቓብራት ተደርብዮም ተረኺቦም፡" ይብል።

ብተወሳኺ፡ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሲቪላዊ መሰላት ነቲ ማዕበል ተቓውሞታት መዊሎም ብዝብል ካብ መንግስቲ ምግፋዕን ምፍርራሕን ይበጽሖም ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሱዳን

ምስ ደቃ ትስደድ ዘላ ኣደ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስዎች፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን (RSF) ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ካልእ ፍሉይ ኣቓልቦ ዝገበረሉ ጕዳይ እዩ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ን21 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ብምህላዎም፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ይርከብ።

እቲ ጸብጻብ፡ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ብፍላይ ድማ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ "ገበናት ኲናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት" ከምኡ'ውን ካልእ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ገበናት እቲ ዕጡቕ ሓይልን መሻርኽቱን፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ ከምኡ'ውን ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ብተደጋጋሚ ከበድቲ ነተጕቲ ምጥቃም ከም ዘጠቓልል ወሲኹ ይሕብር።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ብቦምባ ብምድብዳብ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ብምዕናው፡ ተግባራት ጾታዊ ዓመጽ፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ስቅያት እሱራት፡ ከምኡ'ውን ኣካላዊ መጕዳእቲ ኣውሪዶም እዮም ኢሉ።

እዚ ኣዕናዊ ኲናት፡ኣብ ዓለም ዝለዓለ ውሽጣዊ ምዝንባል ከስዕብ እንከሎ - ክሳብ መስከረም ልዕሊ 10.8 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ሃዲሞም - እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ዓዘቕቲ ጥምየት ትርከብ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ውግእ ናብ ማእከላይን ምብራቓውን ግዝኣታት ብምስፍሑ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎም ኣሎ።

ብዘይካ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባት፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት - ከም ብዓል ጫድ፡ ግብጽን ኢትዮጵያን እውን ዕቝባ ከም ዝሓተተ ይግመት።

ካብ ኤርትራ ዝተሰደደ ዓወት ሃዋርድ ኢያሱን ካብ ሶማልያ ዝተሰደደት ሸሪፋ ኣደን ኣብ እዋን መረጻ ኣመሪካ፡ ድምጺ ክህቡ ወጺኦም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ካብ ኤርትራ ዝተሰደደ ዓወት ሃዋርድ እያሱን ካብ ሶማልያ ዝተሰደደት ሸሪፋ ኣደን ኣብ እዋን መረጻ ኣመሪካ፡ ድምጺ ክህቡ ወጺኦም ነይሮም

ብድሕሪ እታ ዝተዓጽወት ኤርትራ

መንግስቲ ኤርትራ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ሓዊሱ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታቱ ምዕፋኑ ይቕጽል ከም ዘሎ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይሕብር

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መንግስቲ ኤርትራ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ሓዊሱ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታቱ ምዕፋኑ ይቕጽል ከም ዘሎ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይሕብር።

ኣብ ኤርትራ ብ1993 ንናጽነት ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ ኣይተኻየደን።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ስልጣን ብሒቱ ይርከብ።

ኣብታ ሃገር፡ ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካልእ ዝንቀሳቐስ ፖለቲካዊ ውድብ የሎን።

ኣብ ኤርትራ፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ነቐፍቲ መንግስትን ተባሂሎም ዝግመቱ ሰባት ብኣስገዳድ ምስዋር ልሙድ ተግባር ከም ዝዀነ ይገልጽ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዙሓት ንኽስደዱ ምኽንያት ከም ዝዀነ ጠቒሱ።

ኣብዚ ህጻናት ንውትህድርና ከም ዝምልመሉ ገሊጹ።

ኣብ ሶማልያ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት

መንግስቲ ሶማልያ ኣንጻር ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ዝገብሮ ዘሎ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ኣብ 2024 ህይወት ብዙሓት ዝመንዝዑ መጥቃዕቲታት ዝተፈጸሞ ከም ዝነበረ ጠቒሱ።

በዞም መጥቃዕቲታት፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቍጸሩ ድማ ክሃድሙ ምኽንያት ከም ዝዀነ ሓቢሩ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣልሸባብ፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓት ሚልሻን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ጾታዊ ዓመጽ፣ ከምኡ'ውን ሰፊሕ ግህሰት ህጻናት ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ ሶማልያ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት ገለ ምምሕያሽ እኳ እንተ ርኣየ፡ እቲ ተጣባቒ መሰላት ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ብገምጋም 4.4 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከም ዘድልዮም ገሊጹ።

ኣብ ሶማልያ፡ ሰላም ንኽመጽእ፡ ኣልሸባብ ንኽዳኸምን ሰላማውያን ሰባት ድሕነቶም ንኽሕሎን ዝዓለመ ሓድሽ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ [ኣውሶም] ኣብ ቀረባ ስርሑ ክጅምር እዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ተሓላቒ መሰላት ነዚ መደብ ንምፍጻም ዘኽእል ገንዘብ ሎጂስቲካዊ ደገፍን ዝምልከት ሕቶታት ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ብረት ዝሓዘ ወተሃደር

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ኣብ ብሩንዲ ዝዛየደ ጸቕጢ መንግስቲ

ኣብ ብሩንዲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፊን ዝፍጸም ምፍርራሕን ምእሳርን ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣባላት ሊግ መንእሰያት ገዛኢ ሰልፊ ብሩንዲ፡ 'ኢምቦነራኩረ'፡ ኣብ መላእ ሃገር ብዝፍጸም ተኸታታሊ ቅትለት፡ መጥቃዕትን ስቅያትን ብሰፊሑ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።

ብተወሳኺ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ናጽነት ሚድያ ተወሳኺ ገደባት ገይሮም ኣለዉ።

ኣብ ብሩንዲ ካብ ዝርከቡ ናጻ ጋዜጣታት ሓደ ዝዀነ "ኢዋኩ ፕረስ" ኣብ 2024 ዓመት ንኸይዝርግሕ እገዳ ተነቢሩሉ እዩ።

ዕልዋታት ምዕራብ ኣፍሪቃ

ዕልዋታት ምዕራብ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ,AFP

ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ነተን ሕጂ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝግዝኣ ዘለዋ ጕጅለ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ - ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን - እውን ዳህሲሱ ኣሎ።

እዞም ወተሃደራዊ ስርዓታት፡ ተቓወምትን ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰላትን ይዕፍኑ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ኣብዘን ሃገራት ብልሽውና ንምቅላስ ዝግበሩ ዘለዉ ጻዕሪታት ንድሕሪት ከም ዝተመልሱ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሞዛምቢክ፡ ድሕሪ ሃገራዊ መረጻ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዜጋታት ክቕተሉ ምኽንያት ዝዀነ ናዕቢ ተላዒሉ ምንባሩ ኣመልኪቱ።