ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ብዛዕባ ምእሳር ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓበሬታ ከምዘለዎን ንትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ካብቲ ዘለውዎ ኣብያተ ማእሰርቲ ከውጽኦም ከምዝሓተተ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።
እቲ ዝተገልጸ ማእሰርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ውሑዳት ካብኣቶም ክፍትሑ እንከለዉ፡ ብዙሓት ካልኦት ስደተኛታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ’ውን ይፍለጥ። ብዛዕባ ሓደጋታት ነዊሕ ማእሰርቲ ግን ብወግዒ ስክፍታኡ ገሊጹ ከምዘሎ እቲ ኮሚሽን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 20 ዓመት ዝቐጸለ “ኵነተ ኲናት” ኣብ 2018 ብዕርቂ ተፈቲሑ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ጽቡቕ ከምዘየለ ይግለጽ።
ኣብ መንጐ ክልቲኣን ሃገራት ዝነበረ ቀጥታዊ በረራ ነፈርቲን መስመር ተሌፎንን ተቋሪጹ መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ወግዓዊ ርክብ ክገብሩ ኣይተራእዩን።
እቶም ስደተኛታት እንታይ ይብሉ
ንኣስታት 6 ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሰርሕን ከምሃርን ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሃኒባል ሚኪኤል እቲ ኵነታት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ኣስካፊ ደረጃ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
“እቲ ዝኸፍአ ዝገብሮ ኣብዚ እዋን'ዚ ወረቐት ዘለዎምን ዘይብሎምን ብኣልማማ ይእሰሩ ምህላዎም እዩ። ካብዚ ዝገደደ ድማ ቤተሰብን መቕርብን ክበጽሑ ናብቲ ዝተኣስሩሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ዘምርሑሉ ኣዴታት እንከይተረፋ ይዳጉኑ ኣለዉ። ዛጊት ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ከካብ ዝተፈላለየ ቦታን ከባቢን ተኣሲሮም ኣለዉ፡” ብምባል እቲ ኵነታት ነቲ ስደተኛ መንእሰይ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኰይኑ ከምዘሎ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዅን ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራውያን ኣደዳ ማእሰርትን ግፍዕን ክዀኑ ብምጽንሖም ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ስጕምቲ ክወስድ ክምሕጸኑ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2023 ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ)፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቝባን ክግበር ዝጸንሐ ማእሰርቲ ደው ክብል ምጽውዑ'ውን ዝዝከር እዩ።
እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዛዕባ'ዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ማእሰርቲ ኤርትራውያን ሓበሬታ ከምዝበጽሖን፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ይምርምሮ ከምዘሎን ኣፍሊጡ።
ይዅን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ዝወሰዶ ስጕምቲ ከምዘየሎን'ኳ ደኣ እቲ ኵነታት ብዝተጋነነ መልክዑ ይቕጽል ምህላዉን፡ መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮነ ኢልካ ይምዝመዝ ከምዘሎን እዮም ነበርቲ እታ ከተማ ዝገልጹ።
ሃኒባል፡ “ንዝሓለፉ 17 መዓልታት ንሓፍቱ ክሪኢ ኢሉ ምስ ከደ ኣብ ሾላ ዝተባህለ ከባቢ መገናኛ ዘሎ ነቝጣ ዝዳጐንዎ ዓርከይ ኣሎ። ይዅን እምበር ንሱ ሕጋዊ ሰነድ ስደተኛ ኣለዎ። ኣብ ዝዀነ ገበን እውን ኣይረኸብዎን” ብምባል እቲ ኣብ ዘይሕጋዊ ስርሓት ንዝተዋፈሩ ምሓዝ ብዝብል ምስምስ ዝግበር ዘሎ ማእሰርቲ ምኽንያታዊ ከምዘይኰነ እዩ ዝገልጽ።
ብተወሳኺ እዚ ብኣልማማ ምእሳር ኣብ ዝተፈላልየ፡ ኤርትራውያን ዝነብርሉ ከባቢታት ኣተኲርካ ይካየድ ብምህላዉ ኤርትራውያን ዘነጽጸረ ምዃኑ ሃኒባል ይሕብር።
“ንዅሉ ሰብ ዘሻቕሎ ዘሎ እቲ ማእሰርቲ መጽናዕቲ ዝተገብሮ ወይ ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ተዋፊሮም ኢሎም ንዝጥርጥርዎም ኣይኰኑን ዝኣስሩ ዘለዉ። በቃ ብኣልማማ ኣብ መንገዲን ኣብ ኤርትራውያን ዝነብርሉ ከባቢታትን ዝኣትዉዎም መዘናግዒ ማእከላትን፡ ካብ ሳሪስ ኣዲስ ሰፈር፡ ኣራብሳ፡ ሳፋሪ ፍየል ቤት፡ ጎፋ፡ መብራት ሃይል ብፍላይ ኣብ ከባቢ መገናኛ ዝበሃሉ ከባቢታት እዮም ዝገፉ ዘለዉ፡” ብምባል ኵሎም ስደተኛታት እቲ ኵነታት ክሳብ ዝሃድእ ምንቅስቃሳቶም ክድርቱን ዝመልከቶም ኣካላት ህጹጽ መፍትሒ ክገብሩን ይላቦ።
ካልእ ግዳይ ናይዚ ማእሰርቲ ኰይኑ ዝቐነየ ንድሕነቱ ስሙ ዝተዓቀበ ኤርትራዊ፣ ኣብ ላፍቶ ዝበሃል ከባቢ ራብዓይ ርእሱ ከምዝሓዝዎን ገንዘብ ከፊሎም ከም ዝወጹን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ኣብ እንዳ ሻሂ እንከለና ትግርኛ ይዛረቡ ኣለዉ ኤርትራውያን እዮም ካብ ዝብል ሓደ ሲቪል ዝተኸድነ ደዊሉ 6 ፖሊስ ጸዊዑ ንዅልና ወሲዶምና፣ሕጋዊ መንቀሳቀሲ ወረቐት ኣሪናዮም ክነስና ንክልተ መዓልታት ኣብ ላፍቶ ብዘይ መርመራ ኮፍ ኣቢሎምና፡" ይብል።
