ስድራ ናይቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተተሓዙ ኤርትራውያን እንታይ ይብሉ?

ከም ውጽኢቱ ድማ ስእሊ እቶም መንእሰያት ኣዛራቢ ኰይኑ እዩ ቀንዩ።

እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባኦም ዝቃላሕ ዘሎ ከም ምሩኻት ሰራዊት ሱዳን እዩ ዘቐርቦም፤ ብሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ከምዝተማረኹ ዝገልጹ ኣለዉ። እዞም ሰባት ግን፡ ኣቐዲሞም ብሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተታሒዞም ነይሮም ኣብዚ እዋን ግን ኣብ ትሕቲ ምዱብ ሰራዊት ሱዳን ከም ዘለዉ እዮም ቤተሰቦም ዝገልጹ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዝተዘርግሑ ኣሳእል መንነት ገለ ካብቶም መንእሰያት ምልላይ ተኻኢሉ እዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረበን ቤተሰብ ግዳያት፡ እቶም መንእሰያት ስደት መሪጾም ካብ ኢትዮጵያ ነቒሎም ብሱዳን ንሊብያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት እምበር ምሩኻት ከም ዘይኰኑ ይገልጹ።

ቢቢሲ ካብቶም ኣብቲ ቪድዮ ኣዝማዶም ዘለለዩ ኤርትራውያን ኣባላት ስድራቤት ኣዘራሪቡ ዝረኸቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

‘ከርተት ኢሉ፡ ኣይጠዓሞን’

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ስእሊ ዝተለለዩ ኤርትራውያን ተኽለ ሃይለሚካኤል ይበሃል።

ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥ ሓዉ ሙሴ ሃይለሚካኤል፡ ተኽለ “ብዙሕ እዩ ከርተት ኢሉ፡ ኣይጠዓሞን” ክብል ብዛዕባ ሓዉ ንቢቢሲ ኣዘንትዩ።

ተኽለ፡ ኣብ መስከረም 2010 ናብ ሱዳን ተሰዲዱ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ መነባብሮ ስለዘይከኣሎ ካብ ሱዳን ወጺኡ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ክነብር ድሕሪ ምጽንሑ ዳግማይ ናብ ስደት ነቒሉ፤ ኣብ 2012 ድማ ናብ እስራኤል ኣትዩ።

ክሳብ 2016 ኣብ እስራኤል ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግማይ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ፡

ምስ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ዝነበሩ ስድራኡ ድማ ዳግማይ ተራኺቡ ኣብ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ክነብር ጀሚሩ።

ከም ዕድል ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ብሰላም ከምዝሓለፉን ብድሕሪዚ ኣብ ሓድሽ መዓስከር ዳባት እትዮም ኣብኡ ክነብሩ ከምዝጀመሩን ይገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ወዲ 52 ዓመት ዝዀነ ተኽለ፡ ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑ እዩ። እቶም ሰለስተ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ይርከቡ።

እታ ራብዓይቲ ጓሉ በዓልቲ ሓዳር ኰይና ኣብ ኤርትራ ትቕመጥ።

ብዕለት 15 ሕዳር ተኽለ ካብ ገዛኡ ጠፊኡ ሓዲሩ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ግን ናብ ስድራኡ ደዊሉ ‘ንሊብያ ይኸይድ ኣለኹ’ ኢልዎም።

እዚ ምስ በለ ንሰለስተ ሰሙን ዝኸውን ደሃዩ ክሰምዑ ኣይከኣሉን።

ኣብ መወዳእታ ካብ ኢትዮጵያ ካብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተሌፎን ተደዊሉሎም።

‘ሓውኹም በዛ ተሌፎን ገይርኩም ደውሉለይ ኢሉኩም ኣሎ ኣብ ሱዳን ኰይኑ’ ዝብል መልእኽቲ ድማ ናብ በዓልቲ ቤቱ ተሕልፍ።

ድሕሪ መዓልታት ዝወሰደ ብዙሕ ፈተነ፡ በዓልቲ ቤቱ ምስ ተኽለ ተራኺባ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ሓደ ገዛ ተዓጽዮም ከምዘለዉ ይነግራ፤ እቶም ሰምሰርቲ ‘እቲ መንገዲ ሕማቕ ስለዝዀነ፡ ኲናት ስለዘሎ ንሊብያ ክንነቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ሕጂ ንድሕሪት ክንመልሰኩም ኢና ናብ መዓስከር ሸገራብ ክነእትወኩም ኢና’ ከምዝበልዎም እውን ሓቢርዋ። ‘ኣብዚ ሳልስቲ ክመልሱና ይኽእሉ እዮም’ እውን ኢልዋ።

