ነቲ መስርሕ ፍርዲ ዝመርሐ ዳኛ ዶቭ፡ ኣብ ልዕሊ ናሆም ሓጐስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ብ"ንኣኽራሪ፡ ዓመጽን ዓሌታዊ ኣረኣእያ ዝተጠምዘዘ፡ ኣተሓሳስባ ሕሉፍ የማናዊ ደጋፊ ናዚ" ዝተደፋፍአ'ዩ ኢሉ።
"ኣብ ልዕሊ ዘይፈልጦ ሰብ ብዝፈጸሞ ዕሱብን ዘይተሓስበን መጥቃዕቲ" እቲ ግዳይ "ከቢድ መጕዳእቲ" ከምዝበጽሖ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ እዋን ፍርዱ ፓርስሎው፡ ብሕርቃንን ብስጭትን" ተደሪኹ "ንሓደ ካብቶም ብመትረብ እንግሊዝ ዝኣተዉ ስደተኛታት ንምውጋእ" ብ2 ሚያዝያ ናብቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ዎርቸስተር ዝርከብ ሆቴል ከምዝኸደ ንቤትፍርዲ ገሊጹ።
ኣብ 2024 ኣብ ቤት ፍርዲ ዘውዲ ሌስተር ንሰለስተ ሰሙን ኣብ መስርሕ ፍርዲ ድሕሪ ምሕላፉ ሕጂ ብፈተነ ቅትለት ተፈሪዱ'ሎ።
ብተወሳኺ ምስዚ ብዘይተኣሳሰር፡ ጾታዊ ገበንን ጭንቀት ንምፍጣር ዝዓለመ ኤሌክትሮኒያዊ መልእኽቲ ብምልኣኽን ኣብ ዝብሉ ክልተ ክስታት እውን ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ።
እቲ ዳኛ፡ እቲ እንኮ ግቡእ መቕጻዕቲ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ፓርስሎው "ብሰንኪ ተወሳኺ ዓመጽቲ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ ጉድኣት ከብጽሕ ልዑል ሓደጋ ከምዘሎ" ገሊጹ።
ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ ናሆም ሓጐስ፡ ክሳብ ሕዳር 2028 ዝጸንሕ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦ እዩ።
ናሆም ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ሆቴል'ዩ ዝነብር ነይሩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ድማ ብሽክለታ ክልቃሕ እዩ ተመሊሱ ነይሩ።
ፓርስሎው ነቲ ኣብ ልዕሊ ናሆም ዘካየዶ መጥቃዕቲ ንምፍጻም 1000 ዶላር ከፊሉ ብኦንላይን ፍሉይ ካራ ከምዝዓደገ'ውን እቲ ቤትፍርዲ ሰሚዑ።
ዳኛ ዶቭ፡ ሓደ ክሊኒካዊ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ፡ ናሆም ሓጐስ ከም ቀጥታዊ ውጽኢት ናይቲ መጥቃዕቲ ጭንቀትን ስንባደን ከምዝሓደሮ ምርግጋጹ ሓቢሩ።
ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘንበቦ ቃል እቲ ግዳይ፡ እቲ መንእሰይ ኣብ ኢዱ "ዘሕዝን ቃንዛ" ከምዘጋጠሞን ብሰንኪ እዚ ድማ ንምድቃስ ከምዝቃለስን ጠቒሱ።
"ቅድሚ እቲ ፍጻመ ሕጉስ ህይወት ክመርሕ'የ ጸኒሐ" ይብል ናሆም። "እዚ ሕጂ ዘይሕሰብ'ዩ።"
"ጽምዋ ይስምዓኒ፡ ኣብ ጽርግያ ድማ ውሕስነት ኣይስምዓንን'ዩ። ህይወተይ ተገለባቢጡ'ሎ።"
ሓላፊ ክፍሊ ጸረ ግብረሽበራ ኣገልግሎት ዓቃቢ ሕጊ ዘውዲ ዝዀነት ቢታን ደቪድ፡ "እዚ መጥቃዕቲ ንሓደ ክፋል ህዝቢ - ማለት ሓተትቲ ዑቕባን ንሓተቲ ዑቕባ መንበሪ ዝህቡን ንምፍርራሕ ዝተፈጸመ'ዩ" ኢላ።
"ካሉም ፓርስሎው ዝነበሮ ደጋፊ ናዚ ኣረኣእያታት ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ሕብሪ ቆርበቱን መበቆሉን ጥራይ ተመርኲሱ ብሕሱም መንገዲ ከጥቅዖ ደሪኽዎ፤ ኣብ መንጐ ሓደ ማሕበረሰብ ድማ ፍርሒ ከስፋሕፍሕ ጽዒሩ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
"እዚ ተግባር ግብረሽበራ እዩ።"
