ኤርትራ፡ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ተረጋጊጹ

ተስፋልደት መብራህቱ ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን ኣብ ኖርወይ ዑቕባ እንተሓተተን ንድሕነቱ ካብ ሰብ ተኸዊሉ እንተሃለወን ገና ስግኣት ይስምዖ ከም ዘሎ ግን እቶም ቀረብቱ ብተወሳኺ ንቢቢሲ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ ውድድራት ኦሎምፒክ ደሃዩ ዘጥፍአ ተስፋልደት፡ ንሃለዋቱ ይዅን ኵነታቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈላለየ ግምታት ክወሃቦ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብ ኖርወይ ዝረኸብዎን ንጉዳዩን ኵነታቱን ዝከታተሉ ዘለዉ ኣዕሩኽቱ ንቢቢሲ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት ተስፋልደት ንድሕነቱ ክብል’ዩ ካብ ፈረንሳ ወጺኡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ክሓትት ተገዲዱ ዘሎ።

ዓቢ ተፈላጥነት ካብ ዘለዎም ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ሓደ ዝዀነ ተስፋልደት፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ቤት ትምህርቲ ኢብራሂም ሱልጣን ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ 1999 ምስ ኣባላት 9ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ወሪዱ’ኳ እንተነበረ ናብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዘእቱ ነጥቢ ስለ ዘምጸአ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብዓውዲ ጋዜጠኝነት ተማሂሩ ኣብ 2003 ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ።

ተስፋልደት መብራህቱ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝሰርሐ ምኩር ጋዜጠኛ ስፖርት እዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ፡ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ከም ኣንባቢ ዜና፡ ኣዳላዊ መደብ ስፖርት፡ ኣዳላውን ኣቕራብን መደብ ዶክተራት ኣብ ስቱድዮን ካልኦት መደባትን ኰይኑ ከም ዝስርሐ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ብውልቁ፡ ኣብታ ብቶፖ ኤሪ ኢንተርተይመንት እትፍለጥ ቻነልን ኣብ ካልኦት ዝተፈላለያ ቻነላትን ምስ ከም ሄለን መለስ፡ ካሕሳይ በርሀ፡ መረብ እስቲፍኖስ፡ ኤረና ኣፈወርቅን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ህቡባትን ጸለውትን ሰነጥበበኛታትን፤ ከምኡ’ውን ከም ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ቢንያም ግርማይ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ካልኦትን ፕሮፈሽናል ስፖርተኛታትን መደባት ብምስራሕ ዓቢ ስም ዘጥረየ እዩ።

ተስፋልደት ኣብ ዩቲብን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ንሽግር ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ዘቃልሓሉ ካብ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጥን ምፍርራሕን የጋጥሞ ከም ዝነበረ’ዩ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘርድእ።

ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብተደጋጋሚ ማእሰርቲ የጋጥሞ ከም ዝነበረን ብፍላይ ኣብ 2012 ኣብ ቤት ማእሰርትታት ዓዲ ኣበይቶን ማይስርዋን ንኣስታት ሓደ ዓመት ከም ዝተኣሰረን ጸብጻባት የረድኡ።

ኣብ መስከረም 2019'ውን ን15 ዓመታት ኣብቲ ሚኒስትሪ ዝሰረሐ ሓላፊ ክፍሊ ስፖርት ተሌቪዥን ኤርትራ ዝነበረን ጋዜጠኛ ክብርኣብ ተስፋሚኪኤል፡ ንሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ወኪሉ፡ ካብ 19 ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ ክጽብጽብ ድሕሪ ምኻዱ፡ ዑቕባ ክሓትት ካብ ሞሮኮ ወጺኡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከምዝኸደ ዝዝከር'ዩ።

ኤርትራ ብምእሳር ጋዜጠኛታት እትፍለጥ ሃገር ኰይና፡ ኣብ 18 መስከረም 2001 ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብታ ሃገር ብወግዒ ድሕሪ ምኽልካለን፡ ኣብአን ዝሰርሑ ካብ ዝነበሩ ኣሰናዳእትን ጋዜጠኛታትን ሽዑ ምስ ተኣሰሩ ብዘይዝዀነ ወግዓዊ ክከም ክስን ፍርድን ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።