ሓዉ ሙሴ፡ “ምስ ሓወይ ኣሎ ንእሽቶ ቈልዓ፡ ንሱ ናብ ኣቦኡ ደዊሉ ማለት እዩ። ‘እቲ ዘለናዮ ከባቢ ካብ ካርቱም 80 ኪ.ሜ. ርሒቕና ናይ ቻይና መጻረዪ ነዳዲ ካምፓኒ ኣሎ፡ ንሕና ኣብኡ ኢና ዘለና ሕጂ። ንቀይሕ መስቀል እንተዘይሓቢርኩም ክሰዱና ኣይክእሉን። በጃኹም ንቀይሕ መስቀል ሓብሩልና’ ኢልዎም” ብምባል ብዛዕባ ዘለዉሉ ኵነታት ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዝረኸቡ ይገልጽ።

ተኽለ ሃይለሚካኤል ኣብ 2016

ምንጪ ስእሊ,MUSIE TEKLEMICHAEL

መግለጺ ስእሊ,ተኽለ ሃይለሚካኤል ኣብ 2016

ኣብ መዓስከር ዳባት ዝነበረት ስድራቤት ተኽለ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ከይዶም ብዛዕባ እቲ ኵነታት ኣፍሊጦምዎም።

እቶም ሰራሕተኛታት እውን ቍጽሪ ተሌፎን ካብ በዓልቲ ቤቱ ተቐቢሎም ብምድዋል ምስቶም ወተሃደራት ሱዳን ተራኺቦም።

‘ንሊብያ ክኸዱ ዝሓዝክምዎም ስደተኛታት ምሳኹም ኣለዉ ድዮም?’ ኢሎም ከምዝሓተትዎም ሙሴ ይገልጽ።

‘እወ፡ ምሳና ኣለዉ፤ 57 ሰባት ሒዝናዮም ኣለና’ ዝብል መልሲ ምስ ረኸቡ ‘ኣብኡ ዘሎ ጨንፈር ቀይሕ መስቀል ክንሰደሎም ኢና፤ ኣድራሻኹም ሃቡና መጺኦም ክወስድዎም እዮም’ ኢሎም ካብቶም ወተሃደራት ኣድራሻ ተቐቢሎም።

ብድሕሪኡ እቶም ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ‘ካብ ሕጂ ንደሓር ባዕልና ክንከታተሎ ኢና፡ ጸገም የለን’ ከምዝበሉ ሙሴ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ይዅን’ምበር ብድሕሪኡ ካብቶም ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ተወሳኺ ሓበሬታ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

“ተመሊሶም ከይሓትዎም እቶም ቀይሕ መስቀል ቤት ጽሕፈት ኣይከፈቱን፤ ኣይመጹን ናብቲ መዓስከር። እምበር እቶም ቀይሕ መስቀል ኣበየናይ ቦታ ኣብ ሱዳን ከምዘለዉ ይፈልጡ እዮም” ይብል ሙሴ።

“ነቲ ንሓወይ ዝሰደዶ ሰምሳሪ ንፈልጦ ኢና። ንሱ ግን ‘ብመገደይ ኣይከደን፤ ኣነ ኣይሰደድክዎን’ ኢሉ። ኣይኣመነልናን። ብመገዱ ከምዝኸደ ግን ካብ ሰባት ጽቡቕ ጌርና ኣረጋጊጽና ኢና” ብምባል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርዎ ጽዕሪ ፍረ ከምዘይነበሮ ይሕብር።

ብድሕሪ’ዚ ስድራኡ ንነዊሕ እዋን ግዜ ብተሌፎን ክረኽብዎ ፈቲኖም ግን ኣይሰመረሎምን።

ሙሴ “ናይ ኢንተርነት ጸገም ድዩ ወይስ እታ ተሌፎን ዓጽዮማ ድዮም ኣይተረድኣንን” ይብል።

ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝተዘርገሐ ስእሊ፡ ንሓዉ ተኽለ ከለልዮ ክኢሉ።

