ገሊኦም ካብቶም ዝተጨውዩ ስደተኛታት ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኮይኖም፣ እቶም ጨወይቲ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ከምኡ‘ውን ዜጋታት ኢትዮጵያ 10 ሽሕ ዶላር፣ ንነፍሲ ወከፍ ሶማላዊ ድማ 17 ሽሕ ዶላር‘ዮም ክሓቱ ጸኒሖም።
ሓደ ካብቶም ተታሒዞም ዝጸንሑ ስደተኛታት፣ ብዝወረዶ ግፍዕታትን ዓጸቦን ሞይቱ‘ዩ ተረኺቡ።
ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ፣ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ምጭዋይ ኢድ ኔርዎም ንዝበልዎም ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ፣ ኣገልግሎት ዜና ሊብያ ሓቢሩ።