ንሱ ወሲኹ፡ "ደሓር ጉዳየይ ሒዙ ዝነበረ ኢንስፐክተር ብውልቂ ከነዘራርበካ ምስ በልናዮ ካባና ሓደ ወሲዱ ብምዝርራብ ገንዘብ ክንከፍል ሓቲቱና፤ ንሕና መንቀሳቀሲ ስለዝነበረና ግን ኣሻላሻል ጌሩልና 13 ሽሕ ብርን 50 ዩሮን ሂብናዮ ወጺና፡" ድሕሪ ምባል፡ እቶም ተገፊፎም ዝኣትዉ ሰባት ካብ 5ሽሕ ክሳብ 15 ሽሕ ብር ከምዝሕተቱ ይገልጽ።
እቲ ኵነታት ዝዀነ ኤርትራዊ ዝረኽቦ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ወጽዓ ምዃኑን ዝተፈላልዩ ኤርትራውያን ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ብዘይ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ንልዕሊ 2 ኣዋርሕ ዝተኣስሩ ከምዘለዉን እዩ ዘብርህ።
ንሱ ከም ዝብሎ እቲ መስርሕ ምኽፋል ገንዘብ፡ ጭብጢ ንኸይርከቦም ኣብ ደገ ዝቕበለሎም ሰብ ብምግባር ብ ካሽ ጥራይ ከምዝቕበልዎም ኣረዲኡ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ብዙሓት ብኣከዳድናኦም ኣዘራርባኦምን ኤርትራውያን ምዃኖም ስለዝልለዩ "ገንዘባዊ ረብሓ ንምምዝማዝ ክኸውን ከምዝኸእል ብምጠቃስ" ኣብ ዝረኸብዎም ከምዝኣርይዎም ይገልጽ።
ኵሎም ቅድሚ ሕጂ ገዝኦም ተፈቲሹ ዝነበረ ገዛ ክቕይሩን፡ ነቲ ሕብረተሰብ መሲሎም ክነብሩን ክጥንቀቑን ይላቦ።
ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝተፈላልዩ ነበርቲ ኣብ ዘዘራረበሉ፡ ኣብ ጐተራ ዝተባህለ ከባቢ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣይ ኦ ኤም ጕዳይ ጉዕዞኦም ንምሕታት ዘምርሑ ኤርትራውያን እውን ብጥርኑፍ ከምዝተኣስሩን ንሰሙን መመላእታ ደሃይ ከምዘይብሎምን ሓበሬታ በጺሕዎ።
ኣብ ኣራብሳ ዝበሃል ሰፈር እውን ቈልዑ ንትምህርቲ እናብጽሓ እንከለዋ ዝተኣስራ ኣደ ቈልዑ እውን ከምዘለዋ ዝገልጽ ሓበሬታ ረኺቡ።
መንግስቲ ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ንዝተዋፈሩ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ገለሰባት ምኽንያት እዚ ግፋ ክኸውን ከም ዝኸእል ይገልጹ።
ገለ ድማ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998-2000 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ወሪዱ ዝነበረ ግፋ፡ ማእሰርትን ምስጓግን ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ብምዝካር፡ ነቲ ኣብዚ እዋን እናላሕልሐ ዝመጽእ ዘሎ ምድና ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ግምት ብምእታው ስክፍታኦም ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣስታት 3000 ኤርትራውያ ካብ ኢትዮጵያ ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ተሰጒጐም ምንባሮም ዝዝከር ኰይኑ፡ ቢቢሲ ንሓደ ካብኣቶም ኣብ ዘዛራረበሉ፡ ብመንገዲ ቡሬ ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ከምዘእተዉዎምን መንግስቲ ኤርትራ እውን ተቐቢሉ ከምዝኣሰሮምን ብምግላጽ ዳግማይ ክስደድ ከምዝተገደደ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምህላዎም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት መለለዪ ካርድ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዘለዎምን ብሰንኪ ቅልውላው ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉን እዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን፡ ብዙሓት በዚ ኵነታት ስክፍታ ዝሓደሮም ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ ዝተፈላለዩ መንገድታት ክጥቀሙ ከምዝጀመሩ ክንገር ጸኒሑ’ዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ነቲ ዝበጽሖ ዘሎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ይወርድ ከምዘሎ ብስፍሓት ዝግለጽ ብዘይፍርዲ ኣልማማ ማእሰርቲ፡ ምስርጣይን ግህሰት መሰላትን ኣብ ዝምልከት፡ ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተወኪሱ።
እቲ ኮሚሽን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብወከልቲ ማሕበረሰብ ስደተኛታት ሓበሬታ ከምዝበጽሖን፡ ንመንግስታዊ መሻርኽቲ ትካል ኣርኣሬስ ጣልቃ ክኣቱ ከምዝተሓሳሰበን ኣብቲ ንቢቢሲ ትግርኛ ዝለኣኾ ኢመይል ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ውሑዳት ካብቶም ዝተኣስሩ ክፍትሑ እንከለዉ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ብምጥቃስ ኣርኣርኤስ ጻዕሪታት ይገብር ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግን ኣብዚ ጉዳይ ንዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ሕቶ ምላሽ ክህብ ኣይደለየን።