“ብዙሕ እዩ ከርተት ኢሉ፤ ኣይጠዓሞን። ሕጂ ኸዓ ናብ ሊብያ ተበጊሱ እዚ ሽግር እዚ ኣጋጢምዎ ኣሎ ማለት እዩ” ክብል እናነብዐ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

'መጀመርታ ንልዋም፡ እታ ሓመዳዊ ሻርባ ገይራ ዘላ ኣለልየያ' ትብል ሓፍታ ምሕረት

ምንጪ ስእሊ,SM

መግለጺ ስእሊ,'መጀመርታ ንልዋም፡ እታ ሓመዳዊ ሻርባ ገይራ ዘላ ኣለልየያ' ትብል ሓፍታ ምሕረት

‘ስእላ ርኢናያ’

ካልእ ብስእላ ዝተለለየት ኤርትራዊት ጓል 24 ዓመት ልዋም ገብሩ እያ። ቢቢሲ ብዛዕባኣ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ንሓፍታ ምሕረት ገብሩ ኣዘራሪቡ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ምስ ተፈጠረ፡ ልዋም ገብሩ ካብ ኤርትራ ወጺኣ ናብ ዚትዮጵያ ኣትያ።

“ናይ ስደተኛ ወረቐት ሒዛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 4 ዓመታት ተቐሚጣ” ክትብል ምሕረት ምስ ሓፍታ ዝነበራ ህይወት ትገልጽ።

እንተዀነ ንሳ ኣብ ዘይነበረትሉ እዋን ብዕለት 30 ጥቅምቲ፡ ‘ንሊብያ ክኸይድ እየ’ ኢላ ከምዝተበገሰት ሓፍታ ትዛረብ።

“ንሓደ ወርሒ ድምጻ ኣይሰማዕናን። ሓንቲ ግዜ ደዊላ ‘ሱዳን ኣትየ ኣለኹ ኣይተሻቐሉ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንሊብያ ክንኣቱ ንኽእል ኢና’ ኢላትና ብድሕሪኣ ጠፊኣ ድምጻ የለን።”

ምሕረት፡ ደሃይ ሓፍታ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪባ፤ እንተዀነ ግን ‘ኣብዚ ኣላ፡ ከምዚ ኰይና’ ዝብል ሰብ ኣይተረኸበን።

ልዋም ገብሩን ዮርዳኖስ ኪዳነን

ምንጪ ስእሊ,SOCIAL MEDIA

መግለጺ ስእሊ,ልዋም ገብሩን ዮርዳኖስ ኪዳነን

ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ልዋም ገብሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተቐልቂላ።

“ስእላ ርኢናያ” ትብል ምሕረት። “መጀመርታ ንልዋም፡ እታ ሓመዳዊ ሻርባ ገይራ ዘላ ኣለልየያ።”

ምሕረት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስቲ ዝወሰደን ሳምሳሪ ተራኺባ ነይራ።

‘ዋላ ሓንቲ ዝፈልጦ የብለይን፤ ኣብ ትሐቲ ሱዳናውያን ኣለዉ’ ከምዝበላ ድማ ትገልጽ። “ዋላ ሓንቲ ክንገብር ኣይከኣልናን።”

ኣብቲ ዝረኣየቶ ስእሊ ዮርዳኖስ ኪዳነ እትበሃል መሓዛ ሓፍታን ፊልሞን ዝተባህለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጐረቤተን ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰይ እውን ኣለልያ።

እዞም መንእሰያት፡ ዝሓሸ ናብራን ዝሓሸ ስራሕን ንምንዳይ እዮም ናብ ስደት ነቒሎም፤ እንተዀነ ግን ኣብ መንገዲ ዘስካሕክሕ ኵነታት ከምዘጋጠሞም ስድራቤቶም ይገልጹ።

ምሕረት፡ “ናይ ብሓቂ ኵሉ ወላዲ ኣብ ጭንቀት ኣብ ሽግር እዩ ዘሎ” ብምባል ሰብ ኵሉ ብዝኸኣሎ መንገዲ ክሕግዞም ተማሕጺና።