ኣብ እዋን ፍርዲ፡ ኣብ ጸጋማይ ኢዱ ዝተወቀጠ ፊርማ ሂትለር ዘለዎ ፓርስሎው፡ ቅድሚ ምእሳሩ ባዕሉ ዘዳለዎ "ማኒፌስቶ" ኣብ ኤክስ ክልጥፍን ንመራሒ ናይቲ ጸረ-ስደተኛታት ዝዀነ ሕሉፍ የማናዊ ጕጅለ ቶሚ ሮቢንሰን፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ምኒስተር ኪር ስታመር፡ ሪሺ ሱናክ፡ ናጃል ፈራጅን ሱዌላ ብሬቨርማንን ዝበሉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ታግ ክገብርን ፈቲኑ።
እንተዀነ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንብዙሓት ሰባት ክሰድድ ብምፍታኑ ኣይሰለጦን።
ኣብቲ ሰነድ፡ ነቶም "ጸላእቲ ተፈጥሮን ኢንግላድን" ዝበሎም "ኣይሁዳውያን፡ ማርክሳውያንን ዑልመናውያንን" ዝበሎም ወገናት ንክርስትና፡ ጸዓዱን ኣውሮጳዊ ባህልን ኣሰይጢኖም ክብል ይኸስስ።
እቲ ማኒፌስቶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኽዝርጋሕ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ነቶም ኣንጻር ስደተኛታት ዝዀኑ ሰልፍታትን ቢቢሲ ዝርከቦም ትካላት ዜናን ክስደድ ዝተሓሰበ'ዩ።
ፖሊስ ነቲ ኣብ ዎርቸስተር ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ኣብ ዝፈተሽሉ፡ ካራ፡ ፋስ፡ በትሪ ሓጺን፡ ቀይሕ ናይ ናዚ ኣርማ ዘለዎ ጨርቂ፡ መዳልያታት ናዚ፡ ከምኡ'ውን ቅዳሕ ናይቲ ኣብ 1925 ብሂትለር ዝተጻሕፈ ማኒፌስቶን ረኺቦም።
ፓርስሎው ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ ምኽንያት፡ ብተንኮል ዝተመልኦ ርክብን ምቅላዕን እናተመርመረ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ።
ኣብ መንጎ ሓምለን ነሓሰን 2023፡ ፓርስሎው ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒሙ፡ "ጾታዊን ዓሌታውን ባህሪ ዘለዎ" ከምኡ'ውን "ኣዝዩ ዘሕፍር" መልእኽቲ፡ ጾታዊ ርክብ ዝገልጽ ቪድዮ፡ ንሓንቲ ኣብቲ እዋን ፍልጥቲ ጋዜጠኛ ቲቪ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ሰዲዱ ነይሩ።
ጓል እታ ጋዜጠኛ'ውን ዒላማ ተገይራ ነይራ።
ንፖሊስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ናይ ድሕነት ስምዒት ከምዝሰኣነትን ብዙሕ ግዜ ካብ ድቃስ ተበራቢራ ኵሎም መስኮታትን ማዕጾታትን ከምዝተዓጸዉ ከምተረጋግጽን ገሊጻ።
ወሲኻ ድማ፡ "ከምቲ ተኸሳሲ ዝኣመሰሉ ተሓባበርቲ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ንሰባት ንምጉዳእ ልዕሊ ዓቐን ዝኸዱ ሰባት ከምዘለዉ ስለዝተገንዘብኩ፡ እዚ ፍጻመ ኣዝዩ የፍርሓኒ'ዩ" ኢላ።
ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸሞም ገበናት
እቲ ዳኛ፡ ተግባራት ፓርስሎው ብ"ኣዝዩ የማናዊ ኣተሓሳስባ"ን ከምኡ'ውን ብ"ዓሌታውን ጽልኢ ደቂ ኣንስትዮን" ዝተደፋፍአ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብዞም ገበናት፡ ፓርስሎው ክልተ ናይ 18 ኣዋርሕ ፍርዲ ተዋሂብዎ።
ብተወሳኺ ኣብ ህዝባዊ ቦታ በላሕቲ ኣጽዋር ብምሓዝ ንኽልተ ዓመት ተፈሪድዎ።
ኣብ 2018 ብተመሳሳሊ ገበናት ተፈሪድዎ ዝነበረ ን30 ኣዋርሕ ተኣሲሩ ነይሩ።
ፓርስሎው ካብ ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት፡ ን13 ዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ "ጾታዊ ርክብ ዝገልጽን ኣዝዩ ዓመጽ ዝመልኦን" ናይ ሓሶት ኣስማት ዘለዎ መልእኽቲ ሰዲዱ እዩ።